
ብዛዕባ ባሕሪ፣ ምጅላብን መራኽብን ዝምልከቱ መግለጺታት ብኸመይ ኣብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ትጥቀመሎም?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዙሕ መግለጺታት ኣለዎ። ኔዘርላንድ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ሃገር ኮይና፣ ኣብ ምጅላብ ባሕሪን መራኽብን ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ። ስለዚ ኣብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ምጅላብን መራኽብን ብዙሕ መግለጺታት ኣለዉ። ብዛዕባ እዚኦም መግለጺታት ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።
ቋንቋ ኔዘርላንድ ባሕሪ፣ ምጅላብን መራኽብን ብዝምልከት ሃብታም መግለጺታት ዘለዎ ቋንቋ እዩ
ኔዘርላንድ ብማይን መራኽብን ዝተሓሓዝ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ። ስለዚ ምስ ምጅላብ፣ መራኽብን ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት ናይ ኔዘርላንድ መግለጺታት ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ እዋን
ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ሰባት ምስ መራኽብ ይሰርሑ ነበሩ፣ ንኣብነት ከም ባሕረኛታት፣ ነጋዶ ወይ ሰራሕተኛታት ወደብ። ኣብ ውሽጢ ኔዘርላንድ እውን መብዛሕትኡ ግዜ መጓዓዝያ ብማይ ይካየድ ነበረ፣ ንኣብነት ብመንገዲ ሩባታትን መትረባትን።
ህይወት ኣብ ባሕሪ ከቢድን ሓደገኛን እዩ ነይሩ። ብሓባር ጽቡቕ ገይርካ ክትሰርሕን ቅልጡፍ ውሳነታት ክትገብርን ዝግብኣሉ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ፣ ንነገራት ብቕልጡፍ ንጹር ንምግባር መግለጺታትን ሓረጋትን ተቐልቂሎም። ኔዘርላንዳውያን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሓደጋታት፣ ምትሕብባርን ኣጸጋሚ ኩነታትን ንምዝራብ ካብቲ ዘመን ዝመጹ መግለጺታት ይጥቀሙ። ኣብዚ ታሕቲ ካብዞም መግለጺታት ብርክት ንዝበሉ ኣብሪህናዮም ኣለና።
ብዛዕባ ባሕሪ፣ ምጅላብን መራኽብን ዝምልከቱ መግለጺታት
'Met iemand in zee gaan' 'ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ሽርክና ምእታው'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ምስ ሓደ ሰብ ብሓባር ክትሰርሕ፣ ወይ ምስ ሓደ ሰብ ስምምዕ ክትገብር ኢኻ ማለት እዩ። ሓደ ነገር ብሓባር ክትገብሩ ድማ ትመርጹ፣ ንኣብነት ኣብ ስራሕ ወይ ንግዲ።
ኣብነት፡ 'Na een goed gesprek besloot het bedrijf met die nieuwe leverancier in zee te gaan.' ማለት ‘ጽቡቕ ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ፣ እቲ ትካል ምስቲ ሓድሽ ሰብ ኣብ ሽርክነት ክኣቱው ወሲኑ።’
'Water naar de zee dragen' 'ናብ ባሕሪ ማይ ምምላስ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ትርጉም ዘይብሉ ነገር ትገብር ኣለኻ ማለት እዩ፣ ምኽንያቱ ኣድላዪ ስለዘይኮነ። ንሓደ ድሮ እኹል ዘለዎ ቦታ ካብ ዘድልዮ ንላዕሊ ገለ ነገር ትውስኸሉ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Nog meer uitleg geven aan die expert is als water naar de zee dragen, want hij weet er al alles van.' ማለት ‘ነቲ ክኢላ ዝያዳ መብርሂ ምሃብ ልክዕ ናብ ባሕሪ ማይ ከም ምምላስ እዩ፣ ምኽንያቱ ድሮ ብዛዕባኡ ዅሉ ይፈልጥ እዩ።’
