
ምንጪ፡ Pixabay
ናይ ምቕናስ ክራይ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ናይ ክራይ ገዛ ምቕናስ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ዋላ ክራይ ገዛኻ ክውስኽ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዘለኻ ምስ እትኸውን እውን። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ነቶም ቅድመ-ኩነታትን፣ ከምኡ እውን ስጉምቲ ክትወስድ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ቅድመ-ኩነታት ምቕናስ ክራይ ገዛ
ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ተማልእ ኮይንካ፣ ካብ 1 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ናይ ክራይ ምቕናስ መሰል ኣሎካ፡
ካብቲ
ትሕቲ 120 ሚእታዊት ትረክብ ምስ እትኸውን።ዝተሓተ መጠን ማሕበራዊ ኣታዊካብ 1 መጋቢት 2023 ወይ ቅድሚኡ ጀሚርካ ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ወይ ካራቫን ዝተኻረኻ ምስ እትኸውን።
ናይቲ ገዛ ወይ ካራቫን ኣብ ወርሒ ልዕሊ € 575,03 (ኣብ 2023) መሰረታዊ ክራይ ትኸፍል ምስ እትኸውን። መሰረታዊ ክራይ ገዛ፣ ብዘይ ናይ ኣገልግሎት ወጻኢታት እትኸፍሎ ዋጋ ክራይ እዩ።
ውዕል ክራይካ ድሕሪ 1 መጋቢት 2023 ተግባራዊ ዝኾነ ምስ ዝኸውን፣ ትሑት ኣታዊታት ንዘለዎም ዝግበር ምቕናስ ክራይ ንክትረክብ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።
ኣታዊኻ ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ይፍለጥ እዩ፡ ዝኾነ ነገር ከተዋድድ ኣየድልየካን እዩ
ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ዲኻ ፣ ከምኡ እውን ኣብ 2021 ዝረኸብካዮ ኣታዊ
ኣታዊኻ ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ኣይፍለጥን እዩ፡ ቅድሚ 12 ሓምለ ኣንጻር ወሰኽ ክራይ ይግባይ በል
ኣብ መንጎ 1 ጥሪ 2022ን 1 መጋቢት 2023ን ዲኻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ግዒዝካ፣ ከምኡ እውን ኣብ 2021 ናይ መነባብሮ ገንዘብ ጥራይ ዲኻ
ምናልባት ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ክራይ ገዛኻ ካብ 1 ሓምለ ጀሚሩ ክውስኽ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ትኸውን ኢኻ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣንጻር እዚ ወሰኽ ክራይ ገዛ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እዚ እውን ዝከኣል ሕጂ ካብቲ ኣብ 2021 ዝነበረ ዝውሕድ ኣታዊ እንተድኣ ረኺብካን፣ ስለዚ ድማ ሕጂ ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካን እዩ።
ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ደብዳቤ ስደድ
ትሑት ኣታዊ ከም ዘለካ መረጋገጺ ከተቕርብ ትኽእል እንተድኣ ኮይንካ፣ ባዕልኻ ካብቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ምቕናስ ክራይ ንኽግበረልካ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተሓተ መጠን ማሕበራዊ ኣታዊ ትሕቲ 120 ሚእታዊት ከም እትረክብ ከተርእይ ክትክእል ኣለካ።
ብዙሓት ኮርፖሬሽናት ኣባይቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታአን ነዚ ንምግባር ክትጥቀመሉ እትኽእል ቅጥዒ ኣለወን። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ታሕቲ ክራይ ገዛ ንምቕናስ ንኸተመልክት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣብነት ደብዳቤ ክትረክብ ኢኻ። ናይ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ናይ ቤትካ ኣታዊ ዝምልከት መርትዖ ድማ ምስቲ ደብዳቤ ኣተሓሕዞ።
ነቲ ደብዳቤ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ፣ ከምኡ እውን ዝኾነ ኮይኑ ቅድሚ 12 ሓምለ ናብቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ስደዶ። ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ዝሓለፈ እዋን ምቕናስ ክራይ ንኽግበረልካ ከተመልክት ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣዚኻ ደንጉኻ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ንደብዳቤኻ ክሳብ ዘመስርሖ ነቲ ዝለዓለ ክራይ ገዛ ትኸፍል።
ይግባይ ንምባል ዝግበር ደገፍ
ኣብ
ደጊም ማሕበራዊ ምርሒት ኣይትረክብን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ሕጋዊ ሕቶታት ብዝምልከት ክትሓቶ እትኽእል ካልእ ውድብ የለን ድዩ? ስለዚ ደገፍ ምስ እትደልይ ምስ 'Het Juridisch Loket' ርክብ ግበር።
ናይ ክራይ ኣበል ትቕበል ዲኻ? ለውጥታት ሓብር
እቲ ክራይ ገዛ ዋግኡ እንተድኣ ተቐይሩ፣ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ክራይ ኣበል ንምርካብ ኣብ ዘለካ መሰል ሳዕቤናት ኣለዎ። ዋጋ ክራይ ገዛ እንተድኣ ተቐኒሱ፣ ብዛዕብኡ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ብመንገዲ 'Mijn toeslagen' ናብ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። ኣብ መብዛሕትኡ ኩነታት ናይ ክራይ ገዛ ኣበልካ እውን ይቕነስ እዩ።