ምንጪ፡ Voice of America
ዜና

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ንኽትከይድ ምስ ዝድርኸካ ክትፈልጦ ዘለካ

ዝተሓትመሉ ዕለት: 2/17/2023 12:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣዝማድ እንተድኣ ኣለዉኻ ኮይኖምን፣ ከምኡ እውን ናብኡ ክትከይድ እንተድኣ ደሊኻን፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካዮ ወይ መንበሪ ፍቓድካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ታሕቲ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዎ ከም ዘለካ ኣንብብ።

ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ዝጠፍኡ ኣዝማድ

  • ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤት ትደልይ ምስ እትህሉው፣ ምስ

    ብተሌፎን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

  • ቀይሕ መስቀል ኣብ ቱርኪን ሶርያን ንዝጠፍኡ ኣዝማድ ንምድላይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣስተውዕል፡ እቲ ከባቢ ድኹም ተበጻሕነት ዘለዎ እዩ፣ ከምኡ እውን ህጹጽ ሓገዝ ገና ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ። ስለዚ ቀይሕ መስቀል ብኡ ንብኡ ክሕግዘካ ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቀይሕ መስቀል

ዝጠፍኡ ኣባላት ስድራ-ቤት ንምድላይ ሓገዝ ንምርካብ ንኸተመዝግብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ቀይሕ መስቀል ተወከስ።

ኣነ ቱርካዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ናብ ቱርኪ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ

ንዘመልክተካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ወይ ንመንበሪ ፍቓድካ ንኽስርዞ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቕካላ ሃገር ትምለስ ስለ ዘለኻ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡

ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ሶርያ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ናብ ሶርያ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ

ንዘመልክተካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ወይ ንመንበሪ ፍቓድካ ንኽስርዞ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቕካላ ሃገር ትምለስ ስለ ዘለኻ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡

ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ከም ሶርያዊ ስደተኛ መጠን ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ፣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሶርያ ክትከይድ ዘይትኽእል፣ ግን ከኣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ እትኽእለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሶርያ ኣብ ሓደጋ ብምህላውካ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ስለ ዘመልከትካ እዩ።

ኣብ ኩነትካ ነየኖት ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ከም ዘለካ ኣብ ታሕቲ ኣንብብ፡

ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ

ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዞባ ንኽትፈልጡን፣ ናይ መምለሲ ቪዛ ንምሕታትን ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ፡

ካብ IND ዝርከብ መምለሲ ቪዛ

ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ምእንቲ፣ መምለሲ ቪዛ ንምርካብ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ኣመልክት።

Refugee Rights Turkey

ኣብ ቱርኪ ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኩነታት ብዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ 'መሰላት ስደተኛታት ቱርኪ' ኣንብብ።

UNHCR ቱርኪ

ናይ ቱርኪ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት [UNHCR] መርበብ-ሓበሬታ፣ ብዛዕባ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዞባ ሓበሬታ ኣለዎ። ንነፍስወከፍ ዞባ ድማ ብዛዕባ ውሑስ ቦታታት፣ ሆስፒታላትን ነቚጣታት መከፋፈሊ መግብታትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣሎ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር