ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ እንተድኣ ተነጺጉ፣ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚርካ ድማ ብዘይ ፍቓድ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለኻ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ መጽለሊ፣ ኣታዊን ክንክን ጥዕናን ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ሓበሬታ

ፖሊስ ወይ ኣስፈጻሚ ሕጊ፡ መን ኣብ ኣየናይ ጸገም ይሕግዝ?
ፖሊስን ኣስፈጸምቲ ሕጊን ኔዘርላንድ ውሕስቲ ኮይና ከም እትቕጽል የረጋግጹ። ሓደ ዓይነት ዕማማት የብሎምን። ፖሊስ እንታይ ይገብሩ፣ ኣስፈጸምቲ ሕጊ እንታይ ይገብሩ፣ ዝተፈላለዩ ጸገማት ብዝምልከት ምስ መን ክትራኸብ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ኢኻ።

ንምስራሕ ወይ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ተገዲድካ/ኪ? ብኸምዚ ሓገዝ ምርካብ ይከኣል
ክትሰርሕ፣ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም፣ ወይ ገንዘብ ከተረክብ ጸቕጢ ይስምዓካ/ኪ ድዩ? ሓደ ሰብ ዝቆጻጸረካ ምዃኑ ትፈርሕ ዲኻ? ስለዚ ምዝመዛ ዘጋጥመካ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል ንምፍላጥ ነዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

OVpay፡ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት ኣብ ኔዘርላንድ
OVpay ኣብ ኔዘርላንድ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት እዩ። OVpay እንታይ ምዃኑ፣ OV-pas ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ከምኡ እውን ኣብ መወዳእታ 2027 OV-chipkaart ምስ ኣቋረጸ እንታይ ከም ዝቕየርን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ፖሊስ ወይ ፖሊስ ወጻእተኛታት ደው እንተድኣ ኣቢሎምኻ ወይ እንተድኣ ኣሲሮምኻ እንታይ ይኸውን?
ብፖሊስ ወይ ብፖሊስ ወጻእተኛታት ተኣሲርካ ዲኻ ዘለኻ? ወይ ናብ መደበር ፖሊስ ክትከይድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ መሰልካ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ትደልይ ኢኻ። እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእልን፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ኣብኔዘርላንድ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮኻ ዝሕግዙኻ ውድባት
ናይ ኣእምሮ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ኣእምሮኣዊ ደገፍን ስንባደ ዘስዕቡ ፍጻመታት ኣብ ምምስራሕን ሓገዝ ንምርካብ፣ ኣበይ ክትውከስ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ እዚ ክትረኽቦ ኢኻ።

መጽለሊ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ ገዛ ንኽትረክብ ኣጸጋሚ እዩ። ክትከዶ እትኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት መዕቆቢ ድማ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ፖስታ ኣድራሻ የለን፣ ግን ከኣ ኣገደስቲ ደብዳቤታት: እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ ወይ ቀዋሚ ኣድራሻ የብልካን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ካብ IND፡ ካብ ቤት ማዘጋጃ ወይ ካብ ቤት ፍርዲ ኣገደስቲ ደብዳቤታት ክትቅበል ክትክእል ኣለካ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ እቶም ገና ፖስታ ንምቕባል ዚርከቡ ኣማራጺታት ከተንብብ ኢኻ።

ክንክን ጥዕና
ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ክንክን ጥዕና ንኽትረክብ ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ሕክምናዊ ኣድላይነት ዘለዎ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ምስራሕ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ እንተድኣ ነጺግዎ፣ ደጊም ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ኣለካ። ከምኡ ኣይትገብርን ዲኻ፣ ከምኡ እውን ብዘይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዲኻ እትመርጽ? ስለዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ። ከምዚ ኮይኑ እናሃልወ ክትሰርሕ እንተድኣ ፈቲንካ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ምዝመዛን ደቂ-ሰባት ናይ ምዃን ዓቢይ ሓደጋ ኣለካ።

ምትላል ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘብ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ ንኻልኦት ከታልሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። እዚ ድማ ምትላል ይበሃል። ዝኾነ ሰብ ግዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓድሽ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽአ ሰብ እውን። ስለዚ ምትላል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፣ እንታይ ዓይነት ምትላላት ከምዘለዉን፣ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።