ስራሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር ትደልይ ኢኻ። ንስድራኻን ንገዛእ-ርእስኻን ዝኸውን ገንዘብ ንኽትረክብ። ወይ ድማ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትደልይ ኢኻ። ትሑዝ ንኽትከውንን ተመኩሮ ንኽትረክብን። ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻን W-document ዘለካን ምስ እትኸውን፣ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።

መርሓ ውጥን (2)

ሓበሬታ

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ እንታይ መሰላት ኣለካ?

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ወይ ግዝያዊ ውዕልካ ከይተሓደሰ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዉኻ። እንታይ ክትረክብ መሰል ከምዘለካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ወይ ስራሕ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብዚ ዘመን እዚ ትካላትን ኣስራሕቲን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ብኢንተርነት እዮም ዝዝርግሑ። ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ምድላይ ኣበይ ብዝበለጸ ክትጅምር ከም እትኽእል ድማ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣስራሒኻ መዓስ እዩ ከባርረካ ዝፍቀደሉን መዓስ ድማ ከምኡ ክገብር ዘይፍቀደሉን?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ኣስራሒ ካብ ስራሕ ጥራይ ከባርረካ ኣይፍቀደሉን እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ኣስራሒኻ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ምኽንያት ክህልዎን ቅኑዕ ስጉምትታት ክኽተልን ኣለዎ። እዚ ጽሑፍ እዚ መዓስ ምብራር ከም ዝፍቀድን መሰላትካ እንታይ ምዃኑን ይገልጽ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኣለዉ

ስምምዕ ወይ ውዕል ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ወይ ትካላት ዝግበር ወግዓዊ ስምምዕ እዩ። እቲ ውዕል፣ እቶም ሰባት ወይ ትካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን፣ መሰላት ነፍስወከፍ እንታይ ምዃኑን ዝጠቕስ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ስራሕ ይፍጽም ወይ ፍርያት የቕርብ፣ እቲ ካልእ ድማ ናይዚ ኣምሳያ ይኸፍሎ። ውዕል ስራሕ ወይ ስምምዕ ስራሕ እንታይ ምዃኑን፣ ኣየኖት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከነብርሆ ኢና።

ዓንቀጽ

ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ዝፍቀደልካ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐጥታ ናብ ኣስራሒ ከተመልክት ወይ ድማ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝሰማማዓካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ። ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምድላይ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር