
ኩነትቃት ብቋንቋ ኔዘርላንድ ንምግላጽ ዝሕግዙ ሓጸርቲ ሓረጋት
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ሓደ ሓደ ግዜ ነገራት ጽቡቕ ይኸዱ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ጽቡቕ ኣይከዱን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክትቅይሮ እትኽእል ነገር የለን። ብቋንቋ ኔዘርላንድ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንሓደ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምግላጽ ሓጸርቲ ሓረጋት ይጥቀሙ። ንኣወንታዊ፣ ገለልተኛ፣ ከምኡ እውን ኣሉታዊ ኩነታት ዝኸውን ጠቓሚ ሓረጋት ኣብዚ ዓንቀጽ ክትመሃር ኢኻ።
ስለምንታይ እዮም ሓጸርቲ ሓረጋት ሓደ ሓደ ግዜ ኣጸገምቲ ዝኾኑ?
ኣብ እዋን ዕላል ብቋንቋ ኔዘርላንድ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓጸርቲ ሓረጋት ትሰምዕ። እዚኦም ንኣብነት ግብረ መልሲ ወይ ሓጸርቲ መግለጺታት እዮም። ቀልጢፎም ይብሃሉ፡ እንተዘይተረዲእካዮም ግና ግቡእ መልሲ ክትህብ ኣጸጋሚ እዩ።
ገሊኡ ሓረጋት ምሳልያዊ ትርጕም ኣለዎ። እዚ ማለት እቶም ቃላት ካብቲ ቃል ብቓሉ ዝተገልጸ ዝተፈልየ ትርጉም ኣለዎም። ስለዚ እዞም ሓረጋት እንታይ ማለት ምዃኑ ምፍላጥ ጠቓሚ እዩ።
ንሓደ ኩነታት ክትገልጾ እንተድኣ ደሊኻ፡ እንታይ ክትብል ትኽእል?
ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ዝተፈላለየ ኩነታት የጋጥመካ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ነገራት ጽቡቕ ይኸዱ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ብኣንጻሩ ይኸውን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዛዕባኡ ዝኾነ ክትቅይሮ እትኽእል ነገር ኣይህልወካን።
ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንሓደ ኩነታት ብቕልጡፍ ንምግላጽ ሓጸርቲ ሓረጋት ይጥቀሙ። ነዞም ሓረጋት ብምጥቃም ድማሓደ ነገር ኣወንታዊ፣ ገለልተኛ፣ ወይ ኣሉታዊ ምዃኑ ብንጹር ክትገልጽ ትኽእል። እዚ ድማ ዝሓሸ ግብረ-መልሲ ክትህብን፣ ካልኦት እንታይ ማለት ምዃኖም ክትርዳእን የኽእለካ።
ኣወንታዊ ኩነታት ንምግላጽ ዝኾኑ ሓጸርቲ ሓረጋት
ኔዘርላንዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ነገራት ጽቡቕ ክኸዱ እንከለዉ፣ ነዞም ሓረጋት ይጥቀሙ። ንኣብነት ሓደ ውጥን ብዘይ ገለ ጸገም ክኸይድ እንከሎ፣ ዕድለኛ ኣብ ዝኾንካሉ እዋን፣ ወይ ሓደ ነገር ካብቲ ዝሓሰብካዮ ዝሓሸ ምስ ዝኸውን። በዞም ሓጸርቲ ሓረጋት ድማ እቲ ኩነታት ኣወንታዊ ምዃኑ ቀልጢፍካ ከተርኢ ትኽእል።
‘Het werkt!’ 'ይሰርሕ እዩ!'
ትርጉሙ፡ ክገብሮ ዝግበኦ ይገብሮ እዩ። እዚ እትጥቀመሉ ኣብ መወዳእታ ሓደ ነገር ብግቡእ ክሰርሕ እንከሎ ወይ ሓደ ፍታሕ ሓጋዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እዩ።
ኣብነት፡ ‘Ik heb de router opnieuw opgestart. Het werkt!’ ማለት ‘እቲ ራውተር ዳግማይ ወሊዐዮ። ይሰርሕ እዩ!’
‘Het loopt goed’ 'ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ ኩሉ ከምቲ ዝተወጠኖ ይኸይድ ኣሎ። ሓደ መደብ፣ ዕማም ወይ ኩነታት ብዘይ ገለ ጸገም ክኸይድ እንከሎን ጸገም ኣብ ዘይብሉን እዋንን ኢኻ ነዚ ሓረግ እትጥቀመሉ።
ኣብነት፡ ‘De voorbereidingen voor de reis lopen goed. We hebben alles al geregeld.’ ማለት ‘እቲ ንመገሻ ዝግበር ምድላዋት ብጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። ድሮ ኩሉ ኣዋዲድናዮ ኣለና።’
‘Dat is een meevaller’ 'ዕድል ገይረ'
ትርጉሙ፡ ሓደ ነገር ካብቲ ዝሓሰብካዮ ዝሓሸ ኮይኑ ማለት እዩ። ነዚ ሓረግ እዚ እትጥቀመሉ፡ ዘይተጸበኻዮ ዕድል ምስ ዘጋጥመካ፣ ንኣብነት ምስ ገንዘብ፣ ግዜ፡ ወይ ጸገም ብዝምልከት ካብቲ ዝተጸበኻዮ ዝሓሸ ኮይኑ ምስ ዝጸንሓካ።
ኣብነት፡ ‘Ik dacht dat ik een boete zou krijgen, maar ik kreeg alleen een waarschuwing. Dat is een meevaller.’ ማለት ‘መቕጻዕቲ ክወሃበኒ እዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ፣ መጠንቀቕታ ጥራይ ግን ተዋሂቡኒ። ዕድል ገይረ።’
‘Dat gaat de goede kant op’ 'ናብ ጽቡቕ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ እቲ ኩነታት እናተመሓየሸ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ሓረግ እዚ እትጥቀመሉ ምዕባለ ክትዕዘብን፣ ነገራት ክሰርሑ እዮም ኢልካ ክትሓስብን እከለኻ እዩ።
ኣብነት፡ ‘Eerst was het lastig, maar nu begrijp ik de lessen beter. Dat gaat de goede kant op.’ ማለት ‘ኣብ ፈለማ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና እቲ ትምህርቲ ብዝያዳ ይርድኣኒ ኣሎ። እዚ ናብ ጽቡቕ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ'
‘Het loopt als een trein’ 'ከም ባቡር ሰለል እናበለ ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፦ ሓደ ነገር ብዘይ ጸገም ኣዝዩ ጽቡቕን ብቕልጡፍን ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ትጥቀመሉ ሓደ ውጥን፡ ፕሮጀክት ወይ ኩነታት ብዘይ ገለ ጸገም ክኸይድ ከሎ።
ኣብነት፡ ‘De voorbereiding gaat geweldig. Alles is geregeld en iedereen werkt mee. Het loopt als een trein.’ ማለት ‘እቲ ምድላው ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። ኩሉ ተዋዲዱ ኣሎ፣ ኩሉ ሰብ ድማ ይተሓባበር ኣሎ። ከም ባቡር ሰለል እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ'
'ከም ሰዓት እዩ ዝጎዪ ዘሎ።'
ትርጉሙ፦ ሓደ ነገር ኣዝዩ ጽቡቕን ብቕልጡፍን ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ትጥቀመሉ ነገራት ብዘይ ገለ ጸገም ክኸዱ ከለዉን ዳርጋ ጸገም ኣብ ዘይብሉን እዩ። ዘይወግዓውን ሕጉስን ይመስል።
ኣብነት፡ ‘ሓድሽ ስርዓት ክንጥቀም ካብ እንጅምር፡ እቲ ስራሕ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ይኸይድ። ከም ሰዓት እዩ ዝጎዪ ዘሎ’ ኢሉ መለሰሉ።
‘Het gaat van een leien dakje’ 'ብዘይ ጸገም ይሳለጥ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ ሓደ ነገር ብቐሊሉን ብጽፉፍ፣ ብዘይ ጸገም ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ እትጥቀመሉ ሓደ ነገር ካብቲ ዝሓሰብካዮ ዝሓሸ ክኸይድ እንከሎ እዩ።
ኣብነት፡ ‘Ik was bang voor het gesprek, maar het ging van een leien dakje.’ ‘ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ፈሪሐ ነይረ፣ ግን ብዘይ ጸገም ተሳሊጡ።’
‘Het gaat gesmeerd/ Het loopt gesmeerd’ 'ሰለል እናበለ ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ ሓደ ነገር ኣዝዩ ስሉጥን ብዘይ ጸገምን ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ እትጥቀመሉ ኩሉ ነገር ብጽቡቕ ዝተዋደደ ምስ ዝኸውንን፣ ስሉጥ ምስ ዝኸይድን እዩ።
ኣብነት፡ ‘We hebben alles goed voorbereid, dus de vergadering liep gesmeerd.’ ማለት ‘ንዅሉ ብጽቡቕ ስለ ዘዳለናዮ፣ እቲ ኣኼባ ብዘይ ገለ ጸገም ሰለል እናበለ ተኻይዱ።’
‘Eind goed, al goed’ 'መወዳእታኡ ዝጸበቐ ኩሉ ጽቡቕ እዩ'
ትርጉሙ፡ ብጽቡቕ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ መንገዲ ጸገማት ወይ ጸቕጢ ዝነበረ ምስ ዝኸውን እውን ኩሉ ጽቡቕ እዩ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ ‘እታ ባቡር ዳርጋ ኣምሊጣትና ዳርጋ ነይራ፣ ኣብ ግዚኡ ግን ኣርኪብናያ። መወዳእታኡ ዝጸበቐ ኩሉ ጽቡቕ።’
ገለልተኛ ኩነታት ንምግላጽ ዝኾኑ ሓጸርቲ ሓረጋት
ኔዘርላንዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ኩነታት ብህድኣትን ገለልተኛን ክገልጽዎ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን ነዞም ሓረጋት ይጥቀሙ። ንኣብነት ሓደ ነገር ከመይ ከም ዝሰርሕ፡ ሕግታት እንታይ ምዃኑ፡ ወይ ንሓደ ነገር ከም ዘለዎ ከም እትቕበሎ ንምግላጽ።
‘Zo werkt het’ 'ብኸምኡ/ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ'
ትርጉሙ፦ ሓደ ስርዓት፡ ሕጊ ወይ ኩነታት ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ። ነዚ ትጥቀመሉ ንሓደ ነገር ብሕጽር ዝበለን ብንጹርን ንምግላጽ።
ኣብነት፡ ‘Je moet eerst online een afspraak maken. Zo werkt het.’ ‘መጀመርታ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ብኸምኡ እዩ ዝሰርሕ።’
‘Het is wat het is’ 'ከም ዝሃበካ ምቕባል እዩ'
ትርጉሙ፦ ነቲ ኩነታት ዋላ እኳ ዘሕዝን ኮይኑ እንተረኸብካዮ ትቕበሎ። እዚ ትብል ድሕሪ ደጊም ብዛዕባኡ ዝኾነ ክትቅይር ኣብ ዘይትኽእለሉ እዋን።
ኣብነት፡ ‘De afspraak gaat niet door. Het is wat het is.’ ማለት ‘እቲ ቆጸራ ተሰሪዙ። ከም ዝሃበካ ምቕባል እዩ’።
‘Dat doet er niet toe’ 'ኣገዳስነት የብሉን'
ትርጉሙ፦ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ነዚ ትጥቀመሉ ሓደ ነገር ፍልልይ የብሉን ወይ ካብኡ ጸገም ክትፈጥር ከምዘይትደሊ ክትዛረብ እንተደሊኻ እዩ።
ኣብነት፡ ‘Of het 5 of 10 minuten duurt, dat doet er niet toe.’ ማለት ‘5 ወይ 10 ደቓይቕ ዝወስድ ምዃኑ፣ ኣገዳስነት የብሉን።’
