• ጀምር
  • ናይ ምቕናስ ክራይ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር
ካብ ወረቐት ባጤራ ዝተዓጽፈ ገዛ
ምንጪ፡ Pixabay

ናይ ምቕናስ ክራይ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር

ዝተሓትመሉ ኣብ: 5/6/2023 12:47 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ናይ ክራይ ገዛ ምቕናስ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ዋላ ክራይ ገዛኻ ክውስኽ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዘለኻ ምስ እትኸውን እውን። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ነቶም ቅድመ-ኩነታትን፣ ከምኡ እውን ስጉምቲ ክትወስድ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቅድመ-ኩነታት ምቕናስ ክራይ ገዛ

ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ተማልእ ኮይንካ፣ ካብ 1 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ናይ ክራይ ምቕናስ መሰል ኣሎካ፡

  • ካብቲ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ዝተሓተ መጠን ማሕበራዊ ኣታዊ
    ትሕቲ 120 ሚእታዊት ትረክብ ምስ እትኸውን።

  • ካብ 1 መጋቢት 2023 ወይ ቅድሚኡ ጀሚርካ ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ወይ ካራቫን ዝተኻረኻ ምስ እትኸውን።

  • ናይቲ ገዛ ወይ ካራቫን ኣብ ወርሒ ልዕሊ € 575,03 (ኣብ 2023) መሰረታዊ ክራይ ትኸፍል ምስ እትኸውን። መሰረታዊ ክራይ ገዛ፣ ብዘይ ናይ ኣገልግሎት ወጻኢታት እትኸፍሎ ዋጋ ክራይ እዩ።

ውዕል ክራይካ ድሕሪ 1 መጋቢት 2023 ተግባራዊ ዝኾነ ምስ ዝኸውን፣ ትሑት ኣታዊታት ንዘለዎም ዝግበር ምቕናስ ክራይ ንክትረክብ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣታዊኻ ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ይፍለጥ እዩ፡ ዝኾነ ነገር ከተዋድድ ኣየድልየካን እዩ

ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ዲኻ ፣ ከምኡ እውን ኣብ 2021 ዝረኸብካዮ ኣታዊ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ
ይፍለጥ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምናልባት ቅድሚ 1 ሰነ 2023 ካብ ናትካ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ብዛዕባ ምቕናስ ክራይ ገዛ ዝምልከት ደብዳቤ ተቐቢልካ ትኸውን ኢኻ። ስለዚ እቲ ምቕናስ ክራይ ገዛ ካብ 1 ሓምለ 2023 ንደሓር ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ዝኾነ ነገር ከተዋድድ ድማ ኣየድልየካን እዩ።

ኣታዊኻ ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ኣይፍለጥን እዩ፡ ቅድሚ 12 ሓምለ ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ይግባይ በል

ኣብ መንጎ 1 ጥሪ 2022ን 1 መጋቢት 2023ን ዲኻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ግዒዝካ፣ ከምኡ እውን ኣብ 2021 ናይ መነባብሮ ገንዘብ ጥራይ ዲኻ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ካብ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ተቐቢልካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ኣብ 2021 ክንደይ ኣታዊ ከም ዝረኸብካ ኣይፈልጥን እዩ። 

ምናልባት ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ክራይ ገዛኻ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ክውስኽ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ትኸውን ኢኻ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣንጻር እዚ ወሰኽ ክራይ ገዛ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ እውን ዝከኣል ሕጂ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ዝውሕድ ኣታዊ እንተድኣ ረኺብካን፣ ስለዚ ድማ ሕጂ ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካን እዩ።

ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ደብዳቤ ስደድ

ትሑት ኣታዊ ከም ዘለካ መረጋገጺ ከተቕርብ ትኽእል እንተድኣ ኮይንካ፣ ባዕልኻ ካብቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ምቕናስ ክራይ ንኽግበረልካ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተሓተ መጠን ማሕበራዊ ኣታዊ ትሕቲ 120 ሚእታዊት ከም እትረክብ ከተርእይ ክትክእል ኣለካ።

ብዙሓት ኮርፖሬሽናት ኣባይቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታአን ነዚ ንምግባር ክትጥቀመሉ እትኽእል ቅጥዒ ኣለወን። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ታሕቲ ክራይ ገዛ ንምቕናስ ንኸተመልክት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣብነት ደብዳቤ ክትረክብ ኢኻ። ናይ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናይ ቤትካ ኣታዊ ዝምልከት መርትዖ ድማ ምስቲ ደብዳቤ ኣተሓሕዞ።

ነቲ ደብዳቤ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ፣ ከምኡ እውን ዝኾነ ኮይኑ ቅድሚ 12 ሓምለ ናብቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ስደዶ። ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ዝሓለፈ እዋን ምቕናስ ክራይ ንኽግበረልካ ከተመልክት ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣዚኻ ደንጉኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ንደብዳቤኻ ክሳብ ዘመስርሖ ነቲ ዝለዓለ ክራይ ገዛ ትኸፍል።

ነቲ ናይ ክራይ ምቕናስ ኣብነት ደብዳቤ ኣውርዶ ማለት ዳውንሎድ ግበሮ። ነቲ ደብዳቤ ምልኣዮ፣ መርትዖታት ሰነዳትካ ምስኡ ኣተሓሕዞም፣ ከምኡ እውን ናብቲ ናትካ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ስደዶ።

ይግባይ ንምባል ዝግበር ደገፍ

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ክራይ ገዛ ንምቕናስ ንኸተመልክት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ደጊም ማሕበራዊ ምርሒት ኣይትረክብን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ሕጋዊ ሕቶታት ብዝምልከት ክትሓቶ እትኽእል ካልእ ውድብ የለን ድዩ? ስለዚ ደገፍ ምስ እትደልይ ምስ 'Het Juridisch Loket' ርክብ ግበር።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'Het Juridisch Loket'
ብቁጽሪ ተሌፎን (0800) 80 20 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ካብ 'Het Juridisch Loket' እትረኽቦ ሓገዝ ብነጻ እዩ።

ናይ ክራይ ኣበል ትቕበል ዲኻ? ለውጥታት ሓብር

እቲ ክራይ ገዛ ዋግኡ እንተድኣ ተቐይሩ፣ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ክራይ ኣበል ንምርካብ ኣብ ዘለካ መሰል ሳዕቤናት ኣለዎ። ዋጋ ክራይ ገዛ እንተድኣ ተቐኒሱ፣ ብዛዕብኡ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ብመንገዲ 'Mijn toeslagen' ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት ናይ ክራይ ገዛ ኣበልካ እውን ይቕነስ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?