ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




  • Home
  • ሕክምናዊ ህጹጽነት ጥራይ እዩ ኣብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ዝርከቡ ስድራ-ቤትካ ዳግማይ ምጥርናፍ ዘቀላጥፍ
ኣብ መጽለሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ጋዝያንተፕ ዝርከቡ ሰባት
ምንጪ፡ Wikimedia

ሕክምናዊ ህጹጽነት ጥራይ እዩ ኣብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ዝርከቡ ስድራ-ቤትካ ዳግማይ ምጥርናፍ ዘቀላጥፍ

ዝተሓትመሉ ኣብ: 17/2/2023 5:17 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ቱርኪን ሶርያን ኣብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘለዉ ኣባላት ስድራ-ቤት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ምናልባት ናብ ኔዘርላንድ መጺኦም ክነብሩ ትደልይ ትኸውን ኢኻ። ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ ዳርጋ ዝኾነ ተኽእሎ የለን። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

"ምንቅጥቃጥ መሬት ሕቶ ዑቕባ ንምቅልጣፍ ምኽንያት ኣይኮነን"

ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ምስ እትህሉውን፣

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ንመመልከቲኻ ገና ዘየጽደቖ ምስ ዝኸውንን፣ ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ከባቢ ንዝርከቡ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

ብተወሳኺ IND ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘሎ ኩነታት፣ ዑቕባ ንምርካብ ንዝተገብሩ መመልከቲታት ንምቅልጣፍ ምኽንያት ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ህጹጽ ሕክምናዊ ምኽንያት ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምቅልጣፍ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ከምኡ እውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ ዘለኻ ምስ እትኸውን ወይ ከተመልክት ምስ እትደልይ፣ IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሕቶኻ ኣብ እዋን ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነታት ጥራይ እዩ ከቀላጥፎ ዝኽእል። IND ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሕክምናዊ ኩነታት ብዝምልከት መርትዖ ክርእይ ድማ ይደልይ እዩ። ሽዕኡ እውን እቲ ዝተቐላጠፈ መስርሕ ገና ካብ ሳምንታት ክሳብ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።

  • እቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሮ ብሰራሕተኛ ናይ IND ዝምስራሕ ዘሎ ምስ ዝኸውን፣ ኣብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ንማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ምስ IND ርክብ ንኽገብር ሕተቶ። IND ድማ መመልከቲኻ ክቀላጠፍ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።

  • እቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ገና ብ IND ዘይተመስርሐ ምስ ዝኸውን፣ ኣብ VWN ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ንማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ናይ ሕጹጽነት ሕቶ ንኸቕርብ ሕተቶ። IND ድማ መመልከቲኻ ብህጹጽ ክምስራሕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።

ኣስተውዕል ሕክምናዊ ህጹጽ ኩነት እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ፣ IND ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ስቕ ኢሉ ኣየቀላጥፎን እዩ። ኣብ ሶርያ ወይ ቱርኪ ዝርከብ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ዘጨንቕ ኩነታት ምስ ዝህሉው፣ ኣብ VWN ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ንማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ንመመልከቲኻ ንምቅልጣፍ ኣየኖት ኣማራጺታት ምህላዎም ሕተት።

ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝጠፍኡ ሰነዳት

ኣባል ስድራ-ቤትካ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣድለይቲ ሰነዳት ዝጠፍኦ ምስ ዝኸውን፣ IND ንናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሕቶኻ ክግምግም እንከሎ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ።

'Machtiging tot Voorlopig Verblijf' ምውሳድ

ካብ ቱርኪን ሶርያን ዝመጹ ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ኣብ ኣንካራ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ጥራይ እዮም ናቶም

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
'Machtiging tot Voorlopig Verblijf' (mvv)
ማለት ግዝያዊ መንበሪ ፍቓዶም ክወስዱ ዝኽእሉ።

ብሰንኪ ሳዕቤን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ግዚኡ mvv ክወስዱ ኣይክእሉን ድዮም? ስለዚ IND ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ። እቲ mvv ዝውሰደሉ ገደብ-ግዜ ድማ ካብ 3 ናብ 6 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ንዓኻ ሓጋዚ ድዩ?