
ነጻ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንዕለት 17 ሕዳር ብዩኒቨርሲቲ ግሮኒንገን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደሊ ግን ከኣ ኣብቲ ቋንቋ ተመኩሮ ዘይብልካ? ዩኒቨርሲቲ ግሮኒንገን ዝህቦ ነጻ ናይ ኦንላይን ኮርስ "መእተዊ ቋንቋ ኔርላንድ" ካብ 17 ሕዳር ይጅምር። እቲ ኮርስ ብእንግሊዝኛን ብፍላይ ድማ ንጀመርቲ ዝኸውን እዩ።
እዚ ኮርስ ንመን እዩ?
እዚ ኮርስ ንጀመርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክመሃሩ ዝደልዩ ዝተዳለወ እዩ። ኣቐዲምካ ምፍላጥ ኣየድልን።
እንታይ ትመሃር?
ኣብዚ ኮርስ/ትምህርቲ እዚ፡ ቀለልቲ ቃላትን ሓረጋትን ኔዘርላንድ ክትመሃሩ ኢኻ። ንኣብነት ካብእትመሃሮም፤
ንነብስኻ ምልላይ፤
ብዛዕባ ስድራቤት፣ ኣዕሩኽ፣ ስራሕን መፅናዕትን ቀለልቲ መዓልታዊ ዝርርባት ግበር፤
ባህልን ተመኩሮን ኔዘርላንድ ምፍላጥ
መሰረታዊ ቃላትን ሰዋስውን ኣብ መዓልታዊ ኩነታት ተግባራዊ ምግባር።
ስለምንታይ ኢኻ ክትሳተፍ ዘለካ?
እዚ ኮርስ እዚ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ምጥቃም ርእሰ ተኣማንነት ንኽትፈጥር ክሕግዘካ እዩ። ብናህርኻ ክትመሃር ኢኻ፡ ካብ ምኩራት መምህራን መምርሒ ክትቅበል ኢኻ፡ ካብ መዓልታዊ ህይወት ድማ ብግብራዊ ኣብነታት ክትለማመድ ኢኻ።
ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብሩ ወይ ኣብዚ ክመሃሩ ወይ ክሰርሑ ዝሓስቡ ጽቡቕ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።
ግብራዊ ሓበሬታ
ዝጅመረሉ ዕለት፡ 17 ሕዳር 2025።
ነቲ ስልጠና ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ኣብ ናይ ባዕልኻ ግዜ ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ ሰሙን ኣስታት 3 ሰዓታት ይወስድ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን ዝመጽኡ መምህራን ድማ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ክሕግዙኻ ድሉዋት እዮም።
መምሃሪ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ።
ነቲ ኮርስ ንምውሳድ በዚ ሊንክ ክትምዝገብ ኣለካ።
ኣብ መንጎ ትምህርቲ ናይ መጽናዕቲ ግዜኻ ክትውጥን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቋንቋ ንምልምማድ ሓጸርቲ ቪድዮታትን ልምምዳትን ዕዮታትን ኣሎ።
ኣስተውዕል: እዚ ነጻ ኮርስ ብተደጋጋሚ ዝወሃብ እዩ። ካብ 17 ሕዳር ክትጅምር እንተዘይክኢልካ ድሒርካ ዳግማይ ክትጽንበር ትኽእል ኢኻ።