‘Dat hoort erbij’ 'ምስኡ ዝኸይድ እዩ/ ኣካሉ እዩ'
ትርጉሙ፦ እዚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንቡር እዩ። እዚ ትብል ሓደ ነገር ኣካል ናይ ሓደ ንጥፈት ወይ እዋን ክኸውን ከሎ፡ ዋላ ሓደ ሓደ ግዜ ዘሕርቕ ይኹን። ማለት: እዚ ኣካል ናይቲ ነገራት ከመይ ይኸዱ ኣለዉ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ ‘ቋንቋ ኔዘርላንድ ምምሃር ሓደ ሓደ ግዜ ከቢድ ስለዝኾነ ትጋገ። እዚ እውን ሓደ ክፋል ናቱ እዩ።’
‘Daar moet je rekening mee houden’ 'እዚ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣለካ'
ትርጉሙ፦ ብዛዕባኡ ክትሓስበሉን ክትዳሎን ኣሎካ። እዚ ከም መጠንቀቕታ ወይ ምኽሪ ኢኻ ትብሎ፣ ምኽንያቱ ገለ ነገር ንመደብካ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብነት፦ ‘መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጽርግያታት ጽዑቕ ሰዓት እዩ። ኣብ ሰዓቱ ክትበጽሕ እንተደሊኻ ነዚ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣሎካ።’ ኢሉ መለሰሉ።
‘Het is nu eenmaal zo’ 'እቲ ዘሎ ነገር ከምኡ እዩ'
ትርጉሙ፦ ከምቲ ዘለዎ እዩ። ነዚ ሓረግ እዚ ትጥቀመሉ ንሓደ ኩነታት ክትቅበሎን ክትቅይሮ ኣብ ዘይትኽእለሉን ወይ ኣብ ዘይትደልዮን እዋን ። ሓደ ሓደ ግዜ ቁሩብ ጽኑዕ እውን ይመስል: እዚኦም እዮም እቶም ሕግታት።
ኣብነት፡ ‘ዘዘናግዕ ከምዘይኮነ እፈልጥ እየ፡ እቲ ድኳን ግን ሰዓት 6፡00 PM ይዕጾ። ከምኡ ጥራይ እዩ ዘሎ።’ ኢሉ መለሰሉ።
'Er is niets aan te doen' 'ዝግበር ነገር የለን'
ትርጉሙ፦ ክትቅይሮ ወይ ክትፈትሖ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ትጥቀመሉ ሓደ ነገር ከምቲ ዘለዎ ምዃኑ ክትቅበል ኣብ ዘለካሉ እዋን። ሓደ ሓደ ግዜ ቁሩብ ጽኑዕ ወይ ውዱእ ይመስል።
ኣብነት፦ ‘ከም ዘሕርቕካ ይርዳኣኒ እዩ፣ ግን ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን።’
ኣብነት፦ ‘ክትሰማማዓሉ ኣይትኽእልን ትኸውን፡ ብዛዕባኡ ግን ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን።’
‘Zo zit het’ 'ከምኡ እዩ እቲ ነገር'
ትርጉሙ፦ እዚኦም እዮም ሕግታት ወይ ድማ እዚ እዩ እቲ ኩነታት። ነዚ ትጥቀመሉ ንሓደ ነገር ክትገልጾ ከለኻን ነቲ ኩነታትን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ብዝምልከት ብንጹር ክትድምድም ትደሊ ከለኻ እዩ።
ኣብነት፡ ‘ገንዘብካ ክሳብ ድሕሪ 2 ሰሙን ኣይክትመልስን ኢኻ። ከምኡ እዩ ዝሰርሕ።’
‘Daar komt het van' 'ካብኡ ዝነቐለ እዩ'
ትርጉሙ፦ እዚ እዩ ጠንቂ ወይ ምኽንያት ናይ ሓደ ነገር። ሓደ ነገር ንምንታይ ከም ዘጋጥም ክትገልጽ ከለኻ ነዚ ሓረግ ትጥቀመሉ።
ኣብነት፡ ‘Je bent zo moe omdat je laat naar bed ging. Daar komt het van.’ ማለት ‘ደንጉኻ ስለ ዝደቀስካ ኢኻ ኣዚኻ ደኺምካ። ካብኡ ዝነቐለ እዩ።’
‘Het is niet anders’ 'ካብዚ ሓሊፉ ካልእ የለን'
ትርጉሙ፦ ሓደ ነገር ዋላ እኳ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እንተረኸብካዮ፡ ከምቲ ዘለዎ ምዃኑ ትቕበሎ። እዚ ትብል ክትቅይሮ ኣብ ዘይትኽእለሉን ክትስጉም ምስ እትደሊን።
