ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Twee artsen kijken naar een röntgenfoto

ምንጪ፡ Antoni Shkraba

ክንክን ጥዕና

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/9/2023 11:55 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ክንክን ጥዕና ንኽትረክብ ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል

ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ዘይብልካ ኣብ ኔዘርላንድ መድሕን ጥዕና ክትኣቱው ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኔዘርላንድ ክጥቀሙ ስለዘይፍቀደሎም እዩ።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መሰል ክንክን ጥዕና ኣሎ። ነፍስወከፍ ሰብ ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ማለት፣ ሓኪም ብሕክምናዊ መዳይ ንዓኻ ኣድላዪ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ክንክን እዩ።

ብዙሓት ወሃብቲ ክንክን ጥዕና፣ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ህጹጽ እዋን ካብ ዝግበር ቀዳማይ ረድኤት ንላዕሊ ዝሰፍሐ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ውድብ ረድኤት 'Basic Rights' ዝኾነ ኮይኑ ጽቡቕ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ክትከዶም እትኽእል ቦታታት ብዝምልከት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትረክብ ኢኻ።

ወጻኢታት ጥዕናኻ ምኽፋል

ናይ መድሕን ጥዕና ውዕል ንኽትገብር ዘይምኽኣልካ፣ ወጻኢታት ናይቲ ዘድልየካ ክንክን ጥዕና ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ ማለት እዩ። እዚ ዘይሰልጥ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጋዊ መንገዲ ክትሰርሕ ስለ ዘይትኽእል።

ስለዚ ድማ እዩ ወሃብቲ ክንክን ንሕክምናኻ ንምኽፋል ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ናይ ፋይናንስ ደንቢ ዘሎ። እዚ ድማ 'መድሕን ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ዝምልከት ደንቢ' ይበሃል። እዚ ደንቢ ብቤት-ጽሕፈት ማእኸላይ ምምሕዳር (CAK) ዝትግበር እዩ።

ቀይሕ መስቀል ይሕግዝ

ቀይሕ መስቀል መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ሰባት፣ ከም በዓል ሕጋዊ ደገፍ፣ ክንክን ጥዕናን መጽለልን ብዛዕባ ዝኣመሰሉ ከባብያዊ ኣገልግሎታት ሓበሬታ ብምሃብ ይሕግዝ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?