
ኣበዓዕላ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ ወግዓዊ በዓላት እዮም። ሎሚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ሓሙስ 14 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ 24 ግንቦት 2026 ይዉዕሉ።መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ስለዝኾኑ ነዞም በዓላት እዚኦም ከብዕሉ እዮም።
መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ብመሰረቱ ክርስትያናዊ በዓላት እዮም
ትሕቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኔዘርላንድ ሃይማኖታውያን ከምዘይኮኑ ይጠቕሱ። ኮይኑ ግን መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ንበዓላት ክርስትና ዕርገትን ጴንጠቆስጠን የብዕሉ እዮም። እዞም በዓላት ብዘይኣመንቲ እውን ይኽበሩ እዮም። ኣብዚ ታሕቲ ነፍስወከፍ በዓል ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከምዝኽበር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኔዘርላንዳውያን ኣብ መዓልቲ ዕርገት ነዚ የብዕሉ
ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣመንቲ ክርስትና ኢየሱስ ናብ ሰማይ ከም ዝኸደ ይዝክሩ። ብባህሊ ድማ ድሕሪ በዓል ፋሲካ ኣብ መበል 40 መዓልቲ ይኽበር። መጽሓፍ ቅዱስ፣ ኢየሱስ ኣብ መንጎ ፋሲካን ዕርገትን ኣብ ውሽጢ 40 መዓልታት እምነት ክርስትና ኣብ ምድሪ ከም ዘስፋሕፍሖ ይገልጽ። ሎሚ ዓመት ዕርገት ሓሙስ 29 ግንቦት እዩ ዝበዓል።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዕርገት ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም እዩ ተፈጺሙ፣ ኣብኡ ድማ ኢየሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ እምነት ክርስትና ክዝርግሑ ነገሮም። ደቀ-መዛሙርቱ እናተዓዘቡ ድማ ኢየሱስ ንሰማይ ዓረገ ካብ ትርኢት ዓይኒ ድማ ተሰወረ። እዚ ድማ መወዳእታ ህላወ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ኮይኑ እዩ ዝረኣይ።
ኣብ መዓልቲ ዕርገት ኣብ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስቲያናት ፍሉያት ኣገልግሎታት ይካየዱ እዮም። ወግዓዊ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እውን ስለዝኾነ፣ መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም። ኣብ ገለ ቦታታት ከም ሰልፊታት፣ ምርኢታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ ፍጻመታት ይውደቡ እዮም። እዚ ፍጻመታት ክርስትያን ንዘይኮኑ ሰባት ዝኸውን እውን እዩ።
ኔዘርላንዳውያን ኣብ እዋን ጴንጠቆስጠ ነዚ የብዕሉ
ጴንጠቆስጠ ድሕሪ ፋሲካ ኣብ መበል 50 መዓልቲ ይፍጸም። ኣብ ኔዘርላንድ ጴንጠቆስጠ ኣብ ክልተ መዓልታት እዩ ዝበዓል። ድሕሪ በዓል ፋሲካ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ደቀ-መዛሙርቲ ኢየሱስ መልእኽቱ ንምስፍሕፋሕ ትብዓት ከም ዝረኸቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ይርከብ። ስለዚ ድማ እዮም ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ንጴንጠቆስጠ ከም መፈለምታ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝርእይዎ።
ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትአን ክርስትያናዊ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ጴራቅሊጦስ ሰንበትን ሶኑይን ፍሉይ ኣገልግሎታት ቤተ-ክርስትያን የካይዳ። ጴንጠቆስጠ ኣብ ኔዘርላንድ ሃገራዊ በዓል እኳ እንተኾነ ነፍስወከፍ ሰብ ብሰፊሑ ዘብዕሎ ኣይኮነን። ዘይከም በዓል ፋሲካ ንኣብነት።
ልክዕ ከም መዓልቲ ዕርገት፣ ጴንጠቆስጠ እውን ኣብ ህዝባዊ ህይወት ብዙሕ ኣይረኣይን እዩ። ኣብ ጴንጠቆስጠ ዝግበር ፍሉይ ስልማት ወይ ዝብላዕ መግቢ የለን። ዋላ እኳ ገለ ኔዘርላንዳውያን ክሳብ ሕጂ ባህላዊ ሕብስቲ ጴንጠቆስጠ ዝሰርሑ እንተኾኑ።
መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ንብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ነጻ መዓልታት እዮም
ዋላ እኳ እዞም በዓላት ኩሉ ግዜ ብርኡይ ዝጽንበሉ እንተዘይኮኑ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ወግዓዊ ህዝባዊ በዓላት እዮም። እዚ ማለት ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብዞም በዓላት ነጻ እዮም ማለት እዩ። እንተኾነ ግን ኩሉ ሰብ ካብ ስራሕ ነጻ ኣይኮነን። ነጻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ርግጸኛ ክትከውን ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ንኣስራሒኻ ሕተት።
ኣብዞም በዓላት ድኳናት ዝኽፈትሉ ሰዓታት ካብ ንቡር ዝተፈልየ እዩ
ኣብ ኩሎም እዚኦም በዓላት ድኳናት ኣብ ፍሉይ እዋን ዝዕጸዋ ወይ ዝኽፈታ ክኾና ይኽእላ እየን። ዕዳጋኻ ክትገብር ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ድማ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ድኳን ናይ ስራሕ ሰዓታት ሓበሬታ ሕተት።