ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ኣታዊ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 15/3/2023 3:08 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክትጸንሕ እንተድኣ መሪጽካ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ድማ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምዝመዛን ክትጥንቀቕ ኣለካ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ውዕል የለን

መንበሪ ፍቓድን ናይ ስራሕ ፍቓድን ንዘይብሎም ሰባት ዝቖጽሩ ኣስራሕቲ ኣለዉ። እቶም ኣስራሕቲ በዚ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት መብዛሕትኡ ግዜ ውዕል ስራሕ ከምዝዋደድ ወይ ከምዝፍረም ኣይገብሩን እዮም።

እንተኾነ ግን ውዕል ተገይሩ ድዩ? እቲ ስራሕ ሕጋዊ ስለዘይኮነ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ነቲ ኣስራሒ ነቲ ውዕል ንከኽብሮ ከገድዶ ኣይክእልን እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ተቓላዕቲ እዮም። ስለዚ ኣስራሕቲ ብቐሊሉ ክምዝምዝዎም ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ግብሪ ኣይትኸፍልን፣ ከምኡ እውን ኣበርክቶ ማሕበራዊ ድሕነት ኣይተዋህልልን ኢኻ። እዚ ማለት ድማ ኣብ እትሓመሉ እዋን ክፍሊት ኣይትረክብን፣ ከምኡ እውን ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ገንዘባዊ ደገፍ ኣይትረክብን ማለት እዩ።

ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ምዝመዛ

መንበሪ ፍቓድን ፍቓድ ስራሕን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ስለዘይፍቀደሎም፣ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ናይ ምዃን ልዑል ስግኣት ኣለዎም።

CoMensha

ማእከል ምውህሃድ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (CoMensha)፣ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምዝመዛን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ግዳይ ናይዚ ዲኻ? ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን (033) 448 11 86 ምስ CoMensha ርክብ ግበር። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 17፡00 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ቀይሕ መስቀል ይሕግዝ

ቀይሕ መስቀል መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት፣ ከም በዓል ሕጋዊ ደገፍ፣ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ብምሃብ ይሕግዝ።