ምንጪ፡ Pavel Danilyuk
ዓንቀጽ

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/13/2025 8:55 ቅ.ቀ.

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ እንታይ ዘጠቓልል እዩ?

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዲፕሎማኻ ምስ ናይ ኔዘርላንድ ደረጃ ትምህርቲ ከም ዝነጻጸር ይግበር። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንነፍስወከፍ ደረጃ ድማ ዝተወሰነ ዲፕሎማ የድልየካ።

ኣብ ኔዘርላንድ ንብዙሕ ስራሓት ዝተወሰነ ደረጃ ዲፕሎማ ክህልወካ እውን የድልየካ እዩ። ዝግበር ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ድማ ንናይ ወጻኢ ዲፕሎማኻ ምስ ስርዓተ ትምህርቲ ኔዘርላንድ የነጻጽሮ።

ኣብዚ ውድብ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከተገምግም ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ንብቕዓት ዲፕሎማኻ ኣብ ውድብ

፣ ከተገምግም ትኽእል ኢኻ።

ኣህጉራዊ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ (IDW)

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ውድብ ኣህጉራዊ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ (IDW)፣ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ንምግባር ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብመንገዲ ቁጽሪ ተሌፎን +31 (0)79 321 79 30 ናብ IDW ክትድውል፣ ወይ ናብ info@idw.nl ኢ-መይል ክትልእኽ እውን ትኽእል ኢኻ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ክንደይ ወጻኢ ይሓትት?

ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት 1 ዝምልከተካ ምስ ዝኸውን 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ትኽእል፡

  • ምውህሃድ ኣብ ዕለት 1 ጥሪ 2015 ወይ ብድሕሪኡ ኢኻ ጀሚርካ።

  • ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ ኣብ ምዃን ኢኻ እትርከብ (መስርሕ ዜግነት)።

  • ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ናብ

    ) ኣመልኪትካ ኣለኻ።

ዝኾነ ካብዞም ኩነታት ንዓኻ ዝምልከት የለን ድዩ? ወይ ድሮ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ኣለካ ድዩ?

ስለዚ ንመገምገሚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ እትኸፍሎ ወጻኢ € 148,83 ክኸውን እዩ።

ካብ ዩክሬን ዝመጽኡ ስደተኛታት ክሳብ 1 ጥሪ 2025 ኣብ

1 ዲፕሎማ ብነጻ ብቕዓቱ ከም ዝግምገም ክገብሩ እውን ይኽእሉ ነይሮም። ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ግን ንዕኡ ዝኸውን ገንዘብ ስለዘየለ ደጊም እዚ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ፣ ካብ ዩክሬን ዝመጽኡ ስደተኛታት ገንዘብ ከፊሎም ጥራይ እዮም ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ንምግባር ከመልክቱ ዝኽእሉ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ነዚ ዝስዕብ ዝሓዘ ሰነድ እዩ፡

  • ስምካን ዕለት ልደትካን።

  • እንታይ ዓይነት ትምህርቲን ንክንደይ ዝኣክል ግዜን ከምዝተማሃርካ።

  • ነቲ ትምህርቲ ኣበይን መዓስን ከም ዝተኸታተልካዮ።

  • ኣየናይ ዲፕሎማ ከምዝረኸብካ።

  • ዲፕሎማኻ ምስ ኣየናይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ኔዘርላንድ ዝዳረግ ከምዝኾነ።

ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ኮይኑ ብዲጂታል ዝተፈረመ እዩ።

ነዚኦም ዲፕሎማታት ከተገምግም ትኽእል ኢኻ

IDW ንኹሉ ዲፕሎማታት ኣየነጻጽርን እዩ።

IDW ነዞም ዲፕሎማታት የነጻጽር እዩ፡

  • ሃገራዊ ተፈላጥነት ዘለዎም ዲፕሎማታት።

  • እንተወሓደ 1.000 ሰዓታት ዝወሰደ ትምህርቲ ዝሓዙ ዲፕሎማታት።

IDW ነዞም ዲፕሎማታት ኣየነጻጽርን እዩ፡

  • ናይ ሓጸርቲ ስልጠናታትን ኮርሳትን ምስክር ወረቓቕትን ዲፕሎማታትን።

  • ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘይብሎም ዲፕሎማታት።

  • ናይ ኔዘርላንድ ዲፕሎማታት።

ናይ ዘይወዳእካዮ ትምህርቲ ግምገማ ብቕዓት ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ትምህርቲ ተኸታቲልካ ነይርካ ዲኻ፣ ግን ድማ ​​ኣይወዳእካዮን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን IDW ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ክገብር ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እንተወሓደ 1 ዓመት ናይቲ ትምህርቲ ዝወዳእካዮ ክትከውን ኣለካ።

ግዴታዊ ሰነዳት

ገምጋም ብቕዓት ዲፕሎማ ንምግባር ንኸተመልክት፣ ብዝኾነ እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የድልዩኻ፡

  • ቅዳሕ ናይቲ ብቕዓቱ ከተገምግሞ እትደልዮ ዲፕሎማ

  • ቅዳሕ ናይቲ ምስ ዲፕሎማኻ ዝኸይድ ዝርዝር-ነጥብታት

  • ቅዳሕ ናይ ፓስፖርትኻ፣ መንበሪ ፍቓድካ ወይ መንነት ወረቐትካ

ሓደ ሓደ ግዜ ተወሰኽቲ ሰነዳት እውን ክትጽዕን ማለት ኣፕሎድ ክትገብር ኣለካ፣ ንኣብነት

  • ንናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርቲ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ቅዳሕ ናይ ባችለር ዲግሪ ትምህርትኻ + ዝርዝር ነጥብታት

  • ንካልእ ሰብ ተመልክት እንተድኣ ሃሊኻ፣ ቅዳሕ ናይ ዝተመልአ ናይ ፍቓድ ቅጥዒ.

ሰነዳትካ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ኣይኮኑን ድዮም? ስለዚ ወግዓዊ ትርጉም ናይቶም ሰነዳት እውን የድልየካ እዩ። ሰነዳትካ ብቋንቋ እንግሊዝ ተጻሒፎም እውን ተቐቢልካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ወግዓዊ ትርጉም ኣየድልየካን እዩ። ቅዳሕ ሰነዳትካ ብመበቆላዊ ቋንቋን፣ ቅዳሕ ናይቲ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተጻሕፈን እኹል እዩ።

ኩሎም ሰነዳት ዘይብልካን ክትረኽቦም ዘይትኽእልን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን ገና ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ንምግባር ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። IDW ድማ በቶም ዘለዉኻ ሰነዳት ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ክገብሩ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ክምርምሩ እዮም።

ደጊም ናይ ትምህርትኻ ዝኾነ ሰነድ የብልካን ድዩ? መመልከቲኻ ኣብ እትመልኣሉ እዋን ብዛዕብኡ ሓብር። ስለዚ ድማ ብዛዕባ ትምህርትኻ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክትምልስ ኣለካ። IDW ነዚ ተጠቒሙ 'ሓባሪ ደረጃ ትምህርቲ' ከዳሉው ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ገምጋማዊ-ግምት ደረጃ ትምህርትኻ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር