ዜናዕዳጋ
ዝሰናበት ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ሩተ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ።
ምንጪ፡ Wikimedia Commons
ዜና
ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብሰንኪ ንፖሊሲ ዑቕባ ዝምልከት ምይይጥ ተመቃቒሉ፣ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 10/7/2023 3:29 ድ.ቀ.

ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብዓርቢ 7 ሓምለ 2023 ድሕሪ ንፖሊሲ ፍልሰት ዝምልከት ምይይጥ ፈሩሱ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት መሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ።

ልፍንቲ-ሰልፊታት ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ኣይተሰማምዑን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን

ልፍንታዊ-ሰልፊታት
VVDን CDAን ንኽፋል ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ክገብርዎ ደልዮም ነይሮም። ልፍንታዊ-ሰልፊታት VVD፣ CDA፣ D66 ከምኡ እውን ክርስትያናዊ ሕብረት ChristenUnie ብዛዕባ እዚ ኣይተሰማምዑን። እዚ ድማ
ካቢነ ሚኒስተራት
ንኽወድቕ ምኽንያት ኮይኑ። ስለዚ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2023 ሓድሽ ምርጫ ክካየድ እዩ።

እቲ ካቢነ ሚኒስተራት ሕጂ "ዝሰናበት" እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣይውሰዱን እዮም ማለት እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ህሉው ኣገባብ ኣሰራርሓ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣይክህልዎን እዩ።

VVD ኣብ መንጎ ስደተኛታት ፍልልይ ንኽገብር ይደልይ ነይሩ

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብ2 ምኽንያታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ነዚ ድማ

ባይታ-A
ወይ
ባይታ-B
ኢልና ንጽውዖ። ብኽልቲኦም መንበሪ ፍቓዳት ኣብ ኔዘርላንድ ልክዕ ሓደ ዓይነት መሰል ድማ ኣለካ። ንኣብነት ብኽልቲኦም ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓዳት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ሰልፊ VVD እዚ ክቕየር ደልዩ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን እዚ ኣይተዓወተን። VVD ኣብ መንጎ መሰላት ናይ ስደተኛታት ፍልልይ ንኽግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ። ብኸምኡ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ውሑዳት ንክኾኑ ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ብመሰረት እማመ ናይ VVD፣ ብምኽንያት ባይታ-B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ነፍስወከፍ ዓመት ክሕደስ ዝነበሮ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ነይሩዎም። ከምኡ እውን ባይታ-B ዘለዎም ስደተኛታት ንኣባላት ስድራ-ቤቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኸመልክትሎም እውን ዝያዳ ኣጸጋሚ ምኾነ ነይሩ።

እዚ ድሮ ንኣዋርሕ ዝኣክል ምይይጥ ተገይሩሉ እዩ። ብፍላይ ልፍንቲ-ሰልፊታት ክርስትያናዊ ሕብረትን D66ን ብዛዕባ እዚ ኣይተሰማምዑን። ስለዚ ድማ እዩ ሕጂ ካቢነ ሚኒስተራት ፈሪሱ ዘሎ።

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ
ኣብዚ ገጽ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምምልካት ብዛዕባ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ኣብ ትሕቲ ኣየኖት ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ድሕሪ ምርጫ ምናልባት ሓድሽ ምይይጥ

ዝሰናበት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ብዙሕ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ብዛዕባ ዘለዎም ዛዕባታት ከሳልጥ ኣይክእልን እዩ። ሓድሽ ልፍንቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ብዛዕባ ፖሊሲ ​​ዑቕባ ናይ ኔዘርላንድ ብዝምልከት ዳግማይ ንኽመያየጥ ድማ ተኽእሎ እሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ሩተ ናይ VVD፣ ዳግም ኣብ ምርጫ ክወዳደር ከምዘይደልይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዳግም ክትጥርነፍ ትደልይ ዲኻ? ከምኡ እንተኾይኑ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጹ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ይበሃል። ኣብዚ ገጽ እዚ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብኸመይ ከም ዝካየድ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?