ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



ብመሬት ምምጻእ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/3/2023 10:57 ቅ.ቀ.

ከም ስደተኛ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት ትመጽእ። ዑቕባ ንምሕታት ድማ ናብ ተር ኣፐል ክትከይድ ኣለካ። ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ (ባቡርን ኣውቶቡስን) ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ኣድራሻ ናይቲ ኣብ ተር ኣፐል ዝርከብ ማእከል መመልከቲ

ተር ኣፐል ኣብ ኣውራጃ ኽሮኒንገን እትርከብ ገጠር እያ። ኽሮኒንገን ኣብ ሰሜን ኔዘርላንድ ትርከብ። ኣድራሻ ናይቲ መመልከቲ ማእከል እዚ ዝስዕብ እዩ፡ 

Ter Apelervenen 3

9561 MC 

Ter Apel

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ እዋኑ ተመዝገብ

ካብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝበጻሕካሉ ግዜ ጀሚርካ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ተር ኣፐል ክትምዝገብ ኣለካ። እዚ እንተድኣ ዘይገበርካ፣

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ነዚ ኣንጻርካ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

ናብ ተር ኣፐል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ምጉዓዝ

መጀመርታ ብባቡር ድሕሪኡ ድማ ብኣውቶቡስ ትጓዓዝ። ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ትኬት ክትገዝእ ኣለካ። ናይ ባቡር ትኬት ኣብ መደበር ባቡር ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኣውቶቡስ ትኬት ድማ ካብቲ መራሒ ኣውቶቡስ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ ብዘይ ትኬት እንተድኣ ተጓዒዝካ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። እቲ መቕጻዕቲ ኣስታት € 50 እዩ። ንባቡር ዝኸውን ናይ 1ይ ወይ 2ይ መዓርግ ትኬት ትገዝእ። ኣብቲ ባጎኒ ናይ ባቡር ድማ ብዘለካ ትኬት ኣበይ ኮፍ ክትብል ከም እትኽእል ተጻሒፉ ይርከብ።

ንጉዕዞኻ ዝኸውን ናይ ባቡር ትኬት ብነጻ ትቕበል

ንትኬት ዝኸውን ገንዘብ የብልካን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ካብ ፖሊስ ናይ 1 መዓልቲ ነጻ ትኬት ትቕበል። ነዚ ንምርካብ ድማ ኣብ ጥቓኻ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ክትከይድ ኣለካ። ንፖሊስ ስደተኛ ምዃንካን ኣብ ተር ኣፐል ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይን ንገር።

ኣብ ህድማ እናሃለኻ ናብ ፖሊስ ቀሪብካ ምሕባር ዘፍርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ፖሊስ ኔዘርላንድ ግን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ተመልክት ከምዘለኻ ንሰበስልጣን ሃገርካ ክሕብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ኣስተውዕል፡ በቲ ካብ ፖሊስ እትረኽቦ ናይ መዓልቲ ትኬት ተጠቂምካ ኣብ 2ይ መዓርግ ናይታ ባቡር ኢኻ ክትጓዓዝ እትኽእል። ኣብ ደገ ናይታ ባቡር ድማ ኣየናይ ባጎኒ 2ይ መዓርግ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ናይ 2ይ መዓርግ ትኬት ሒዝካ ኣብ ናይ 1ይ መዓርግ ኮፍ ምስ እትብል ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መገሻኻ ንትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትኣቱን ክትወጽእን ኣለካ

በቲ ናይ መዓልቲ ትኬትካ ኣብ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትኣቱን ክትወጽእን ኣለካ።

  • ብባቡር ንኽትጎዓዝ ኣብቲ መድረኽ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትኣቱ ኣለካ። ንትኬትካ ኣብ ፊት እቲ መድረኽ ዝርከብ ኣንባቢ-ካርድ ናይቲ ኣፍደገ ሒዝካ ኣጸግዓዮ። ብኸምዚ ኢኻ ትኬትካ ኣመዝጊብካ ትኣቱን ኣፍደገ ትኸፍቶን። 1 ፒጵ ዝብል ድምጺ ድማ ክትሰምዕ ኢኻ።

  • ብኣውቶቡስ ንኽትጎዓዝ፣ ክትድይብ እንከለኻ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትኣቱ ኣለካ። ንትኬትካ ኣብቲ ማዕጾ ኣብ ዝርከብ ኣንባቢ-ካርድ ሒዝካ ኣጸግዓዮ። 1 ፒጵ ዝብል ድምጺ ድማ ክትሰምዕ ኢኻ። ብኸምዚ ኢኻ ትኬትካ ኣመዝጊብካ ትኣቱው።

ኣብ መወዳእታ ጉዕዞኻ ድማ ልክዕ ብተመሳሳሊ መንገዲ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትወጽእ ኣለካ። ሽዕኡ 2 ፒጵ ዝብል ድምጺ ክትሰምዕ ኢኻ። እንተድኣ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ዘይኣተኻ ወይ ዘይወጻእካ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ንምግባር ኣይሰለጠካን ድዩ? ኣብቲ መደብር ባቡር ካብ ዝርከብ ሰራሕተኛ ወይ ካብ መራሕ ኣውቶቡስ ሓገዝ ሕተት።

ብኸምዚ ኢኻ ካብ መደብር ባቡር Zwolle ናብ Ter Apel እትጎዓዝ፡