ዜናዕዳጋ
ምንጪ፡ VluchtelingenWerk
ዜና
ናይ ዩክሬን ዜግነት ዘይብልካ ክነስኻ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ
ዝተሓትመሉ ኣብ: 31/8/2023 12:32 ድ.ቀ.

ናይ ዩክሬን ዜግነት ስለዘይብልካ ግዝያዊ ሓለዋኻ ኣብ 4 መስከረም ከቋርጽ ነይሩዎ ድዩ? ስለዚ ሓለዋኻ ኣየቋረጸን ኣሎ። ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ኩሎም ሳዕቤናት ኣብዚ ኣንብብ።

IND ሓለዋኻ ኣብቂዑ ከምዘሎ ዝገልጽ ወግዓዊ ደብዳቤ ሰዲዱልካ ኣሎ

IND ኣብ ኔዘርላንድ ሕጂ እውን ንነዊሕ እዋን ክትጸንሕ ከም እትኽእል ዝገልጽ ደብዳቤ ሰዲዱልካ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ካብ IND ካልእ ደብዳቤ ተቐቢልካ ኢኻ። እዚ ደብዳቤ ውሳኔ ይበሃል። IND ነቲ ግዝያዊ ሓለዋኻ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ዝገልጽ ደብዳቤ ድማ እዩ ነይሩ። ሕጂ ንግዚኡ ክትጸንሕ ከም እትኽእል ዝገልጽ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብዚ ኣብነት ናይቲ ደብዳቤ ብቋንቋታት ኔዘርላንድእንግሊዝን ክትረክብ ኢኻ።

IND እንታይ ከም ዝሰደደልካ ኣይትፈልጥን ዲኻ?

ደብዳቤኻ ኣብ 'mijn IND' ረኣይ

ደብዳቤ ኣይተቐበልካን ዲኻ?

ንኩነትካ ብ DigiD ረኣዮ
ደብዳቤ ኣይተቐበልካን ዲኻ? ስለዚ ኩነትካ ንምርኣይ ብናትካ DigiD እተው።

ብዛዕባ እዚ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ናብ ዝርከብ ናይ ምኽሪ ሰዓታትና ምጻእ ወይ ምስ VluchtelingenWerk ርከብ ግበር።

ርክብ ምስ VluchtelingenWerk
ናይ VluchtelingenWerk Nederland ዝርዝር መወከሲታትን ናይ ምኽሪ ሰዓታት ካርድን ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ሓለዋኻ ኣብ 4 መስከረም እንተድኣ ኣቋሪጹ ዝህልዉ ሳዕቤናት እዚኦም እዮም፡

  • ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS)
    ውሳኔ ክሳብ ዝወስድ ሕጂ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብቲ ካብ ዩክሬን ናይ ዝመጹ ስደተኛታት መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

  • ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ስራሕካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መስርሕ ዝርከብ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ድማ፣ ካልኦት ዝተፈዩ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም።

    ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ስራሕ ምቕጻል

  • ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ውሳኔ ምስ ሃበ። ካብ ኔዘርላንድ ንኽትወጽእ ገና 28 መዓልታት ኣለካ።

ሓለዋኻ ምስ ኣቋረጸ ዘለዉኻ ኣማራጺታትካ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም

  • ኣንጻር ውሳኔ ናይ IND ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ

ምስ ምቁራጽ ሓለዋኻ ዘይትሰማማዕ እንተድኣ ኮይንካ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ይግባይ ምስ እትብል ጥራይ እዩ ድሕሪ ውሳኔ ናይ ቤት-ፍርዲ ምናልባት ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ክፍቀደልካ ዝኽእል። ይግባይ ኣይክትብልን ዲኻ? ስለዚ እቲ ናይ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ንዓኻ ኣይምልከትን እዩ፣ ከምኡ እውን ሓለዋኻ ድሕሪ ውሳኔ ናይቲ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ ዝኾነ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ደው ይብል።

ኣንጻር ምቊራጽ መሰል ግዝያዊ ሓለዋ ይግባይ ምባል
ኣብዚ ገጽ ኣንጻር ደው ምባል ግዝያዊ ሓለዋ ይግባይ ክትብል ከም እትኽእል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቶም ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሮም ሰባት ዝምልከት እዩ።

ኣስተውዕል፡ ንኽልቲኡ፣ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክትጅምርን ኣንጻር ምቁራጽ ግዝያዊ ሓለዋኻ ይግባይ ክትብልን ትኽእል ኢኻ። 

  • ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል 

ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት መሰል ኣለካ። ኣቀዲምካ ዑቕባ ንኸይትሓትት ወሲንካ ነይርካ፣ ኮይኑ ግን ሕጂ ዑቕባ ንምርካብ ምምልካት ክትቅጽሎ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቁጽሪ ተሌፎን 088 043 04 30 ናብ IND ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk፣ ከምኡ እውን ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።  

ርክብ ምስ VluchtelingenWerk Nederland
ሰራሕተኛ ናይ VluchtelingenWerk Nederland ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣስተውዕል፡ ንኽልቲኡ፣ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክትጅምርን ኣንጻር ምቁራጽ ግዝያዊ ሓለዋኻ ይግባይ ክትብልን ትኽእል ኢኻ። 

  • ናብ መበቆል ሃገርካ ወይ ናብታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ሃገር ክትምለስ ትኽእል

ናብ መበቆል ሃገርካ ወይ ናብታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ ሃገር ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ደንቢ ዳግመ-ፍልሰት ተባሂሉ ይጽዋዕ።  

  • ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ምጽናሕ

ይግባይ ኣይትብልን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ድሕሪ ውሳኔ ናይ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ (RvS) ኣብ ኔዘርላንድ ትጸንሕ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣለኻ ማለት እዩ። ካብቲ እዋን ጀሚርካ ብዘይ ፍቓድ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለኻ። ፖሊስ ኢሚግሬሽን ድማ ካብታ ሃገር ንኽሰጎካ መሰል ኣለዎ።

ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ፍቓድ፣ መጽለሊ፣ ስራሕ ወይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል የብልካን። ዘለካ BSN፣ መድሕን ጥዕናኻን ናይ ባንክ ሕሳብካን ድማ ትስእን። ሕክምናዊ ክንክን ንኽትረክብ መሰል ኣለካ፣ ነዚ ግን ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር
ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምንባር ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?