
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk
ናይ ዩክሬን ዜግነት ዘይብልካ ክነስኻ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ናይ ዩክሬን ዜግነት ስለዘይብልካ ግዝያዊ ሓለዋኻ ኣብ 4 መስከረም ከቋርጽ ነይሩዎ ድዩ? ስለዚ ሓለዋኻ ኣየቋረጸን ኣሎ። ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ኩሎም ሳዕቤናት ኣብዚ ኣንብብ።
IND ሓለዋኻ ኣብቂዑ ከምዘሎ ዝገልጽ ወግዓዊ ደብዳቤ ሰዲዱልካ ኣሎ
IND ኣብ ኔዘርላንድ ሕጂ እውን ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ከም እትኽእል ዝገልጽ ደብዳቤ ሰዲዱልካ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ካብ IND ካልእ ደብዳቤ ተቐቢልካ ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ውሳኔ ይበሃል። IND ነቲ ግዝያዊ ሓለዋኻ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ዝገልጽ ደብዳቤ ድማ እዩ ነይሩ። ሕጂ ንግዚኡ ክትጸንሕ ከም እትኽእል ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ኣብነት ናይቲ ደብዳቤ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ክትረክብ ኢኻ።
IND እንታይ ከም ዝሰደደልካ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
ደብዳቤ ኣይተቐበልካን ዲኻ?
ንኩነትካ ብ DigiD ረኣዮ ደብዳቤ ኣይተቐበልካን ዲኻ? ስለዚ ኩነትካ ንምርኣይ ብናትካ DigiD እተው።
ብዛዕባ እዚ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ዝርከብ ናይ ምኽሪ ሰዓታትና ምጻእ ወይ ምስ VluchtelingenWerk ርከብ ግበር።
ሓለዋኻ ኣብ 4 መስከረም እንተድኣ ኣቋሪጹ ዝህልዉ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም፡
ውሳኔ ክሳብ ዝወስድ ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብቲ ካብ ዩክሬን ናይ ዝመጹ ስደተኛታት መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS)ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ስራሕካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መስርሕ ዝርከብ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ድማ፣ ካልኦት ዝተፈዩ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም።
ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ውሳኔ ምስ ሃበ። ካብ ኔዘርላንድ ንኽትወጽእ ገና 28 መዓልታት ኣለካ።
ሓለዋኻ ምስ ኣቋረጸ ዘለዉኻ ኣማራጺታትካ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም
ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክትብል ትኽእል
ምስ ምቁራጽ ሓለዋኻ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ይግባይ ምስ እትብል ጥራይ እዩ ድሕሪ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ምናልባት ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ክፍቀደልካ ዝኽእል። ይግባይ ኣይክትብልን ዲኻ? ስለዚ እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ንዓኻ ኣይምልከትን እዩ፣ ከምኡ እውን ሓለዋኻ ድሕሪ ውሳኔ ናይቲ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ ዝኾነ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ደው ይብል።
ኣስተውዕል፡ ንኽልቲኡ፣ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክትጅምርን ኣንጻር ምቁራጽ ግዝያዊ ሓለዋኻ ይግባይ ክትብልን ትኽእል ኢኻ።
ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል
ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት መሰል ኣለካ። ኣቀዲምካ ዑቕባ ንኸይትሓትት ወሲንካ ነይርካ፣ ኮይኑ ግን ሕጂ ዑቕባ ንምርካብ ምምልካት ክትቅጽሎ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቁጽሪ ተሌፎን 088 043 04 30 ናብ IND ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk፣ ከምኡ እውን ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ኣስተውዕል፡ ንኽልቲኡ፣ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክትጅምርን ኣንጻር ምቁራጽ ግዝያዊ ሓለዋኻ ይግባይ ክትብልን ትኽእል ኢኻ።
ናብ መበቆል ሃገርካ ወይ ናብታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ሃገር ክትምለስ ትኽእል
ናብ መበቆል ሃገርካ ወይ ናብታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ሃገር ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ደንቢ ዳግመ-ፍልሰት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ምጽናሕ
ይግባይ ኣይክትብልን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ድሕሪ ውሳኔ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ካብቲ እዋን እቲ ጀሚርካ ብዘይ ፍቓድ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለኻ። ፖሊስ ወጻእተኛታት ድማ ካብ ሃገር ንኽሰጒኻ መሰል ኣለዎም። ብዘይ መንበሪ ፍቓድ፣ መጽለሊ፣ ስራሕ ወይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል የብልካን። ናይ BSN ቁጽሪኻ፣ መድሕን ጥዕናኻን ናይ ባንክ ሕሳብካን ድማ ትስእን። ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ፣ እንተኾነ ግን ነዚ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።