ኣርእስታት

show menu options
ትግርኛ (Tigrinya)



Een poster van UNCHR hangt in een kantoor

ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/5/2023 1:32 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ነቶም ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክግምግሞ እዩ። ንምንታይ ዑቕባ ትሓትት ከም ዘለኻ ብኸመይ ብግቡእ ከም እትገልጽ ኣብዚ ኣንብብ።

በዚኦም ምኽንያታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል

 ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል፡

  1. ብምኽንያት ዓሌትካ፣ ሃይማኖትካ፣ ብሄርካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ኣድልዎ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃንካ ካብ ምግፋዕ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ።

  2. ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ዝኽእለሉ ስግኣት ምስ ዝህልወካ።

  3. ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ግርጭት፣ ግዳይ ዓመጽ ከይትኸውን ትፈርሕ ምስ እትኸውን።

እዞም 3 ምኽንያታት ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ዋዕላ ስደተኛታት
ስምምዕ ዝተገብረሎም እዮም። ኔዘርላንድ ነዚ ዋዕላ ፈሪማትሉ እያ። እዚ ዋዕላ እዚ ስደተኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ከም ዘለዎም ዝገልጽ እዩ።

ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብንጹር ግለጽ

ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ን

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ብንጹርን ምሉእ ብምሉእን ክትነግር ኣገዳሲ እዩ። IND ድማ ብመሰረት እቶም ዘረከብካዮም ሰነዳትን፣ ምስ IND ዝገበርካዮም ቃለ-መሕትታትን ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይውስን።

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ምስ IND ንእትገብሮም ቃለ-መሕትታት ብግቡእ ንምድላው ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እዚ ቪድዮ ንመስርሕ ዑቕባ ዝገልጽ እዩ፡

እዚ ትሕዝቶ ብሳልሳይ ኣካል (www.youtube.com) ዝእንገድ እዩ። ኩኪስ ምቕባል ስለ ዝነጸግካ ኣብ ክንዲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ኣተሓሒዝና ነቕርቦ፣ ምስ ዩቱብ ባዕሉ ጥራይ ኢና ከነተኣሳስረካ እንኽእል። YouTube.com

ዝርዝር ትሕዝቶ

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?