• ጀምር
  • ትምህርቲ
  • ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ
ተምሃሮ ናይ መመረቕታ ቆቢዖም ኣብ ኣየር ይስንድዉ
ምንጪ፡ Pavel Danilyuk

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 22/11/2023 1:50 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ እንታይ ዘጠቓልል እዩ?

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዲፕሎማኻ ምስ ናይ ኔዘርላንድ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዝነጻጸር ይግበር። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንነፍስወከፍ ደረጃ ድማ ዝተወሰነ ዲፕሎማ የድልየካ።

ኣብ ኔዘርላንድ ንብዙሕ ስራሓት ዝተወሰነ ደረጃ ዲፕሎማ ክህልወካ እውን የድልየካ እዩ። ዝግበር ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ድማ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማኻ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ኔዘርላንድ የነጻጽሮ።

ኣብዚ ውድብ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከተገምግም ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ንብቕዓት ዲፕሎማኻ ኣብ ውድብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣህጉራዊ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ (IDW)
፣ ከተገምግም ትኽእል ኢኻ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ክንደይ ወጻኢ ይሓትት?

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ዝሓቶ ወጻኢ € 148.83 እዩ። ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት 1 ንዓኻ ዝምልከት ምስ ዝኸውን 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡

  • ካብ ዩክሬን ሃዲምካ ዝመጻእካ ኢኻ።

  • ምውህሃድ ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 2015 ወይ ብድሕሪኡ ኢኻ ጀሚርካ።

  • ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ ኣብ ምዃን ኢኻ እትርከብ (መስርሕ ዜግነት)።

  • ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
    ኣመልኪትካ ኣለኻ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኩነታት ንዓኻ ዝምልከት የለን ድዩ፣ ወይ ድሮ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ረኺብካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝከውን € 148.83 ወጻኢ ይሓተካ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ነዚ ዝስዕብ ዝሓዘ ሰነድ እዩ፡

  • ስምካን ዕለት ልደትካን።

  • እንታይ ዓይነት ትምህርቲን ንክንደይ ዝኣክል ግዜን ከምዝተማሃርካ።

  • ነቲ ትምህርቲ ኣበይን መዓስን ከም ዝተኸታተልካዮ።

  • ኣየናይ ዲፕሎማ ከምዝረኸብካ።

  • ዲፕሎማኻ ምስ ኣየናይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ኔዘርላንድ ዝዳረግ ከምዝኾነ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ኮይኑ ብዲጂታል ዝተፈረመ እዩ።

ነዚኦም ዲፕሎማታት ከተገምግም ትኽእል ኢኻ

IDW ንኹሎም ዲፕሎማታት ኣየነጻጽርን እዩ። IDW ነዞም ዝስዕቡ እዩ ዘነጻጽር፡

  • ሃገራዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ዲፕሎማታት።

  • እንተወሓደ 1000 ሰዓታት ዝወሰደ ትምህርቲ ዝሓዙ ዲፕሎማታት።

IDW ነዞም ዝስዕቡ ኣየነጻጽርን እዩ፡

  • ናይ ሓጸርቲ ስልጠናታትን ትምህርቲታትን ምስክር ወረቓቕትን ዲፕሎማታትን።

  • ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይብሎም ዲፕሎማታት።

  • ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎማታት።

ትምህርቲ ተኸታቲልካ ነይርካ ዲኻ፣ ግን ድማ ​​ኣይወዳእካዮን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን IDW ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ክገብር ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እንተወሓደ 1 ዓመት ናይቲ ትምህርቲ ዝወዳእካዮ ክትከውን ኣለካ።

ኣየኖት ሰነዳት የድልዩኻ?
እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?