
ቅድመ-ኩነታት ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤት) ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
መጻምድትኻ ወይ ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ እንተድኣ ደሊኻ፣ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ቅድመ-ኩነታት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት
ናይ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ነዞም ዝስዕቡ ጥራይ ኢኻ ከተመልክት እትኽእል፡
መጻምድትኻ/ኺ ወይ በዓልቲ-ቤትካ/ኪ፣ ትሕቲ ዕድመ ውላድካ፣ ከምኡ እውን 'ጽግዕተኛኻ' ዝኾነ ልዕሊ ዕድመ ውላድካ። እዚ ማለት እቲ ልዕሊ ዕድመ ውላድካ (ብፋይናንስ) ኣባኻ ጽግዕተኛ እዩ ማለት እዩ፤
ንባህርያዊ ወላዲኻ(ወለድኻ)፣ እንተድኣ ከም ብዘይ ወለድኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ።
ን1 ካብዞም ኣባላት ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ፣ ነዚ ብኸመይ ከም እትብገሮ ንምፍላጥ ኣብ ታሕቲ ንዘርከብ ደረጃ ብደረጃ ዝገልጽ መርሓ-ውጥን ኣንብብ።
ኣስተውዕል፡ መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ዲኻ፣ ንሓውኻ ወይ ንሓፍትኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ድማ ትደሊ ዲኻ? ወይ ንኻልእ ኣባል ስድራ-ቤትካ? ስለዚ ካልእ ፍሉይ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት መመልከቲ ከተቕርብ ኣለካ፡ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ ዕድመ ቆልዑት ብመሰረት ።
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከት ሓበሬታዊ ጽሑፋት ዝሓዘ ማህደር
መጀመርታ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝያዳ ከተንብብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ነቲ ኣንብብ። እዚ ሓበሬታዊ ጽሑፍ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ዓረብ፣ ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ሶማል፣ ትግርኛ፣ ከምኡ እውን ቱርኪ ይርከብ።
ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ፤
ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣካል ናይ ስድራ-ቤትካ ምስ ዝኸውንን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር እውን ኣካል ናይ ስድራ-ቤትካ ዝነበረ እንተድኣ ኮይኑን፤
ኣባል ስድራ-ቤትካ ገበናዊ ጥሕሰት ወይ ገበን ዘይፈጸመ ምስ ዝኸውን፤
ንስኻ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ 'ወግዓዊ ዓዳሚ' ምዃንካ ምስ እትገልጽ። ወግዓዊ ዓዳሚ፣ እቲ ንኣባል ስድራ-ቤቱ ናብ ኔዘርላንድ ከምጽእ ዝደልይ ሰብ (ኣመልካቲ) እዩ።
ኣስተውዕል፡ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልካ፣ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። እዚ 'ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ገደብ-ግዜ' ይበሃል። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይሰልጠካን እዩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ዘጽደቐሉ እዋን ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣበይ ከምዘሎ ዘይትፈልጥ ክነስኻ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ስለዘለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኩሉ እቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምምልካት ዘድሊ ሰነዳት ገና ዘይብልካ ክትውከን ትኽእል። ስለዚ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኩነታት ከየመልከትካ ኣይትጸበይ፣ የግዳስ ከምኡ ኮይኑ እናሃለወ ኣብ ውሽጢ እቲ 3 ኣዋርሕ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ገደብ-ግዜ ኣመልክት። IND ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ምምስራሕ ክሳብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ እዩ ይወስድ። ስለዚ ሽዕኡ ነቲ ዘድልየካ ሰነዳት ንምእካብ ምናልባት ገና እኹል ግዜ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ፣ ገና ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ዲኻ? ስለዚ ናብ IND ደዊልካ ነቲ መመልከቲ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከተቕርብ ከምዘይትኽእል ኣቀዲምካ ኣፍልጦም።
ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ክሳብ 1 ሚያዝያ 2026፣ መመልከቲኻ ኣብ ምቕራብ እንተድኣ ደንጉኻ፣ IND ብዙሕ ጽኑዕ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብ ዝግበር ብዛዕባ ሓደስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታት ዝምልከት ሓገዝ ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ ስለዘቋረጸ እዩ። መመልከቲኻ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ከተቕርብ ፈትን። ከምኡ እውን ነቲ መመልከቲ ከተቕርብ እንከለኻ፣ ኣብቲ ቅጥዒ ደንጉኻ ከም ዘለኻን፣ እዚ ድማ VWN ብዛዕባ መመልከቲኻ ክሕግዘካ ስለዘይከኣለን ምዃኑን ሓብር። ኮይኑ ግን ድሕሪ 1 ሚያዝያ 2026 ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣገዳሲ እዩ። ዋላ ገና ኩሉ ዘድሊ ሰነዳት ዘይብልካ ምስ እትኸውን፣ ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይትፈልጥ እንተድኣ ኮይንካ እውን ኣመልክት። መመልከቲኻ ኣብ ግዚኡ ኣቕርብ!