'Recht door zee zijn' 'ብግልጺ ምዝራብ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ቅኑዕ፣ ንጹርን ቀጥታውን እዩ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ዝሓሰቦ ነገር ሸንኮለል ብዘይብሉ ክዛረብ እንከሎ ማለት እዩ።
አብነት፡ 'Hij is altijd recht door zee, dus je weet meteen wat hij van iets vindt.' ማለት ‘ኩሉ ግዜ ብግልጺ ዝዛረብ ስለ ዝኾነ፣ ብዛዕባ ሓደ ነገር እንታይ ከም ዝሓስብ ብኡንብኡ ትፈልጥ።’
'Over stag gaan' 'ሰዲዕካ ሓሳብካ ምቕያር'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ሓደ ሰብ ሓሳቡ ይቕይር ማለት እዩ። ኣብ መጀመርታ ሓደ ሰብ ገለ ነገር ክገብር ኣይደልን፣ ከምኡ ክብል ጸኒሑ ግን ድሒሩ እወ ይብል ወይ ድማ ነቲ ኣይፋል ክብሎ ዝጸንሐ ነገር ይገብሮ።
ኣብነት፡ ‘Eerst wilde hij niet mee op vakantie, maar later ging hij toch over stag.’ ማለት ‘ኣብ መጀመርታ ንዕረፍቲ ክኸይድ ኣይደለየን፣ ጸኒሑ ግን ሰዲዑ ሓሳቡ ቀይሩ።’
‘Kantje boord' 'ብንእሽተይ ተሳሕተ/ንስክላ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ሓደ ነገር ንስክላ ይዕወት ወይ ጽቡቕ ይኸይድ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ ‘Ik moest rennen voor de trein, maar ik heb het gehaald. Dat was kantje boord!’ ማለት ‘ባቡር ንኸርክባ ክጎዪ ነይሩኒ፣ እንተኾነ ግን ልክዕ ኣርኪበያ። ንስክላ ኣምሊጣ ነይራ!’
'Alle hens aan dek' 'ኩለን ኣእዳው ሻማ ሻማ'
‘Alle hens aan dek’ ማለት 'ኩለን ኣእዳው ሻማ ሻማ' ዝብል ናይ ባሕሪ መግለጺ ኮይኑ፣ ኩሉ ሰብ ብቕጽበት ክሕግዝ ኣለዎ ማለት እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ወይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣየር። እቲ “hens” ዝብል ቃል ካብ “hands” ማለት ኣእዳው ካብ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ባሕረኛታት ወይ ሰራሕተኛታት ማለት እዩ። እቲ '‘dek’ ዝብል ቃል ድማ ባይታ ናይ ሓንቲ መርከብ እዩ። እቲ ኣገላልጻ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘድሊ ዘርኢ እዩ፣ ንኣብነት ኣብ እዋን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ህቦብላ ወይ ሓደጋ።
ኣብነት፡ ‘Toen de zaal ineens vol gasten stond en er nog veel geregeld moest worden, was het alle hens aan dek in het restaurant.’ ማለት ‘እቲ ኣደራሽ ሃንደበት ብኣጋይሽ ምስ መልአን፣ ብሰንኩ ብዙሕ ዝዳለው ነገራት ምስ አድለየን፣ ኣብቲ ቤት-መግቢ ዝነበራ ኩለን ኣእዳው ኣብ ሻማ ሻማ ኣትየን።’
'De beste schippers staan aan wal' 'ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንባዕሎምብዛዕባ ዘይገብርዎ ነገር ነቐፌታ ምግባር ወይ ምኽሪ ምሃብ ይቐሎም ማለት እዩ።
ኣብነት፡ ‘Tijdens de voetbalwedstrijd riepen de supporters vanaf de tribune wat de trainer anders moest doen. De beste schippers staan aan wal.’ ማለት 'ኣብ እዋን እቲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ፣ እቶም ደገፍቲ ኣብቲ ኮፍ ዝብልሉ መድረኽ ኮይኖም፣ እቲ ኣሰልጣኒ እንታይ ክቕይር ከም ዘለዎ ይጭድሩ ነይሮም። ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ።’
'Iemand zit in mijn vaarwater' 'ሓደ ሰብ ኣብ መንገደይ ዕንቅፋት ኮይኑኒ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ዕንቅፋት ኮይኑካ ወይ ኣብ መንገድኻ ዓጊቱካ ኣሎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ትሰርሖ ኣብ ዘለኻ ነገር ወይ ጉዳይ ጣልቃ ይኣቱው ማለት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብነት፡ ‘Die nieuwe collega zit in mijn vaarwater, hij bemoeit zich overal mee.’ ማለት ‘እቲ ሓድሽ መሳርሕተይ ኣብ መንገደይ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ኣሎ፣ ኣብ ኩሉ ነገር ጣልቃ እዩ ዝኣቱው።'
'Het loopt de spuigaten uit' 'ካብ ቚጽጽር ወጻኢ ምዃን'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ቁጽጽር ይስእን ኣሎ፣ ወይ ድማ ሓደ ኩነታት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ ‘Eerst had ik mijn financiële problemen nog onder controle, maar nu heb ik veel schulden. Het loopt de spuigaten uit.’ ማለት ‘ኣብ ፈለማ ፋይናንሳዊ ጸገማተይ ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ነይሩኒ፣ ሕጂ ግና ብዙሕ ዕዳ ኣሎኒ። ካብ ቚጽጽር ወጻኢ ኮይኑ።’
'De wind van voren krijgen' 'እዝኒ እዝኑ ምስማዕ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ተሪር ቃላት ወይ ብዙሕ ነቐፌታ ይወርዶ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝኸውን ሓደ ሰብ ጌጋ ምስ ዝገብር እዩ።
ኣብነት፡ ‘Toen hij voor de 3e keer te laat op zijn werk kwam, kreeg hij van zijn baas flink de wind van voren.’ ማለት ‘ንሳልሳይ ግዜ ናብ ስራሕ ደንጒዩ ምስ መጽአ፣ ሓላፊኡ እዝኒ እዝኑ ኣስሚዕዎ።'
'Het roer omgooien' 'ሓድሽ ኣንቅዶ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ፣ ስርሑ ወይ መደባቱ ዓቢ ይለውጢ ይገብር ኣሎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ነገራት ብዝተፈላልየ መንገዲ ክገብሮም ስለዝደለየ፣ ብፍላጥ ዝተፈላለየ ኣንፈት ይመርጽ ኣሎ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Na jaren op kantoor te hebben gewerkt, gooide ze het roer om en begon ze haar eigen bakkerij.' ማለት 'ንዓመታት ኣብ ቤት-ጽሕፈት ድሕሪ ምስራሕ፣ ሓድሽ ኣንቅዶ ገይራ፣ ናይ ገዛእ-ርእሳ እንዳ ሕብስቲ ድማ ከፊታ።'
'Overstuur raken/zijn' 'እትሕዞን እትጭብጦን ምስኣን'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ስምዒታዊ፣ ጒሁይ፣ ወይ ኣብ ስንባደ ዝኣተወ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ሰብ ደጊም ህዱእ ስለዘየለ፣ ንኣብነት ክበኪ፣ ከንቀጥቀጥ፣ ወይ ብንጹር ኪሓስብ ዘይክእል ክኸውን ይኽእል።
ኣብነት፡ 'Toen ze hoorde dat haar broertje een ongeluk had gehad, raakte ze helemaal overstuur en begon ze meteen te huilen.' ማለት ‘ንእሽቶ ሓዋ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ ምስ ሰምዐት፣ እትሕዞን እትጭብጦን ሰኣነት፣ ብኡንብኡ ድማ ክትበኪ ጀመረት።’
'Alle zeilen bijzetten' 'ብኹሉ ዓቕምኻ ምርብራብ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ነገር ንኽዕወት ዝከኣለካ ኩሉ ትገብር ማለት እዩ። ክሰልጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜኻ፣ ጉልበትካን ሓይልኻን ትጥቀም ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'In de laatste week voor het examen moest ik alle zeilen bijzetten om alles nog op tijd te leren.' ማለት ‘ኣብታ ቅድሚ ፈተና ዝነበረት ናይ መወዳእታ ሰሙን፣ ኩሉ ነገር ኣብ ግዚኡ ንምፍላጥ ብኹሉ ዓቕመይ ክረባረብ ነይሩኒ።'
'Ergens mee opgescheept zitten' 'ተሸኺልካ ምትራፍ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ዘየሐጉሰካን ካብኡ ክትገላገል ዘጸግመካን ነገር፣ ወይ ሰብ ኣለካ ማለት እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓቂ ዘይደለኻዮ ዕማም፣ ሰብ ወይ ኩነታት ዘጠቓልል እዩ።
ኣብነት፡ 'Omdat niemand anders wilde helpen, zat zij ineens met het hele project opgescheept.' ማለት ‘ካልእ ክሕግዛ ዝደልይ ሰብ ስለዘይተረኽበ፣ ሃንደበት ኣብ ምሉእ እቲ ፕሮጀክት ተሸኺላ ተሪፋ።’
'Onder zeil moeten' 'ክድቅስ ኣለኒ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ደኺሙ ክድቅስ የድልዮ ማለት እዩ። እዚ ካብ ባሕረኛታት ዝመጽአ መግለጺ ኮይኑ፣ እታ መርከብ ጃንጥላታታ ገቲራ ትጓዓዝ ወይ ትብገስ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Na die lange dag op school en voetbaltraining moest ik echt vroeg onder zeil.' ማለት ‘ድሕሪ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዘሕለፍክዎ ነዊሕ መዓልቲን ልምምድ ኩዕሶ እግሪን፣ ብሓቂ ብኣጋኡ ክድቅስ ነይሩኒ።’
'Schoon schip maken' 'ሓድሽ ጅማሮ ምግባር'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ጸገማት፣ ጌጋታት፣ ወይ ናይ ቀደም ባእሲታት መፍትሒ ትገብረሎምን፣ ከምኡ እውን ከም ብሓድሽ ክትጅምር ትደሊን ማለት እዩ። ቅኑዕ ክትከውንን ኩሉ ነገር ዳግም ንጹርን ህዱእን ክኸውን ትደሊ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Na weken van ruzie besloten ze eindelijk schoon schip te maken en eerlijk met elkaar te praten.' ማለት ‘ድሕሪ ናይ ሳምንታት ባእሲ፣ ኣብ መወዳእታኡ ሓድሽ ጅማሮ ንምግባርን ብቕንዕና ንምዝርራብን ወሲኖም።’
'Aan lagerwal raken' 'ኣብ ዓዘቕቲ ምእታው'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ንሓደ ሰብ ነገራት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፋይናንሳዊ ጸገማት፣ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ጸገማት፣ ወይ ካልእ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ኣጸጋሚ ኩነታት የጠቓልል።
ኣብነት፡ 'Na jaren van slechte keuzes en geldproblemen raakte hij aan lagerwal en kon hij zijn huur niet meer betalen.' ማለት ‘ድሕሪ ንዓመታት ዝገብሮ ሕማቕ ምርጫታትን ፋይናንሳዊ ጸገማትን፣ ኣብ ዓዘቕቲ ኣትዩ፣ ከምኡ እውን ደጊም ክራይ ገዝኡ ክኸፍል ኣይከኣለን።’
