
ንውህደት ስድራቤት ዝጠልብ ምልክታ ኣታዊ ንምግባር ክማልኡ ዘለዎም ኩነታት
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ምስ እትደልይ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ሕግታት ድማ ኣለዉ። ብዛዕባ እቶም ሕግታት ብዝምልከት ኣብዚ ገጽ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
ኣብ ዑቕባ ዝተመስረተ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ።
ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ (ንኣብነት፡ ሓዳር ወይ መጻምድቲ) ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምህዳምካ ዝነበረ ምስ ዝኸውን።
ኣስተውዕል፡ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ከተመልክት ኣለካ። እዚ ድማ ‘ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ገደብ-ግዜ’ ይበሃል።
መመልከቲኻ ንኽተቕርብ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ኣብ
ነዚኦም ዝስዕቡ ኣባላት ስድራ-ቤት ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከመልክት ትኽእል ኢኻ፡
በዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ መጻምድቲ። ልዕሊ 1 በዓልቲ-ቤት ኣለካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ን 1 በዓልቲ-ቤት ጥራይ ኢኻ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል።
ባህርያዊ ደቅኻን፣ ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣካል ናይታ ስድራ-ቤት ዝነበሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተናበይቲ ቆልዑት ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑት። እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተድኣ ተሪፉ፣ ውላድኩም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ።
ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ክሳብ ኣስታት 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ባህርያዊ ደቅኻን፣ ተናበይቲ ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑትን፣ እንተድኣ ኩሉ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኮይኖምን፣ ዘይተመርዓዉ ወይ ዝምድና ዘይብሎም ምስ ዝኾኑን። ሓደ ሓደ ግዜ ልዕሊ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ይፍቀደሎም እዩ።
ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ድዩ?
ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጻእካሉ እዋን ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ ነይርካ? ከምኡ እውን ብዘይ ወለዲ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ነዞም ዝስዕቡ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
ባህርያዊ ኣቦኻ ን/ወይ ኣዴኻ።
መዕበይቲ ወይ ናበይቲ ወለድኻ። እዚ መመልከቲ ገንዘብ ይሓትት እዩ።
ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትካ ን/ወይ ኣሓትካ። እዚ መመልከቲ ገንዘብ ይሓትት እዩ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ በጽሒታት ኣሕዋት ን/ወይ ኣሓት ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽ እውን ትኽእል ኢኻ። እዚ መመልከቲ ገንዘብ ይሓትት እዩ።