ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ባጤራ ኣብ ማሕፉዳ
ምንጪ፡ pexels

ኣታዊ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:48 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ክትጸንሕ እንተድኣ መሪጽካ፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ድማ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምዝመዛን ክትጥንቀቕ ኣለካ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዙሕ ግዜ ብዘይ ውዕል ትሰርሕ

መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት ዝቖጽሩ ኣስራሕቲ ኣለዉ። ኣብ ዝኾነ ቦታ ትሰርሕ፣ ግን ድማ ናይ ስራሕ ውዕል የብልካን ዲኻ? ስለዚ ከም ሰራሕተኛ መጠን ሕጂ እውን መሰል ኣለካ። ምስ ኣስራሒኻ ብቐጻሊ ከም እትሰርሕ (ወይ ከም ዝሰራሕካ) ከተርእይ እንተድኣ ክኢልካ፣ እዚ ከም ውዕል ስራሕ እውን ክቑጸር ይኽእል እዩ። ዋላ ኣብ ወረቐት ውዕል ዘይፈረምካ ምስ እትኸውን እውን። ምስ ኣስራሒኻ ንኽንደይ ግዜ ከም ዝሰራሕካ ከተርእይ እንተድኣ ዘይክኢልካ ድማ ከም ናይ 6 ኣዋርሕ ስራሕ ይቚጸር።

ናይ ስራሕ ውዕል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዕዮ (CAO) ናይ ዝተገብረ ስምምዕ ኩሉ መሰል እውን ኣለካ። እዚ ማለት ንኣብነት እንተድኣ ሓሚምካ ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰልን፣ ብኣስራሒኻ ኣብ እትባረረሉ እዋን ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰልን ኣለካ ማለት እዩ።

ንሓደ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሉ ሰብ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ከቢድ እዩ። ነቲ ተቓላዓይ ዝኾነ ቦታኻ ክምዝምዙ ዝፍትኑ ኣስራሕቲ ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስራሕቲ ውዕል ስራሕ ኣይህቡኻን እዮም። ኣስራሕቲ ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ድማ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ብምቑጻሮም ናይ ምቕጻዕ ተኽእሎኦም ንኽንኪይ ምእንቲ እዩ። ሓደ ኣስራሒ ብዘይሕጋዊ ትነብር ከምዘለኻ ክሕብር ምዃኑ እውን ከፈራርሓካ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ መሰላትካ ክትጥቀመሉ ከጸግመካ ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ናይ ስራሕ መርትዖ ስለዘይህልወካ።

ኮይኑ ግን ከም ሰራሕተኛ መጠን ሓይለ-ኣልቦ ኣይኮንካን። ኣብ ኔዘርላንድ ብኣስራሒኻ ትምዝመዝ እንተድኣ ኮይንካ ክሕግዛኻ ዝኽእላ ሓያሎ ዝተፈላለያ ውድባት ኣለዋ። ንገለ ካብዘን ውድባት ኣብዚ ገጽ ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ።

ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ወይ ምዝመዛ

መንበሪ ፍቓድን ፍቓድ ስራሕን ዘይብሎም ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጋዊ መንገዲ ክሰርሑ ስለዘይፍቀደሎም፣ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ናይ ምዃን ልዑል ስግኣት ኣለዎም።

CoMensha

ማእከል ምውህሃድ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (CoMensha)፣ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምዝመዛን ዝሰርሕ ውድብ እዩ። ግዳይ ናይዚ ዲኻ? ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን (033) 448 11 86 ምስ CoMensha ርክብ ግበር። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 17፡00 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ቀይሕ መስቀል ይሕግዝ

ቀይሕ መስቀል መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት፣ ከም በዓል ሕጋዊ ደገፍ፣ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ብምሃብ ይሕግዝ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?