ስራሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር ትደልይ ኢኻ። ንስድራኻን ንገዛእ-ርእስኻን ዝኸውን ገንዘብ ንኽትረክብ። ወይ ድማ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ ክትገብር ትደልይ ኢኻ። ትሑዝ ንኽትከውንን ተመኩሮ ንኽትረክብን። ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘለኻን W-document ዘለካን ምስ እትኸውን፣ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣብዚ ኣንብብ።


መርሓ ውጥን (2)

    ኣብ ኔዘርላንድ ናይ 1 ዓመት W-document ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ክትሰርሕ ይፍቀደልካ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ ቅድመ-ኩነታት፣ ስራሕ ምድላይን ምምልካትን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3
  4. 4

    ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኦም ሰባት ዓመታዊ መመልከቲ ግብሪ ከቕርቡ ኣለዎም። ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካ ወይ ክምለሰልካ ከም ዘለዎ ንኽቕምሩ ምእንቲ ክኽእሉ፣ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ንበዓል-መዚ ግብሪ ትሕብር። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ እንታይ ሓበሬታ ከም ዘድልየካን ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3

ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣገባብ መመልከቲ ከመይ ይሰርሕ?

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምምልካት መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት የጠቓልል፡ ክፍቲ ቦታ ምድላይ፡ ሪዝዩምን ሽፋን ደብዳቤን ምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ቃለ መሕትት ምክያድ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ትገልጽ።

ዓንቀጽ

ብኸመይ ጽቡቕ CV ተዳሉው?

CV፣ ተመኩሮኻ፣ ትምህርትኻን ክእለትካን ዘካትት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኣስራሕቲ፣ ንመን ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ክገብር ከም ዝዕድሙ ንምውሳን CV ይጥቀሙ። ስለዚ ጽቡቕ CV ንምድላው ዝሕግዙ ምኽርታት፣ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ እንታይ መሰላት ኣለካ?

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ወይ ግዝያዊ ውዕልካ ከይተሓደሰ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዉኻ። እንታይ ክትረክብ መሰል ከምዘለካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ወይ ስራሕ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብዚ ዘመን እዚ ትካላትን ኣስራሕቲን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ብኢንተርነት እዮም ዝዝርግሑ። ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ምድላይ ኣበይ ብዝበለጸ ክትጅምር ከም እትኽእል ድማ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣስራሒኻ መዓስ እዩ ከባርረካ ዝፍቀደሉን መዓስ ድማ ከምኡ ክገብር ዘይፍቀደሉን?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ኣስራሒ ካብ ስራሕ ጥራይ ከባርረካ ኣይፍቀደሉን እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ኣስራሒኻ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ምኽንያት ክህልዎን ቅኑዕ ስጉምትታት ክኽተልን ኣለዎ። እዚ ጽሑፍ እዚ መዓስ ምብራር ከም ዝፍቀድን መሰላትካ እንታይ ምዃኑን ይገልጽ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኣለዉ

ስምምዕ ወይ ውዕል ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ወይ ትካላት ዝግበር ወግዓዊ ስምምዕ እዩ። እቲ ውዕል፣ እቶም ሰባት ወይ ትካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን፣ መሰላት ነፍስወከፍ እንታይ ምዃኑን ዝጠቕስ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ስራሕ ይፍጽም ወይ ፍርያት የቕርብ፣ እቲ ካልእ ድማ ናይዚ ኣምሳያ ይኸፍሎ። ውዕል ስራሕ ወይ ስምምዕ ስራሕ እንታይ ምዃኑን፣ ኣየኖት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከነብርሆ ኢና።

ዓንቀጽ

እንተድኣ ሓሚምካን ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእልን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እንተድኣ ሓሚምካ፣ ምሕማምካ ንኣስራሒኻ ትሕብር። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሕማምን ስራሕን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። መሰላት ኣለካ፣ ግን ድማ ግዴታታት እውን ኣለካ። ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ዓንቀጽ

W-document ምስ ዝህልወካ ንምስራሕ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ዘመልከትካዮ ዑቕባ ን6 ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ኔዘርላንድ ይምስራሕ ኣሎ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ብ W-document ወለንታዊ ስራሕ ምስራሕ

ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካን፣ ናይ 1 ዓመት W-document ዘለካን ምስ እትኸውን ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ቅድመ-ኩነታት ወለንታዊ ስራሕን፣ ወለንታዊ ስራሕ ኣበይ ክትሰርሕን ብኸመይ ክትረክብን ከም እትኽእልን ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር