ላዕለዋይ ትምህርቲ ምክትታል
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምክትታል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እቶም ደረጃታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምክትታል ብኸመይ ከም እትኸፍል እውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ
ኣብ ኔዘርላንድ ንተወሳኺ ትምህርቲ ዝኾኑ 3 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣለዉ፡
ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo)
ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ (hbo)
ኣካዳምያዊ ትምህርቲ (wo)
ኣየኖት ባህርያት ምስ ነፍስወከፍ ዓይነት ትምህርቲ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡
ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ናይ ምክትታል ቅድመ-ኩነት
ንኹሎም ብቋንቋ ኔዘርላንድ ዝካየዱ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዝምልከት
ሃገራዊ ፈተና NT2-IIክትሓልፍ ኣለካ። ብቋንቋ እንግሊዝ ንዝካየዱ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዝምልከት ወይ ክትሓልፍ ኣለካ።
ኣብ መበቆል ሃገርካ ዲግሪ እንተድኣ ረኺብካ፣ ብኣህጉራዊ ገምጋም ምስክር-ወረቐት (IDW) ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ገምጋም መሰረት ብምግባር፣ እቲ ተቕዋም HBO ወይ ኮለጅ እዚ እኹል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ።
ዲፕሎማ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ ወይ ዲፕሎማኻ እኹል እንተዘይኮይኑ ፈተና ክትወስድ ኣለካ: 21+ መእተዊ ፈተና።
ወጻኢታት ትምህርቲ
ንኽትመሃር ናይ ተማሃሮ ልቓሕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
ናይ ስደተኛ ወይ ስሩዕ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ።
ዕድሜኻ ኣብ ሞንጎ 18ን 30ን ዓመት ምስ ዝኸውን።
ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትጅምር እንተድኣ ኮይንካ፡ ከም MBO፣ HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝኣመሰሉ።
ኣብ
ኣስተውዕል፡ ናይ ትምህርቲ ምወላ ማለት ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንትምህርቲ ዝኸውን ገንዘብ ትልቓሕ ወይ ትረክብ ማለት እዩ። ንገለ ክፋል ናይቲ ናይ ትምህርቲ ምወላ ድማ ክትመልሶ ኣለካ።
ኣስተውዕል፡ ዕድሜኻ ልዕሊ 30 ዓመትን ትሕቲ 55 ዓመትን እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ንመምሃሪ ወይ ንክፍሊት ዝኸውን ገንዘብ ካብ DUO ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ undefinedLevenlanglerenkredietundefined ይበሃል።
ሓገዝቲ ውድባት
እዞም ውድባት ንኣብነት ብሓበሬታ ወይ (ክፋል) ወጻኢታት ናይ ትምህርትኻ ብዝምልከት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም፡
ዩኒቨርስታዊ ማዕከን ንስደተኛታት (Universitair Asiel Fonds - UAF)
kiesmbo.nl
Nuffic
Studiekeuze 123