ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ስደተኛታት ኣብ ኔዘርላንዳዊት ገጠር ተር ኣፐል ንምምዝጋብ ኣብ መስርዕ ደው ኢሎም
ምንጪ፡ Inge van Mill

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:45 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ድማ ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ። ብድሕሪኡ ድማ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ A ወይ B ክትቕበል ምኻንካን ዘይምዃንካን ወይ ኣየናይ ከም እትቕበል እውን ይውስን። ኣብ ወጻኢ ሃገር እትርከብ ምስ እትኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ኣለካ።

ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣየናይ ከም እትረክብን ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
እዩ ዝውስን። ስለዚ IND ውሳኔ ንምሃብ ኣብ ኔዘርላንድ ምሳኻ ቃለ-መሕትታት ክገብር እዩ። ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ድማ ንIND ብንጹርን ምሉእ ብምሉእን ክትነግር ኣገዳሲ እዩ።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ምስ IND ንእትገብሮም ቃለ-መሕትታት ንምድላው ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

በዚኦም ምኽንያታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል፡

  • ብሰንኪ ብሄርካ፣ ሃይማኖትካ፣ ዜግነትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ኣድልዎ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ ኣብ መበቆል ሃገርካ ከይትጋፋዕ ዘፍርሕ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልወካ።

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ዝኽእለሉ ስግኣት ምስ ዝህልወካ።

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ውግእ፣ ግዳይ ዓመጽ ከይትኸውን ዘፍርሕ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልወካ።

እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ስምምዕ ዝተገብረሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ዋዕላ ስደተኛታት
። ኔዘርላንድ ድማ ነዞም ውዕላት ፈሪማትሎም እያ። እዞም ውዕላት ስደተኛታት ከመይ ዝበለ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከምዘለዎ ዝገልጹ እዮም።

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብ1 ካብዞም 3 ምኽንያታት ጥራይ ኢኻ ክትረክብ እትኽእል። ብኻልእ ምኽንያት ኣይኮነን። IND ድማ ንዝቐረቡ ናይ ዑቕባ ሕቶታት ይግምግም፣ ከምኡ እውን መን ናይ ዑቕባ ፍቓድ ከም ዝረክብ ይውስን።

ኣብ ኔዘርላንድ 2 ዝተፈላለዩ ናይ ዑቕባ ፍቓዳት ኣለዉ፡ Aን Bን

ብመሰረት IND ዑቕባ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ክልተ ዓይነት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓዳት ኣለዉ። ንምጥቓሱ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-A ወይ ባይታ-B። ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣየናይን ድማ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) እዩ ዝውስን። ብቅኑዕ ምኽንያት ዑቕባ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ ፍቓድ ዑቕባ Aን Bን ዘሎ ፍልልይ ኣብዚ ኣንብብ፡

  • ፍቓድ ዑቕባ ብመሰረት ባይታ-A IND ኣብ መበቆል ሃገርካ ግፍዒ ንኸጋጥመካ ውልቃዊ ስግኣት ከምዘለካ ምስ ዝኣምን ነዚ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። ብሰንኪ ዓሌትካ ወይ ዜግነትካ፣ ሃይማኖትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣካል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ። ንኣብነት LHBTI+ ስለ ዝኾንካ።

  • ፍቓድ ዑቕባ ብመሰረት ባይታ-B IND መበቆል ሃገርካ ንነፍስወከፍ ካብኣ ንዝመጽእ ሰብ ሓደገኛ ምዃና ምስ ዝኣምን ነዚ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። ወይ ድማ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ብመሰረት ባይታ-A ዝተጠቕሱ ወጻኢ ብኻልኦት ምኽንያታት ብውልቂ ግፍዒ ንኸጋጥመካ ስግኣት ምስ ዝህልወካ።

IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካ ወሲኑ ድዩ? ኣብቲ ካብ IND እትቕበሎ ደብዳቤ እዚ ብመሰረት ባይታ-A ወይ ባይታ-B ምዃኑ ተጠቒሱ ይርከብ። ክልቲኦም ፍቓዳት ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሉ እዮም።

ብቅኑዕ ምኽንያት ዑቕባ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ሓደ ዓይነት መሰላት ስለ ዘለካ እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ፍልልይ ኣገዳሲ ዘይኮነ ክመስል ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽንደይ ግዜን ስለምንታይን ክትጸንሕ ከም እትኽእል ሓደ ሓደ ግዜ ስለ ዝጸልዎ እዩ።

ኣብ መበቆል ሃገርካ ኲናት ኣሎ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ሃገርካ ንነፍስወከፍ ሰብ ሓደገኛ እያ ንበል። ስለዚ ንዓኻ እውን ከምኡ። እምበኣር ሽዕኡ ብመሰረት ባይታ-B ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣባል ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ብሰንኪ ምዃንካ እውን ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ዲኻ እትርከብ? ስለዚ ኣባል ናይ ሓደ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ ብመሰረት ባይታ-A ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ኲናት ምስ ዘብቅዕ ነቲ ብመሰረት ባይታ-B ዝረኸብካዮ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት ባይታ-A ናይ ዑቕባ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ግን ብመሰረት IND ገና ኣብ ሓደጋ ኢኻ እትርከብ። ምኽንያቱ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ እታ ሃገር ገና ንዓኻ ሓደገኛ እያ። ስለዚ መንበሪ ፍቓድካ ኣገልግሎቱ ክሳብ ዘይወድአ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ንኽትረክብ ከተመልክት እውን ትኽእል ኢኻ። 

ስለዚ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት እንከለኻ ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብንጹርን ምሉእ ብምሉእን ከም እትገልጽ ኣረጋግጽ። ስለዚ ድማ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ኩነታት እንተድኣ ተቐይሩ፣ ግን ድማ ገና ኣብ ሓደጋ እናሃለኻ IND ንመንበሪ ፍቓድካ ብምስሓብ ክስርዞ ኣይክእልን። 

IND ቅድሚ 5 ዓመት ንመንበሪ ፍቓድካ ብምስሓብ ክስርዞ ይኽእል እዩ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-A ድዩ ዘለካ፣ ግን ድማ ኣብ መበቆል ሃገርካ ደጊም ውልቃዊ ሓደጋ የብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክምንጥለካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት መበቆል ሃገርካ ንሃይማኖታዊ ጉጅለኻ እንደገና ውሑስ ስለዝኾነ። 

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-B ድዩ ዘለካ፣ ግን ድማ መበቆል ሃገርካ እንደገና ውሑስ ኮይኑ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክምንጥለካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝነበረ ኲናት ስለዘብቕዐ።

መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ንኽውስን 15 ኣዋርሕ ኣለዎ። ስለምንታይ ከምዚ ምዃኑን፣ ዘለዉ ኩሎም ናይ ምጽባይ ግዜታት ኣየኖት ምዃኖምን ኣብዚ ኣንብብ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?