
ምንጪ፡ Inge van Mill
ዑቕባ ንምርካብ ቅድሚ ምምልካትካ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ኣብ መበቆል ሃገርካ ውልቃዊ ስግኣት ስለዘጋጥመካ ወይ ሃገርካ ንነፍስወከፍ ሰብ ሓደገኛ ስለዝኾነት ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብቅኑዕ ምኽንያታት ዑቕባ ክትረክብ ድማ ኣገዳሲ እዩ።
እዚኦም እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ዑቕባ ፍቓዳት እዮም
ኣብ ኔዘርላንድ ብ2 ባይታታት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ማለት፡
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-A፡ ብምኽንያት ዓሌትካ፣ ሃይማኖትካ፣ ዜግነትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ማሕበራዊ ጉጅለኻ ናይ ምግፋዕ ውልቃዊ ሓደጋ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እዚ ፍቓድ ክትረክብ ኢኻ። እዚ ባይታ-A ወይ ውዕል ስደተኛታት ብመሰረት ዋዕላ ስደተኛታት ይበሃል።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-B፡ እዚ ፍቓድ እትረኽቦ መበቆል ሃገርካ ንኹሉ ካብኡ ዝመጽእ ሰብ ሓደገኛ እንተድኣ ኮይኑ ወይ ድማ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ወጻኢ ብኻልእ ምኽንያት ውልቃዊ ስግኣት እንተድኣ ኣጋጢሙካ እዩ። እዚ ድማ ባይታ-B ወይ ካልኣዊ መከላኸሊ ይበሃል።
IND ኣየናይ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ከም እትረክብ ይውስን
ዝሃደምካሉ ምኽንያታት
IND ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካ ወሲኑ ድዩ? እቲ ካብ IND እትቕበሎ ደብዳቤ እዚ ብመሰረት ባይታ-A ወይ ባይታ-B ምዃኑን ዘይምዃኑን ተገሊጹ ይርከብ።
ኣብ ኔዘርላንድ ብኽልቲኦም መንበሪ ፍቓዳት ሓደ ዓይነት መሰል ኣለካ
ብመሰረት ባይታ-A ከምኡ እውን ባይታ-B ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ዓይነት መሰል ኢኻ ትረክብ፡
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ካብታ ዑቕባ ዘመልከትካላ ዕለት ጀሚሩ ን5 ዓመት ዝገልግል እዩ።
ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ድሕሪ 5 ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።
IND ቅድሚ 5 ዓመት ንመንበሪ ፍቓድካ ብምስሓብ ክስርዞ ይኽእል እዩ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-A ድዩ ዘለካ፣ ግን ድማ ኣብ መበቆል ሃገርካ ደጊም ውልቃዊ ሓደጋ የብልካን ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክምንጥለካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት መበቆል ሃገርካ ንሃይማኖታዊ ጉጅለኻ እንደገና ውሑስ ስለዝኾነ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ብመሰረት ባይታ-B ድዩ ዘለካ፣ ግን ድማ መበቆል ሃገርካ እንደገና ውሑስ ኮይኑ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ነቲ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ክምንጥለካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝነበረ ኲናት ስለዘብቕዐ።
ብቅኑዕ ምኽንያት ዑቕባ ምእንቲ ክትረክብ ታሪኽካ ንIND ብግቡእ ምንጋር ኣገዳሲ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ሓደ ዓይነት መሰላት ስለ ዘለካ እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ፍልልይ ኣገዳሲ ዘይኮነ ክመስል ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽንደይ ግዜን ስለምንታይን ክትጸንሕ ከም እትኽእል ሓደ ሓደ ግዜ ስለ ዝጸልዎ እዩ።
ኣብ መበቆል ሃገርካ ኲናት ኣሎ፣ ስለዚ ድማ ሃገርካ ንኹሉ ሰብ ሓደገኛ እያ ንበል። ስለዚ ንዓኻ እውን ከምኡ። ሽዕኡ በዚ ምኽንያት ብመሰረት ባይታ-B ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ኣባል ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ እውን ሓደጋ የጋጥመካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ሓደጋ ናይ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ኣባል ስለ ዝኾንካ ብመሰረት ባይታ-A ዑቕባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ምስ ዘብቕዕ ነቲ ብመሰረት ባይታ-B ዝረኸብካዮ ናይ ዑቕባ ፍቓድካ ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ። ብመሰረት ባይታ-A ናይ ዑቕባ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ግን ብመሰረት IND ገና ኣብ ሓደጋ ኢኻ ዘለኻ። ምኽንያቱ ኣባል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ስለ ዝኾንካ እታ ሃገር ገና ንዓኻ ሓደገኛ እያ። ስለዚ ድማ መንበሪ ፍቓድካ ግዚኡ ክሳብ ዝወድቕ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ።
ስለዚ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት እንከለኻ ስለምንታይ ከም ዝሃደምካ ብንጹርን ምሉእ ብምሉእን ከም እትገልጽ ኣረጋግጽ። ስለዚ ድማ ኣብ መበቆል ሃገርካ ዝርከብ ኩነታት እንተድኣ ተቐይሩ፣ ግን ድማ ገና ኣብ ሓደጋ እናሃለኻ IND ንመንበሪ ፍቓድካ ብምስሓብ ክስርዞ ኣይክእልን።