ምንጪ፡ Martijn Klungel / Shutterstock
ዓንቀጽ

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ትምዝገብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/14/2025 8:56 ቅ.ቀ.

ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ IND ኣብ እትምዝገበሉ እዋን፣ ዑቕባ ክትሓትት ከም እትደልይ ትነግር። ካብ ኣየነይቲ ሃገር ከም ዝመጻእካ ትነግር። እታ ሃገር ብመሰረት መንግስቲ ኔዘርላንድ ውሕስቲ መበቆል ሃገር ድያ? ከምኡ ምስ ዝኸውን IND ንሕቶ ዑቕባኻ ብዝቐልጠፈ መስርሕ ከምስርሖ እዩ።

IND ንሕቶ ዑቕባኻ ኣብ ኣየናይ መስርሕ ከምዘመስርሖ ምዝገባኻ እዩ ዝውስኖ

ብበልጅዩም ወይ ብጀርመን ኣቢልካ ናብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ኣቲኻን፣ ኣብዚ ዑቕባ ክትሓትት ምስ እትደልይን፣ ኣብ ተር ኣፐል ናብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ (AC) ክትከይድ ኣለካ። ኣብ ተር ኣፐል ኣብ

ትምዝገብ። ኣብዚ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትደልይ ትዛረብ። IND ድማ መን ምዃንካ፣ ዜግነትካ እንታይ ምዃኑን፣ ካበይ ከም ዝመጻእካን ክሓተካ እዩ። 

ናይ ኢድ ኣምባርን፣ ቁጽሪ ዘለዎ ደብዳቤን (እዚ ‘de loopbrief ማለት መራሒ ደብዳቤ ይበሃል) ክትቅበል ኢኻ። እቲ ናይ ኢድ ኣምባርን ደብዳቤን ድማ ድሕሪ ምዝገባ ንዝህልዉኻ ቆጸራታት ከድልዩኻ እዮም።

ምጽራይ መንነትን ምዝገባን ኣብ DISA 

ኣብ IND ድሕሪ ምምዝጋብካ፣ መንነትካ ንምጽራይን ንምምዝጋብን ናብ

ትኸይድ። ኣብ ተር ኣፐል ጻዕቂ ስራሕ ኣሎ ድዩ፣ ወይ ደንጒኻ ኣማስያኡ ዲኻ መጺእካ? ስለዚ መጀመርታ ናብ ናይ
ናይ ለይቲ መዕቆቢ ክትከይድ ተኽእሎ ኣሎ። ድሕሪኡ ንጽባሒቱ ጥራይ ኢኻ ኣብ ተር ኣፐል ወይ ኣብ ቡደል ምስ DISA ቆጸራ ዝህልወካ። 

DISA ወግዓዊ ምጽራይ መንነትካን ምዝገባኻን ንኸካይድ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣተርጓሚ ድማ (ብተሌፎን) ነቲ ዝርርብ ክትርጒመልካ እዩ። ምዝገባን ምጽራይ መንነትን ብኸምዚ ዝስዕብ ይካየድ፡ 

  • ምጽራይ መንነት፡ DISA ካበይ ከም ዝመጻእካ፣ ጉዕዞኻን ናይ ህድማ ታሪኽካን ይሓተካ። ድሕሪኡ

    ሰነዳትካ ሓቀኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይምርምር። 

  • ምዝገባ፡ DISA ጉርዲ ስእልኻን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ይወስድ። እዚኦም ምስ ብዛዕባ መንነትካ ዝምልከቱ ሓበሬታታትካ ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ስርዓተ-ኮምፒተር ይኽዘኑ። ናይ ዑቕባ መመልከቲ ወረቐት ብምፍራም ድማ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ DISA ብወግዒ ተመልክት። ሓበሬታታትካ ብምጥቃም

    ክዳለወልካ እዩ። እዚ ሕጋዊ መለለዪ መንነት እዩ። እቲ W-document መንበሪ ፍቓድ ኣይኮነን። እዚ W-document ካበይ ከም ዝመጻእካን፣ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ስለዘለኻ ኣብ ኔዘርላንድ ክትህሉው ከም ዝፍቀደልካን እዩ ዘርእይ። 

IND መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ውሕስቲ ሃገር ብዝመጽኡ ሰባት ንዝቐርቡ ሕቶታት ዑቕባ ይነጽግ

IND ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ኣባል ውዕል ዱብሊን ዝኾነት ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኾንካ ይምርምር። ከምዚ ዳሕረዋይ ምስ ዝኸውን መስርሕ ዱብሊን እዩ ንዓኻ ዝምልከተካ

ሓቂ እንተድኣ ዘይነገርካ ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ክጎድእ ይኽእል እዩ 

ሓቀኛ ስምካ ክትነግርን፣ ናይ ሓሶት መንነት ከይተርኢን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እዋን ህድማኻ ካልእ ስም ተጠቒምካ እንተድኣ ነይርካ ምስ IND ብቕንዕና ተዛረብ። IND ኩሉ ግዜ ወረቓቕትኻ ሓቀኛታት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይምርምር እዩ። ብዛዕባኻ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ እንተድኣ ሂብካ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ።  


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር