
ምንጪ፡ Google Images
ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ነቶም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይግምግም። ኣብ ትሕቲ ኣየኖት ቅድመ-ኩነታት ዑቕባ ክትሓትት ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።
በዚኦም ምኽንያታት ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል
ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል፡
ብምኽንያት ዓሌትካ፣ ሃይማኖትካ፣ ብሄርካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ድማ ኣባል ናይ ሓደ ኣድልዎ ዝግበረሉ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃንካ ካብ ምግፋዕ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ።
ኣብ መበቆል ሃገርካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ስቅያት ወይ ካልእ ዓይነት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከጋጥመካ ዝኽእለሉ ስግኣት ምስ ዝህልወካ።
ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ከም ኲናት ዝኣመሰለ ዕጥቃዊ ግርጭት፣ ግዳይ ዓመጽ ከይትኸውን ትፈርሕ ምስ እትኸውን።
እዞም 3 ምኽንያታት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ስምምዕ ዝተገብረሎም እዮም። ንኣብነት ኣብ
ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብንጹር ግለጽ
ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት እትኽእል ኣብ ኔዘርላንድ እንተሃሊኻ ጥራይ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ሃገር ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ብኢንተርነት እውን ዑቕባ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ኣለካ፣ እዚ ድማ ኣብ ተር ኣፐል ዝበሃል ገጠር ወይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል -Schiphol- ኢኻ እትገብሮ።