'ንሓደ ሰብ ኣፉ ምትሓዝ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ዝርርብ ወይ ኩነታት ሓያል ባይታ ከይህልዎ ምግባር ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Hij wilde klagen dat niemand hem had geholpen, maar toen zijn collega liet zien hoeveel werk zij al had gedaan, nam zij hem meteen de wind uit de zeilen.' ‘ዝሓገዞ ሰብ ከምዘየለ ከማርር ደለዩ ነይሩ፣ መሳርሕቱ ግን ድሮ ክንደይ ሰሪሑ ከም ዝነበረ ምስ ኣርኣየት ብኡንብኡ ኣፉ ኣትሒዛቶ።'
'Driemaal is scheepsrecht' 'ኣብ ሳልሳይ ግዜ ይሰልጥ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ነገር ን3 ግዜ ምስ ፈተንካዮ ይሰርሕ ማለት እዩ። ሓደ ነገር 2 ግዜ ፈቲንካዮ እንተድኣ ዘይሰሪሑ 3ይ ግዜ ጽቡቕ ክኸይድ ተስፋ ትገብር ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'De eerste 2 keer zakte hij voor zijn rijexamen, maar de derde keer slaagde hij. Driemaal is scheepsrecht.' ማለት ‘ኣብተን ቀዳሞት 2 ግዜ ፈተና ምዝዋር መኪና ወዲቑ፣ ኣብ 3ይ ግዜ ግን ሓሊፉ። ኣብ ሳልሳይ ግዜ እዩ ዝሰልጥ።'
'Iemand een hart onder de riem steken' 'ንሓደ ሰብ ምትብባዕ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ንሓደ ሰብ ደገፍ ወይ ምትብባዕ ትህብ ወይ ተጸናንዕ ማለት እዩ። ነቲ ሰብ ጽቡቕ፣ ሓያሊ ወይ ህድኣት ከም ዝስምዖ ዝገብር ነገር ትዛረብ ወይ ትገብር።
ኣብነት፡ 'Vlak voor haar moeilijke gesprek met haar baas, stak haar vriendin haar een hart onder de riem door te zeggen dat ze goed voorbereid was en het zeker kon.' ማለት ‘ቅድሚ እቲ ምስ ሓላፊኣ ዝነበራ ኣጸጋሚ ዝርርብ፣ መሓዝኣ ጽቡቕ ገይራ ከም እተዳለወትን ብርግጽ ክትገብሮ ከም እትኽእልን ብምግላጽ ኣተባቢዓታ።’
'Het voortouw nemen' 'መሪሕነት ምውሳድ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ሓደ ሰብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ይጅምርን መሪሕነት ይወስድን ማለት እዩ። እቲ ሰብ ኣይጽበይን፣ የግዳስ ካልኦት እውን ናብ ስራሕ ከም ዝኣትዉ የረጋግጽ።
ኣብነት፡ 'Tijdens het groepswerk nam Fatima het voortouw: zij verdeelde de taken en zorgde ervoor dat iedereen aan de slag ging.' ማለት ኣብ እዋን ናይ ጉጅለ ስራሕ ፋጢማ መሪሕነት ትወስድ ነበረት፣ ከምኡ እውን ዕማማት ትዕድልን ኩሉ ሰብ ናብ ስራሕ ከም ዝኣቱው ትገብርን ነይራ።'
'Stille wateren hebben diepe gronden' 'ህዱኣት ማያት ዑምቐት ኣለዎም'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ስቕ ዝብሉን ህዱኣትን ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ዝረኣዩኻ ንላዕሊ ይፈልጡ፣ ይስምዖም ወይ ይሓስቡ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ብዙሕ ዘይዛረብ ክውኸን ይኽእል እዩ፣ ግን ድማ ገና በሊሕ፣ ተሃዋሲ ወይ ፍሉይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብነት፡ 'In de klas zei Sara bijna nooit iets, maar toen ze haar presentatie gaf, was iedereen onder de indruk. Stille wateren hebben diepe gronden.' ማለት ‘ሳራ ኣብ ክፍሊ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣይትዛረብን እያ፣ መደርኣ ምስ ኣስመዐት ግና ኵሉ ሰብ ተመሲጡ። ህዱኣት ማያት ዑምቐት ኣለዎም።'
