ቤት ብኣቚሑት ምውቃብ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 13/3/2023 12:31 ድ.ቀ.
ኣብዚ ገጽ እዚ ንቤትካ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝሕግዙ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ።
ንኣቕሑት ገዛ ዝኸውን ገንዘብ ምልቃሕ
መብዛሕትአን ምምሕዳር ከተማታት ነቲ ናይ መጀመርታ ገዛኻ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝኸውን ልቓሕ ንኽትረክብ ይፈቕዳ እየን። እዚ ድማ ናይ ምውቃብ ልቓሕ ይበሃል። መጠን ናይቲ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝኸውን ልቓሕ ከከም ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።
ኣስተውዕል፡ እዚ ልቓሕ እዩ። ህያብ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ንኣቕሑ ገዛኻ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ክምለስ ኣለዎ።
ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ
ካብ ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ፣ ንገዛኻ ዝኸውን ብዙሕ ኣቑሑት ገዛን ካልኦት ነገራትን ብኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ ማለት ዝተለገሱ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ኣቑሑት ዝሸይጥ ድኳን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ ዝመጽእ ነገራት ካብ ካልኦት ድኳናት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ።