ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ንኽትከይድ ምስ ዝድርኸካ ክትፈልጦ ዘለካ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 17/2/2023 3:07 ድ.ቀ.

ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣዝማድ እንተድኣ ኣለዉኻ ኮይኖምን፣ ከምኡ እውን ናብኡ ክትከይድ እንተድኣ ደሊኻን፣ እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ንዘመልከትካዮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ታሕቲ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዎ ከም ዘለካ ኣንብብ።

ኣብ ቱርኪ ወይ ሶርያ ዝጠፍኡ ኣዝማድ

  • ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤት ትደልይ ምስ እትህሉው፣ ምስ

    በዓል-መዚ ምሕደራ ሓደጋን ህጹጽ እዋንን ቱርኪ (AFAD)
    ብተሌፎን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

  • ቀይሕ መስቀል ኣብ ቱርኪን ሶርያን ንዝጠፍኡ ኣዝማድ ንምድላይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኣስተውዕል፡ እቲ ከባቢ ድኹም ተበጻሕነት ዘለዎ እዩ፣ ከምኡ እውን ህጹጽ ሓገዝ ገና ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ። ስለዚ ቀይሕ መስቀል ብኡ ንብኡ ክሕግዘካ ዘይክእል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝርዝር መወከሲ ናይ AFAD ኣብቶም ጒድኣት ዝበጽሖም ከባቢታት ቱርኪ

ኣነ ቱርካዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ናብ ቱርኪ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንዘመልክተካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ወይ ንመንበሪ ፍቓድካ ንኽስርዞ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቕካላ ሃገር ትምለስ ስለ ዘለኻ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡

ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ

ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ሶርያ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ናብ ሶርያ ምምላስ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጽናሕካ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።እዚ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንዘመልክተካዮ ዑቕባ ንኽነጽጎ ወይ ንመንበሪ ፍቓድካ ንኽስርዞ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቕካላ ሃገር ትምለስ ስለ ዘለኻ እዩ።

ኣብ ታሕቲ ንውልቃዊ ኩነትካ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፡

ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ሶርያ ክምለስ ደልየ ኣለኹ
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ሶርያ ክምለስ ደልየ ኣለኹ

ኣነ ሶርያዊ ስደተኛ እየ፣ ከምኡ እውን ናብ ቱርኪ ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ

ከም ሶርያዊ ስደተኛ መጠን ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ፣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሶርያ ክትከይድ ዘይትኽእል፣ ግን ከኣ ናብ ቱርኪ ክትከይድ እትኽእለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ሶርያ ኣብ ሓደጋ ብምህላውካ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ስለ ዘመልከትካ እዩ።

ኣብ ኩነትካ ነየኖት ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ከም ዘለካ ኣብ ታሕቲ ኣንብብ፡

ኣነ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪተ ኣለኹ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክኸይድ ደልየ ኣለኹ
ኣነ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለኒ፣ ከምኡ እውን ንግዚኡ ናብ ቱርኪ ክምለስ ደልየ ኣለኹ

ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ

ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ዞባ ንኽትፈልጡን፣ ናይ መምለሲ ቪዛ ንምሕታትን ኣገደስቲ መርበባት-ሓበሬታ ኣለዉ፡