ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
መስርሕ ዑቕባ ደው ከተብሎ ትደልይ ዲኻ? ወይ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ተነጺጉ ድዩ? ስለዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ብወለንታ ንኽትምለስ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ካብ ኔዘርላንድ ንኽትወጽእ ክትግደድ ትኽእል። ኣብ ክልቲኡ ኩነታት ካብ ኔዘርላንድ ንኽትወጽእ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ሓበሬታ

ባዕልኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትደልይ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ምስ እትውስን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ህይወትካ ንምህናጽ ድማ ገንዘብ ወይ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። ኣብዚ ገጽ ብወለንታኻ ምምላስ ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ተገዲድካ ናብ መበቆል ሃገርካ ምምላስ
ባዕልኻ ብወለንታኻ ናብ መበቆል ሃገርካ ዘይትምለስ ምስ እትኸውን መንግስቲ ኔዘርላንድ ብኣስገዳድ ክመልሰካ ይኽእል እዩ። ብኣስገዳድ ኣብ እትምለሰሉ እዋን እትረኽቦ ገንዘብ ወይ ደገፍ ሒደት እዩ ወይ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይትረክብን። ኣብዚ ገጽ ብኣስገዳድ ምምላስ ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምኽሪ ሃበና
ንRefugeeHelp ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ? ምኽርታትካ ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንምምሕያሽ ይሕግዘና እዩ። እንታይ ሓበሬታ ከም ዝጎደለካ ሓብረና፣ ወይ ብዛዕባ ሓደስቲ ኣሰራርሓታት ኣብ ምሓሳብ ሓግዘና። እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። ንውልቃዊ ናይ ሓገዝ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፣ ናይ VluchtelingenWerk Nederland ብኢንተርነት ዝካየድ ናይ ምምኽኻር ሰዓት ንምግባር ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።