ኣብነት፡ ‘ሎሚ ኣውቶቡስ ኣይትጐዓዝን ኣላ። ልክዕ ከምኡ እዩ ዘሎ።
‘Het zij zo’ 'ይኹን እስከ'
ትርጉሙ፡ ንሓደ ነገር ደስ ዘይብል ኮይኑ ረኺብካ እው ክሰንስኻ ምቕባል ማለት እዩ። ነዚ ብዘይ ክትዕ ክትሰግር ኣብ እትደልየሉ እዋን ኢኻ ትጥቀመሉ።
ኣብነት፡ ‘Het regent, dus we gaan niet naar het park. Het zij zo.’ ማለት ‘ዝናብ ይዘንብ ኣሎ፣ ስለዚ ናብ መናፈሲ ኣይንኸይድን ኢና። ይኹን እስከ።’
‘Zo gaat dat soms’ 'ሓደ ሓደ ግዜ የጋጥም እዩ'
ትርጉሙ፦ ሓደ ሓደ ግዜ ነገራት ከምኡ ጥራይ እዮም ዝፍጸሙ። እዚ ትብል ንሓደ ሰብ ንምርግጋጽ ወይ ንነገራት ኣብ ኣረኣእያ ንምእታው።
ኣብነት፡ ‘ኣውቶቡስ ኣምሊጣትካ። ሓደ ሓደ ግዜ ከምኡ እዩ ዝኸይድ።’
ሓጸርቲ ሙሉእ ሓሳባት ኣሉታዊ ኩነታት ንምግላጽ ።
ኔዘርላንዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ነገር ተስፋ ዘቑርጽ ወይ ክጋገ ከሎ ነዞም ሓረጋት ይጥቀሙ። ንኣብነት ሕማቕ ዕድል ምስ ዝህልወካ፡ ሓደ ነገር ኣብ ዘይሰርሑሉ እዋን፡ ወይ ሓደ ኩነታት ካብቲ ዝሓሰብካዮ ዝኸፍአ ምስ ዝኸውን። በዚኦም እቲ ኩነታት ኣሉታዊ ምዃኑ ብሕጽር ዝበለን ብንጹርን ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ።
‘Dat kan gebeuren’ 'ከጋጥም ይኽእል እዩ'
ትርጉሙ፦ ዓቢ ነገር ኣይኮነን። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ የጋጥም እዩ። እዚ ትብል ንሓደ ሰብ ገለ ነገር ክጋገ ከሎ ከተረጋግኦ ኢካ።
ኣብነት፦ ‘ተጋጊኻ። ከምኡ የጋጥም እዩ።’
‘Je kunt er niks aan doen’ 'ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣይነበረን'
ትርጉሙ፦ ናትካ ጌጋ ኣይኮነን። እዚ ትብል ንሓደ ሰብ ገለ ነገር ክጋገ ከሎ ከተረጋግኦ ኢካ።
ኣብነት፡ ‘ባቡር ትዝንግዕ። ብዛዕባኡ ክትገብሮ እትኽእል ነገር የለን’ ።
‘Dat schiet niet op’ 'ወላ ሓደ ምንቕ ዝብል ኣይኮነን'
ትርጉሙ፦ ኣዝዩ ቀስ ኢሉ ይኸይድ ኣሎ ወይ ድማ ውሑድ ምዕባለ ኣሎ። ከምኡ ትብል ሓደ ነገር ቀልጢፉ ኣብ ዘይንቀሳቐሰሉን ዓቕሊ ምስ ዝጸበበካን እዩ።
ኣብነት፡ ‘ን30 ደቓይቕ ክንጽበ ጸኒሕና። እዚ ናብ ዝኾነ ቦታ ኣየብጽሓናን እዩ'።
‘Het zit tegen’ 'ነገራት ኣንጻረይ ይኸዱ ኣለዉ'
ትርጉሙ፡ ካብ ዕድል ወጻኢ ኢኻ፡ ብዙሕ ይጋገ ኣሎ። ነዚ ትጥቀመሉ ብዙሕ ዘይጥዑም ነገራት ምስ ዘጋጥም እዩ።
ኣብነት፡ ‘መጀመርታ ኣውቶቡስ ኣምሊጣትኒ ድሕሪኡ ድማ ዝናብ ዘኒቡ። ነገራት ኣንጻረይ ይኸዱ ኣለዉ'።
‘Dat valt tegen’ 'ከምቲ ዝደለኹዎ ኣይኮነን'
ትርጉሙ፡ ብሓቂ ካብቲ ዝሓሰብካዮ ዝኸበደ ወይ ዝኸፍአ እዩ። ነዚ እትጥቀመሉ ቅር ክብለካ እንከሎ እዩ።
ኣብነት፦ ‘ቀልጢፈ ክውዳእ እየ ኢለ ሓሲበ ነይረ፣ እንተኾነ ግን ከቢድ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።’
'Als het zo moet' 'ከምኡ ክኸውን ዘለዎ እንተድኣ ኮይኑ'
ትርጉሙ፡ ንሓደ ነገር ትቕበሎ፣ ኮይኑ ግን ደስ ዘይብል ወይ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ትረኽቦ። እዚ ትብል ሓደ ነገር ከምኡ ስለ ዝኾነ ጥራይ ከይፈተኻ ክትገብሮ እንከለኻ እዩ።
ኣብነት፡ 'Oké, ik moet het formulier opnieuw invullen. Als het zo moet!' ማለት ‘ሕራይ፣ ነቲ ፎርም እንደገና ክመልኦ ኣለኒ። ከምኡ ክኸውን ዘለዎ እንተድኣ ኮይኑ!’
