ምንጪ፡ Shutterstock
ዓንቀጽ

ስድራ-ቤት ንምቛም ብዛዕባ ዘቕረብካዮ መመልከቲ ንዝወሃብ ውሳኔ ምጽባይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2025 6:10 ቅ.ቀ.

ድሕር እዚ IND ንሕቶኻ ኺግምግሞም እዩ። ብ Mijn IND ኣቢልካካ ነቲ ውሳነ ኽትከታተሎ ትኽእል ኢኻ ። ነቲ ወግዓዊ ውሳነ ብፖስታ ክበጽሐካ ኢኻ ።

ንመመልከቲኻ ዝምልከት ውሳኔ ናይ IND ምጽባይ

ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ክህብ እዩ። ንኩነታት ናይ መመልከቲኻ ኣብ 'Mijn IND' ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። ናብዚ ንምእታው ድማ
ከድልየካ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ተወሳኺ ግዜ የድልዮ እዩ። ንኣብነት መመልከቲኻ ዘይተማልአ እንተድኣ ኮይኑ፣ ወይ IND ተወሰኽቲ ሰነዳት ዘድልዮ እንተድኣ ኮይኑ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ፣ IND ክንደይ ተወሳኺ ግዜ ከም ዘድልዮ፣ ወይ ገና ኣየኖት ሰነዳት ክትልእኽ ከም ዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ። ናይቲ ደብዳቤ መልስኻ ኣብ ግዚኡ ናብ IND ከም እትሰድዶ ድማ ኣረጋግጽ።

ንኩነት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ብኢንተርነት ብመንገዲ 'Mijn IND' ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ።

IND ውሳኔ ይወስድ፡ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ

ድሕሪ እቲ ገምጋም ካብ IND ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። ክልተ ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡

  • ኣወንታዊ ውሳኔ፡ መጻምድትኻ ናብ ኔዘርላንድ ክመትጽእ ይፍቀደላ እዩ

  • ኣሉታዊ ውሳኔ፡ መጻምድትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመትጽእ ኣይፍቀደላን እዩ።

IND ኣወንታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ ይኸውን

IND ስድራ-ቤት ንምቛም ዘቕረብካዮ ሕቶ ኣጽዲቕዎ ድዩ? ስለዚ መጻምድትኻ

ከምኡ እውን መንበሪ ፍቓድ ክወሃባ እዩ። መጻምድትኻ ነቲ mvv ካብቲ ኣብቲ መመልከቲ ቅጥዒ መሊእካዮ ዘለኻ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ባዕላ ክትወስዶ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ መጻምድትኻ ኣብቲ ኣብ ሃገራ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለዋ። መጻምድትኻ ነዚ፣ IND ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ክትግብሮ ኣለዋ። ቆጸራ ብኸመይ ከም እትሕዝ ኣብቲ ካብ IND ዝተላእከ ደብዳቤ ተጠቒሱ ይርከብ። ኣብ እዋን እቲ ቆጸራ መጻምድትኻ እዚ ዚስዕብ የድልያ፡

  • ሕጋዊ ፓስፖርት (እንተወሓደ ን6 ኣዋርሕ ዘገልግል)።

  • ብዲጂታላዊ ዝተመልአ፣ ዝተሓትመን ዝተፈረመን ናይ mvv መናውሒ ቅጥዒ

  • ንዝተቐመጡ ረቛሒታት ዘማልእ

    ሓድሽ ናይ ፓስፖርት ስእሊ።

መጻምድትኻ ነቶም ሰነዳት ናብ ኤምባሲ ሒዛቶም ክትከይድ ኣለዋ። ብድሕሪኡ እቲ ኤምባሲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ናይ መጻምድትኻ ክወስድ እዩ፣ ከምኡ እውን ነቲ ናይ mvv ቪዛ ኣብ ፓስፖርታ ክልጥፎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መጻምድትኻ ነቲ ናይ mvv ቪዛ ዝተለጠፎ ፓስፖርት ንምውሳድ ካልእ ግዜ ክትምለስ ኣለዋ። በቲ ፓስፖርትን ናይ mvv ቪዛን ድማ መጻምድትኻ ናብ ኔዘርላንድ ክትገይሽ ይፍቀደላ። እቲ ናይ mvv ቪዛ ን90 መዓልታት ዘገልግል እዩ። ሃገርካ ምረጽ፣ ከምኡ እውን ናብ ኔዘርላንድ ንምጉዓዝ ብኸመይ ናይ mvv ቪዛ ንምርካብ ከም እተመልክት ኣንብብ።

IND ኣሉታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ ይኸውን

IND ስድራ-ቤት ንምቛም ዘቕረብካዮ መመልከቲ ኣጽዲቚዎ ድዩ? ስለዚ መጻምድትኻ ናብ ኔዘርላንድ ንኽትመጽእ ቪዛ ኣይወሃባን እዩ። ኣንጻር ውሳኔ IND ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ድማ ምስ ጠበቓ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ይግባይካ ኣብ ግዚኡ ከም እተቕርብ ኣረጋግጽ። ቅድሚ ኣየናይ ዕለት ይግባይ ከተቕርብ ከምዘለካ ኣብቲ ናይ IND ውሳኔ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ። 

መንበሪ ፍቓድ ምውሳድ

መጻምድትኻ ባብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአት፣ ድሕሪ ምምጻኣ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት ኣብ

ናይ ምምሕዳር ከተማ ክትምዝገብ ኣለዋ። ንስኻ ወይ መጻምድትኻ እውን ድሕሪ ገለ ሳምንታት ብዛዕባ ምውሳድ መንበሪ ፍቓድ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤ ካብ IND ክመጸኩም እዩ። ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ድማ ኣብ ሓደ ካብ ጨፈራት IND ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። መጻምድትኻ ኣብኡ መንበሪ ፍቓዱ ክትቕበል እያ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ድማ እንተበዝሐ 5 ዓመት ዘገልግል እዩ።  

መጻምድትኻ ምናልባት ናይ ሕማም ዓባይ ሰዓል መርመራ ክትገብር ኣለዋ

መጻምድትኻ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሐት መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክትገብር ዘድልያ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ኣብቲ መጻምድትኻ እትመጽኣሉ ሃገር እዩ ዝምርኮስ።

መጻምድትኻ መርመራ ሕማም ዓባይ ሰዓል ክትገብር ዘለዋ ምዃናን ዘይምዃናን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር