
ገዛ እንተሃልዩካ ነዚ ከዋድድ ኣለካ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/5/2023 1:02 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ገዛ ምስ ዝምደበልካ፣ ከትሳልጦም ዘለካ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ጸዓት ውዕል ክትገብር ኣለካ ከምኡ እውን ኣድራሻ ምቕያርካ ከትሕብር ኣለካ። ኣብዚ ገጽ እዚ ዝርዝር ናይ ኩሎም ክትገብሮም ዘለካ ነገራት ክትረክብ ኢኻ።
ንኣቕሑት ገዛ ዝኸውን ገንዘብ ምልቃሕ
መብዛሕትአን ምምሕዳር ከተማታት ነቲ ናይ መጀመርታ ገዛኻ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝኸውን ልቓሕ ንኽትረክብ ይፈቕዳ እየን። እዚ ድማ ናይ ምውቃብ ልቓሕ ይበሃል። መጠን ናይቲ ብኣቚሑት ንምውቃብ ዝኸውን ልቓሕ ከከም ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ።
ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ልቓሕ እዩ። እዚ ማለት ኣብ መወዳእታ ነቲ ንመሳለጥያ ዝተለቃሕካዮ ገንዘብ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ክትመልሶ ኣለካ ማለት እዩ። ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት ህያብ እዩ። ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ እዚ ብኸመይ ከም ዝዋደድ ሕተት።
ገዛ እንተሃልዩኒ እንታይ ከዋድድ የድልየኒ?
እዚ ክተዋድዶ ዘለካ ነገር እዩ፡
ክራይ
ኤሌክትሪክን ጋዝን
ማይ
ትሕዝቶ መድሕን
ቴሌቪዥንን ኢንተርነትን
ግብሪታት