ነዚኦም ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከመልክት ትኽእል
በዓል/ቲ-ቤትካ/ኪ ወይ መጻምድትኻ/ኺ
ካብ 1 ንላዕሊ በዓልቲ-ቤት ወይ በዓል-ቤት ድዩ ዘለካ/ኪ? ስለዚ ን1 ካብኣቶም ጥራይ ኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጥርነፍ እትኽእል። በዓልቲ-ቤትካ ወይ በዓል-ቤትኪ ድማ ልዕሊ ዕድመ ክትከውን/ክኸውን ኣለዋ/ዎ።
ባህርያዊ ደቅኻ፣ ተናበይቲ ደቅኻ ወይ ዝተራዕሙ ደቅኻ
ውላድካ ብዕድመ ዝዓበየ ብዝኾነ መጠን፣ ናብ ኔዘርላንድ ናይ ምምጻእ ተኽእሎኡ ይንኪ። IND ውላድካ ክሳብ ክንደይ ኣብ ናትካ ክንክን ጽግዕተኛ ምዃኑ ይግምግም። ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ዝምልከቱ ሕግታት ጥጡሓት እዮም። ናብ ኔዘርላንድ ክትመጽእ እከለኻ ገና 18 ዓመት ዘይነበረ ቆልዓ፣ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ መሰል ኣለዎ። ናብ ኔዘርላንድ ክትመጽእ እከለኻ ውላድካ ድሮ ልዕሊ 18 ዓመት ስለዚ ድማ ልዕሊ ዕደመ (በጽሒ) ድዩ ነይሩ? ስለዚ IND ኣብ እትገብረሉ ክንክን ጽግዕተኛ ገይሩ ዝቖጽሮ፣ ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእካ ድሮ ኣባኻ 'ጽግዕተኛ' ዝነበረን፣ ሕጂ እውን ኣባኻ ጽግዕተኛ ምስ ዝኸውንን ጥራይ እዩ። እዚ ማለት ንልዕሊ ዕደመ ውላድካ ገና ብፋይናንስ ትድግፎ ኣለኻ፣ ወይ ድማ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ንልዕሊ ዕደመ ውላድካ ብፋይናንስ ክትድግፎ እትኽእል ማለት እዩ።
IND ምስቲ ቆልዓ ዝነበረካ 'ስድራ-ቤታዊ ዝምድና' እንተድኣ ተበቲኹ፣ ምስቲ ቆልዓ ናይ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዘቕረብካዮ ሕቶ ክነጽጎ እዩ። እዚ ንኣብነት ውላድካ ብመርዓ ወይ ብናይ ሓዳር ዝምድና ኣቢሉ ናይ ገዛእ-ርእሱ ስድራቤት እንተድኣ ኣቚሙ እዩ። እዚ ቆልዓ ገና ትሕቲ ዕድመ እንተድኣ ኮይኑ ግን ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ገና ከም ኣካል ስድራ-ቤትካ እዩ ዝቑጸር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኔዘርላንድ ንመውስቦ ሕጻናት ኣፍልጦ ስለዘይትህብ እዩ።
ውላድካ ልዕሊ ዕድመ ድዩ፣ ግን ድማ ደጊም ኣይትድግፎን ዲኻ? ስለዚ እቲ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከም 'ዝተበትከ' እዩ ዝቑጸር።ወላዲት ትሕቲ ዕድመ ውላድካ ወይ ደቅኻ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድያ ትነብር? ከምኡ እውን ነታ መጻምድትኻ (ነበር) ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይተመልክተላን ዲኻ? ስለዚ መጻምድትኻ (ነበር) ደቅኹም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸዱ ፍቓድ ክትህብ ኣለዋ።
ከም መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ (AMV) ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ?
ስለዚ ዋላ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ በጽሒ ሰብ እውን እንተኾንካ፣ ምስ ባህርያዊ ወለድኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናይ ምግባር መሰል ኣለካ። ኣብ ሞንጎ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንስኻ ከም በጽሒ ሰብ (ኣብ ኔዘርላንድ) ናይ ሓዳር ዝምድና ጀሚርካ ዲኻ? ስለዚ ሽዕኡ IND እቲ ምስ ወለድኻ ዝነበረ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ከም ዝተበትከ ክውስን ይኽእል እዩ።
ምናልባት ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት እውን ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ይኽእሉ
ከም መሰነይታ ዘይብልካ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛ ዲኻ ንወለድኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ተመልክት ዘለኻ? ስለዚ ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንኽትገብር እውን መሰል ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ምስቶም ኣብ ወለድኻ ጽግዕተኛታት ዝኾኑ በጽሒታት ማለት ልዕሊ ዕድመ ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ እውን።
ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት፣ ከም በጽሒ ሰብ ማለት ልዕሊ ዕድመ፣ ካብ መጻምድትኻን ደቅኻን ወጻኢ ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ንኣብነት ምስ ወለድኻ እውን ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ዝከኣል ልዕሊ 18 ዓመት ምስ እትኸውንን፣ ወለድኻ ኣባኻ ጽግዕተኛታት ምስ ዝኾኑን እዩ። ወይ ብግልባጡ፡ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድመኻ በጽሒ ሰብ እንተድኣ ኮይንካን፣ ግን ድማ ገና ኣብ ወለድኻ ጽግዕተኛ ምስ እትኸውንን።
ነዚኦም ኣባላት ስድራ-ቤት ካልእ ፍሉይ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ከተቕርብ ኣለካ። ።