ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • ጀምር
  • ኣብ እዋን ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ኩዕሶ እግሪ ንኔዘርላንድ ተጻወት
ክልተ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንኹዕሶ እግሪ ይቃለሱ
ምንጪ፡ Pixabay

ኣብ እዋን ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ኩዕሶ እግሪ ንኔዘርላንድ ተጻወት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:12 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኔዘርላንድ ንዓኻ ትደልየካ ኣላ! ኔዘርላንድ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ሓድነት ኤውሮጳ -EURO UNITY- ክትሳተፍ እያ። ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኔዘርላንድ ክትከውን ድማ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።

ዋንጫ UNITY

ንናትና ኩኪስና ኣይተቐበልካዮን ኣለኻ። ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ናይ www.youtube.com ቪድዮታት ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ቪድዮ ኣብ Youtube ረኣዮ፣ ወይ ንናትና ኩኪስና ተቐበሎ። YouTube.com

ዋንጫ EURO UNITY እንታይ እዩ?

ዋንጫ ሓድነት ኤውሮጳ -EURO UNITY- ኣብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ንዕለት 27፣ 28ን 29ን ሰነ ክካየድ እዩ። ነፍስወከፍ ሃገር ናይ ገዛእ-ርእሳ ጋንታ ሒዛ እያ ትመጽእ። ኩለን ጋንታታት ስደተኛታትን ሃገራውያን ኣማተር ተጻወትን ዝተሓዋወሰ ኣለወን። ደቂ-ኣንስትዮ ይኹኑ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ክሳተፉ እዮም። ዋንጫ EURO UNITY ብሕብረት ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ -UEFA- ከምኡ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት -UNHCR- ዝውደብ እዩ።

ብኸመይ ክትምዝገብ ትኽእል?

ቅድሚ ዋንጫ UNITY ምክያዱ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ንጉሳዊት ኔዘርላንድ (KNVB) ፍሉይ መዓልቲ ክውደብ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ነፍስወከፍ ሰብ እንታይ ክገብር ወይ ክትገብር ከም ዝኽእል ከርእይ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ መጻረዪ ውድድር ይበሃል። ነዚ ብዝምልከት ድማ ክትምዝገብ ኣለካ። እቲ መጻረዪ ውድድር ንዕለት 19 ግንቦት 2023 ኣብ ናይ KNVB ካምፓስ ኣብ ዛይስት -Zeist- እዩ ክግበር።

ካብ መደበር Driebergen - Zeist ኣብ መንጎ ሰዓት 12፡30ን 13፡30ን፣ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሰዓት 17፡00ን 18፡00ን ብዘይ ክፍሊት ብነጻ ዝጎዓዛ ኣውቶቡሳት ኣለዋ።

ብኸመይ ይሰርሕ?

11 ተጻወትቲ ኣብ ናይ ኔዘርላንድ ጋንታ ንኽጻወቱ ክምረጹ እዮም። ኣባል ናይታ ጋንታ ኮይንካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኽውን ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዋንጫ UNITY ንኽትሳተፍ ክትከይድ ኢኻ። እታ ጋንታ ብሬነ ቫን ራይስቫይክ -René van Rijswijk- እያ እትስልጥን። ንሱ ንባዕሉ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ እዩ ነይሩ። 

ተሳትፎ ብነጻ እዩ። መጽለሊ፣ መግቢ፣ መጓዓዝያን ኣራንሾኒ ናይ ኩዕሶ እግሪ ክዳውንትን ተዳልዩልካ ኣሎ፣ ከምኡ እውን ባዕልኻ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ።

መን ክምዝገብ ይኽእል?

ከምዚ ዝስዕብ ምስ እትኸውን ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን

  • ወናኒ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዩክሬናዊ ስደተኛ ምስ እትኸውን

  • ቅኑዕ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምስ ዝህልወካ

  • ንዕለት 19 ግንቦት ኣብ ዛይስት -Zeist- ኣብ ዝካየድ ውድድር ክትርከብ ትኽእል ምስ እትኸውን

  • ኣብ ዕለት 2ን 9ን ሰነ ኣብ ዝካየዱ 2 ልምምዳት ክትርከብ ትኽእል ምስ እትኸውን

  • ኣብ ዕለት 27፣ 28ን 29ን ሰነ ናብ ፍራንክፈርት ንምኻድ ድሉው ምስ እትኸውን

ንኽትጎዓዝ ምእንቲ ቅኑዕ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት የድልየካ እዩ። ብሰንኪ እቲ ናብ ፍራንክፈርት ዝግበር ጉዕዞ ድማ፣ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ዝኾኑ ሰባት ወይ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ጥራይ እዮም ኣብ ዋንጫ UNITY ክሳተፉ ዝኽእሉ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ መሳጢ ድዩ?