ምንጪ፡ Cottonbro Studio

ቤት ብኣቚሑት ምውቃብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:56 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብዚ ገጽ እዚ ንቤትካ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝሕግዙ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ።

ንኣቑሑት ገዛኻ ዝኸውን ገንዘብ ምልቓሕ

ኣብ መብዛሕትአን ምምሕዳራት ከተማ ነቲ ናይ መጀመርታ ገዛኻ ኣቑሑት ንኽትገብረሉ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ልቓሕ ኣቑሑት-ገዛ ይበሃል። መጠን ናይቲ ልቓሕ ኣቑሑት-ገዛ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።

እዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ልቓሕ እዩ። እዚ ማለት ኣብ መወዳእታ ነቲ ንኣቕሑት ገዛ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ክትመልሶ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ ነቲ ገንዘብ ትቕበሎ እሞ ክትመልሶ ድማ ኣየድልየካን። እዚ ብኸመይ ከም ዝዋደድ ንናትካ ተጸዋዒ-ሰብ ናይ ምምሕዳር ከተማ ሕተት።

ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ

ካብ ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ፣ ንገዛኻ ዝኸውን ብዙሕ ኣቑሑት ገዛን ካልኦት ነገራትን ብኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ ማለት ዝተለገሱ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ኣቑሑት ዝሸይጥ ድኳን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዱኳን መሸጣ ካልኣይ-ኢድ ዝመጽእ ነገራት ካብ ካልኦት ድኳናት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝሓሰረ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?