ኣብ ሓደ መዕቆቢ ዝርከቡ ዓራውቲ
ምንጪ፡ Roman Lily

መጽለሊ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:04 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ ገዛ ንኽትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። ክትከዶ እትኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት መዕቆቢ ድማ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ገዛ ምክራይ

ብዘይ ሕጋዊ ፍቓድ መንበሪ ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ወይ ክፍሊ ክትካረይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ፍቓድ መንበሪ ቤት እውን ኣይትረክብን ኢኻ። እዚ ኣብ ገሊኦም ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ሕሱር ክራይ ገዛ፣ ዕድጊ ገዛ ወይ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ንምንባር ንኽፍቀደልካ ዘድልይ ፍቓድ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ግን ካብ ናይ ብሕቲ ኣካራዪ፣ ገዛ ወይ ክፍሊ ንምክራይ ይከኣል እዩ። ኣካረይቲ፣ ንምዝገባ ወይ ኩነት ናይ (ካልኣይ ኢድ) ተኻራያይ ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP)
ክቖጻጸርዎ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኣካራዪ፣ ነቲ መንበሪ ቤት ኣብ BRP ተመዝጊቡ ንዘይርከብ ሰብ ንኸየካርዮ ክመርጽ ድማ ይኽእል እዩ።

መዕቆቢ

5 ዓበይቲ ከተማታት መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝኸውን ናይ 24 ሰዓታት መዕቆቢ ኣለወን። ከምዚ ዝበለ መዕቆቢ ድማ ሃገራዊ መሳለጥያ ንወጻእተኛታት (LVV) ይበሃል። ነቶም LVV ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፡

  • ኣምስተርዳም

  • ኡትረኽት

  • ኽሮኒንገን

  • ሮተርዳም

  • ኣይንድሆቨን

ኣብ LVV ክትዕቆብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ምስ ሓደ ወሃቢ ደገፍ ብሓባር ብምዃን ንኹነትካ መፍትሒ ንኽትረኽበሉ ክትሰርሕ ኣለካ። እዚ ድማ ከምዚ ክኸውን ይኽእል፡ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ፣ ናብ ካልእ ሃገር ምግዓዝ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጋዊ ምንባር።

ኣስተውዕል፡ ኣብቶም LVV ነዋሕቲ ሪጋታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

'መሳለጥያታት ዓራት-መሕጸቢ-ሕብስቲ'

ኣብ ኔዘርላንድ 'መሳለጥያታት ዓራት-መሕጸቢ-ሕብስቲ' እውን ኣለዉ። እዚኦም ካብ ኔዘርላንድ ክወጽኡ ንዘይክእሉ ወይ ድሌት ንዘይብሎም ንኹሉ ሕጋዊ ተኽእሎታት ዝጸንቀቚ ሓተትቲ ዑቕባ ዝዓለሙ ናይ ውልቀ ሰባት፣ ውድባትን ምምሕዳር ከተማታትን ተበግሶታት እዮም።

እዚኦም ኣዝዮም ጽንኩራት መቐበሊ ቦታታት እዮም። ኣብኡ ክትበልዕ፣ ክትድቅስን ኣካልካ ክትሕጸብን ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ገለ ናይ መዓልቲ ንጥፈት ይግበር እዩ።

ቀይሕ መስቀል ይሕግዝ

ቀይሕ መስቀል መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት፣ ከም በዓል ሕጋዊ ደገፍ፣ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ብምሃብ ይሕግዝ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?