ምንጪ፡ Inge van Mill
ዓንቀጽ

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/22/2026 15:34

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ትደሊ ዲኻ? ስለዚ IND ንዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክወሃበካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክግምግም እዩ። ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ።

ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትህሉው ጥራይ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ኣለካ፣ ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።

በዚኦም ምኽንያታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል

ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል፡

  • ብሰንኪ ብሄርካ፣ ሃይማኖትካ፣ ዜግነትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ኣድልዎ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ ኣብ መበቆል ሃገርካ ከይትጋፋዕ ዘፍርሕ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልወካ።

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ዝኽእለሉ ስግኣት ምስ ዝህልወካ።

  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ውግእ፣ ግዳይ ዓመጽ ከይትኸውን ዘፍርሕ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዝህልወካ።

እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ስምምዕ ዝተገብረሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ

። ኔዘርላንድ ነዞም ውዕላት ፈሪማትሎም እያ። እዞም ውዕላት ስደተኛታት ከመይ ዝበለ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ከምዘለዎ ዝገልጹ እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ ብምኽንያት በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን
እዩ ዝግምግም።

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ እትኽእል ብ 1 ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ 3 ምኽንያታት ጥራይ እዩ። ብኻልእ ምኽንያት ኣይከኣልን እዩ፣ ንኣብነት ስለ ዝሓመምካ ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ስለ እትደልይ።

ኣብ ኔዘርላንድ 2 ዝተፈላለዩ ናይ ዑቕባ ፍቓዳት ኣለዉ

ብመሰረት IND ዑቕባ ንኽትረክብ መሰል ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ 2 ዓይነት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓዳት ኣለዉ። ከም

ወይ ከም ሓደ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣየናይን ድማ IND እዩ ዝውስን። ብቅኑዕ ምኽንያት ዑቕባ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጎ እዞም 2 ዓይነት ናይ ዑቕባ ፍቓዳት ዘሎ ፍልልይ ንምፍላጥ ኣብዚ ኣንብብ።

  • ናይ ዑቕባ ፍቓድ ከም ስደተኛ (ብመሰረት

    )
    IND ኣብ መበቆል ሃገርካ ግፍዒ ንኸጋጥመካ ውልቃዊ ስግኣት ከምዘለካ ምስ ዝኣምን ነዚ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት እዚ ብሰንኪ ዓሌትካ ወይ ዜግነትካ፣ ሃይማኖትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣካል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት
    ስለ ዝኾንካ።

  • ናይ ዑቕባ ፍቓድ ከም ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ ዝረኸበ ሰብ
    እዚ ፍቓድ ዝወሃበካ፣ IND መበቆል ሃገርካ ካብኣ ንዝመጽእ ዝኾነ ሰብ ሓደገኛ እያ ኢሉ ምስ ዝኣምን እዩ። ወይ ድማ ናብ ሃገርካ ምስተመልስካ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ኣብ ሓደጋ እትርከብ ምስ እትኸውን።

IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካ ወሲኑ ድዩ? ኣብቲ ካብ IND እትቕበሎ ደብዳቤ፣ እቲ ዝተዋህበካ ፍቓድ ከም ስደተኛ ድዩ ወይስ ከም ካልኣዊ ሓለዋ ዝረኸበ ሰብ ተጠቒሱ ይርከብ። ክልቲኦም ፍቓዳት ን3 ዓመት ዘገልግሉ እዮም።

እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ፍልልይ ኣገዳሲ ዘይክመስል ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ሓደ ዓይነት መሰላት ስለዘለካ። ይኹን እምበር፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽንደይ ግዜን ስለምንታይን ክትጸንሕ ከም እትፍቀደልካ ስለ ዝጸልዎ ኣገዳሲ እዩ። ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ እንተድኣ ደሊኻ እውን፣ ኣየናይ ዓይነት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ምዃኑ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ኲናት ምስ ዘብቅዕ፣ ነቲ ከም ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ ዝረኸበ ሰብ ከም ምዃንካ መጠን ዝተዋህበካ ናይ ዑቕባ ፍቓድካ ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ። ከም ስደተኛ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ግን ብመሰረት IND ገና ኣብ ሓደጋ ኢኻ እትርከብ። ምኽንያቱ ድማ ንኣብነት ኣባል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ብሰንኪ ምዃንካ እታ ሃገር ንዓኻ ገና ሓደገኛ ስለዝኾነት። ስለዚ መንበሪ ፍቓድካ ግዚኡ ክሳብ ዝወድቕ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ዋላ ኣብ ሃገርካ ደጊም ኲናት ዘየለ ምስ ዝኸውን፣ ወይ እቲ ኩነታት እንተድኣ ተመሓይሹ እውን።

ስለዚ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን፣ ንምንታይ ከም ዝሃደምካ ብንጹር ምግላጽካ ኣረጋግጽ።

IND ኣብ ከምዚኦም ኩነታት ንመንበሪ ፍቓድካ ብምስሓብ ክስርዞ ይኽእል እዩ

ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ከም ስደተኛ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ዲኻ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ኣብታ መበቆል ሃገርካ ብውልቂ ኣብ ሓደጋ ኣይትኣቱን ዲኻ? ሽዑ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክስርዞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት መበቆል ሃገርካ ዳግማይ ንጉጅለ ሃይማኖትካ ውሑስ ስለ ዝኾነት።

ከም ናይ ንኡስ ሓለዋ ሰብ መጠን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ትሕዝ ዲኻ፡ እንተኾነ ግን መበቆል ሃገርካ ዳግማይ ውሑስ ድዩ? ሽዑ IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክስርዞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝነበረ ኲናት ስለዘብቅዐ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ብኸምዚ ኢኻ ተመልክት

ዑቕባ ክትሓትት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብኸመይ ኣብ ተር ኣፐል ንመስርሕ ዑቕባ ከም እትምዝገብ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ Ter Apel ምምዝጋብ

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ምምልካት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ነዚ ንምግባር ኣብ ገጠር ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል መመልከቲ ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ናብ IND ተመልክት፣ ፖሊስ ኔዘርላንድ ድማ ንመመልከቲኻ ይምዝግቦ።

መስርሕ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ ክንደይ ግዜ ይወስድ?

IND ኣብ መደበኛ ኣገባብ ዑቕባ ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ክውስን 6 ወርሒ ኣለዎ። ኣብቲ ቅልጡፍ ኣገባብ ዑቕባ፡ IND ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ክውስን ኣለዎ። ክልቲኡ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ክናዋሕ ይኽእል። ስለምንታይ ከምዚ ምዃኑን ኩሉ ናይ ምጽባይ ግዜታት እንታይ ምዃኑን ኣብዚ ኣንብቡ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር