ቅድመ-ኩነታትት ዲጂታላዊ ናይ ምምኽኻር ሰዓት

ምስ VluchtelingenWerk Nederland ዲጂታላዊ ርክብ ምስ እትሓቱ ክንሕግዘኩም ሕጉሳት ኢና። ኣብቲ ዝተመደበሉ ቆጸራ፡ ንሕቶኹም ንምምላስ ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ኣድላዪ እንተኾይኑ ናብ ካልእ ቦታ ክንመሓላለፈኩም ወይ ድማ ናይ ምክትታል ቆጸራ ክንሕዝ ኢና። ኣብዚ ዕላል እዚ ንሓድሕድና ብኣኽብሮት ንራኸብ። ኣብ ዝኾነ እዋን ምቹእ ወይ ውሕስነት እንተዘይተሰሚዑካ፡ ነቲ ዕላል ክትውድኦ ናጻ ኢኻ።