‘Dat loopt mis’ 'ናብ ግጉይ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ ጌጋ ይኸይድ ኣሎ ወይ ጽቡቕ ኣይውዳእን ኣሎ። ዝኾነ ነገር እንተድኣ ዘይቀይርካ፣ ሓደ ኩነታት ብሕማቕ ክዛዘም እዩ ኢልካ ክትሓስብ እንከለኻ ኢኻ ነዚ ሓረግ እትጥቀመሉ።
ኣብነት፡ ‘Als we zo blijven praten, krijgen we ruzie. Dat loopt mis.’ ማለት ‘ከምዚ ምዝራብ እንተድኣ ቐጺልና ኣብ ባእሲ ክንኣቱ ኢና። እዚ ናብ ግጉይ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ።’
‘Dat gaat de verkeerde kant op’ 'ናብ ሕማቕ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ'
ትርጉሙ፦ እቲ ኩነታት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ሓደ ነገር ጽቡቕ ከም ዘይከይድን ጸገም ከስዕብ ከም ዝኽእልን ምስ እተስተብህል ነዚ ሓረግ ትጥቀመሉ። ብዙሕ ግዜ ከምዚ ትብል ከም መጠንቀቕታ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ግዚኡ ደው ክብል ወይ ገለ ነገር ምእንቲ ክቕይር።
ኣብነት፡ ‘We praten steeds harder en niemand luistert meer. Dit gaat de verkeerde kant op.’ ማለት ‘ቀጻሊ ዓው እናበልና ንዛረብ ኣለና፣ ድሕሪ ሕጂ ዝሰምዕ ሰብ የለን። እዚ ናብ ሕማቕ ኣንፈት ይኸይድ ኣሎ።’
‘Dat valt mij zwaar’ 'ብኸቢድ ተንኪፉኒ ኣሎ'
ትርጉሙ፡ ሓደ ነገር ክትሰምዖ ወይ ክትሙኮሮ ኣጸጋሚ ወይ ዘሕዝን ኮይኑ ረኺብካዮ ማለት እዩ። ሓደ ነገር ንሓደ ሰብ ብስምዒት ምስ ዝትንክፎ፣ ወይ ርኡይ ጽልዋ ምስ ዝገብረሉ ኢኻ ነዚ ሓረግ እትጥቀመሉ።
ኣብነት፡ ‘Het nieuws dat zijn moeder ziek is, valt mij zwaar.’ ማለት ‘ኣዲኡ ሓሚማ ዝብል ዜና፣ ብኸቢድ ተንኪፉኒ ኣሎ።’
ቋንቋ ክትመሃር እንተድኣ ደሊኻ ግብራዊ ምኽርታት
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክትርድኦ ትደሊ? ድሕሪኡ መግለጺታትን ምስላታትን ተማሃር። ኣብ ኔዘርላንድ ኣዝዮም ኣገደስቲ ኮይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕላል ይጥቀሙ።
ሓደ ሓረግ እንተድኣ ዘይተረዲኡካ መብርሂ ሕተት። ንኣብነት፣ ሓደ ሰብ ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ማለቱ እንተኾነ ሕተቶ። ነቲ ኩነታትን መቃኑን እውን ኣቓልቦ ሃቦ።
ልምምድካ ቀጽል፣ ክጋገይ እየ ኢልካ እውን ኣይትፍራሕ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ደረጃ ብደረጃ ዝያዳ ትመሃር። ብተወሳኺ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ኔዘርላንድ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ መድረኽና RefugeeHelp ተወከስ።