'Pompen of verzuipen' 'ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ/ክብ ወይ ግብ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ፣ ነገራት ፋሕ ከይብሉ ቀልጢፍካን ኣበርቲዕካን ክትሰርሕ ኣለካ ማለት እዩ። ክትጽበየሉ እትኽእል ግዜ ድማ የለን ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Een uur voor het feest viel de stroom uit en moest alles opnieuw geregeld worden. Het was echt pompen of verzuipen om alles nog op tijd klaar te krijgen.' ማለት ‘ሓደ ሰዓት ቅድሚ እቲ ድግስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ ዝጠፍአ፣ ኩሉ ነገር ከም ብሓድሽ ክዋደድ ግድን ነበረ። ብሓቂ ንኹሉ ነገር ኣብ ግዚኡ ምድላው ናይ ክብ ወይ ግብ ጉዳይ እዩ ነይሩ።’
'Een kop/hoofd als een boei hebben' 'ገጽ ከም ሳሱላ ምቕያሕ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ሓደ ሰብ ገጹ ኣዝዩ ቀይሕ ኮይኑ ማለት እዩ።
ኣብነት፡ 'Na het rennen door de regen kwam hij binnen met een hoofd als een boei en moest hij eerst even bijkomen.' ማለት ‘ኣብ ዝናብ ድሕሪ ምጉያዩ፣ ገጹ ከም ሳሱላ ቀይሑ ኣትዩ፣ ትንፋሱ ንኽመልስ ድማ ሓጺር እዋን የድልዮ ነበረ።’
'Spijkers op laag water zoeken' 'መንቅብ ምእራይ'
እዚ ኣገላልጻ እዚ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ንኣሽቱን ኣገደስቲ ዘይኮኑን ነገራት ጸገማት ይፈጥር ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ንእሽቶ ነገር ዓቢይ ጸገም ክፈጥር እንከሎ ድማ ነዚ ኣገላልጻ እዚ ትጥቀመም።
ኣብነት፡ 'De tekst was bijna perfect, maar hij bleef maar praten over 1 komma en een klein typefoutje. Hij was echt spijkers op laag water aan het zoeken.' ማለት ‘እቲ ጽሑፍ ዳርጋ ዝወጾ ዘይብሉ ጽቡቕ እዩ ነይሩ፣ ይኹን እምበር ንሱ ብዛዕባ 1 ሰርዝንን ንእሽቶ ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋን ኣተኲሩ ቀጻሊ ይዛረብ ነይሩ። ብሓቂ መንቅብ እዩ ዝኣርይ ነይሩ።’
ቋንቋ ክትመሃር እንተድኣ ደሊኻ ግብራዊ ምኽርታት
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝበለጸ ክትርድኦ ትደሊ? ድሕሪኡ መግለጺታትን ምስላታትን ተማሃር። ኣብ ኔዘርላንድ ኣዝዮም ኣገደስቲ ኮይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕላል ይጥቀሙ።
ሓደ ሓረግ እንተድኣ ዘይተረዲኡካ መብርሂ ሕተት። ንኣብነት፣ ሓደ ሰብ ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ ኣበሃህላ ማለቱ እንተኾነ ሕተቶ። ነቲ ኩነታትን መቃኑን እውን ኣቓልቦ ሃቦ።
ልምምድካ ቀጽል፣ ክጋገይ እየ ኢልካ እውን ኣይትፍራሕ። ብኸምዚ መንገዲ ድማ ደረጃ ብደረጃ ዝያዳ ትመሃር። ብተወሳኺ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ኔዘርላንድ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ መድረኽና RefugeeHelp ተወከስ።