ሰባት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ተኣኪቦም ኣብ ታብሌቶም ይሰርሑ ኣለዉ
ምንጪ፡ Fauxels

ናይ ኔዘርላንድ ናይ ስራሕ ባህሊ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:45 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ዲኻ? ስለዚ ድማ ምስ ባህሊ ስራሕ ናይ ኔዘርላንድ ትላለይ። እዚ ካብቲ ዝለመድካዮ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ እንተኾይንካ ንምፍላጡ ኣገዳሲ

ባህሊ ስራሕ ናይ ኔዘርላንድ ብሓፈሻኡ ዘይወግዓዊ፣ ዝተወደበ፣ ቀጥታዊን ኣብ ሞንጎ ስራሕን ግላዊ ህይወትን ጽቡቕ ሚዛን ዘለዎን እዩ።

ኣብ ታሕቲ ነፍስወከፍ ቃል እንታይ ማለት ምዃኑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ዘይወግዓዊ

ናይ ኔዘርላንድ ናይ ስራሕ ቦታታት ዘይወግዓዊ ናብ ምዃን ዘዘንበሉ እዮም። ንሓደ ተቖጻጻሪ ወይ ሓላፊ ሕቶታት ምሕታት ዘይልሙድ ኣይኮነን፣ ኩሎም ርእይቶታት ድማ ብሓንጎፋይ ዝተባብዑ እዮም። ኔዘርላንዳውያን ንማዕርነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ገይሮም ይቖጽርዎ፣ ዋላ ኣብ መንጎ ኣመሓደርቲ፣ ተቖጻጸርትን ሰራሕተኛታትን እውን ከይተረፈ።

ዝተወደበ

ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር መደባትን ስምምዓትን ዝኽተል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት እውን "ውዕል ውዕል እዩ" ክብሉ ይፈትዉ እዮም። እዚ ማለት ስምምዓት ኣገደስቲ እዮም ማለት እዩ። ናይ ስራሕ ስምምዓት እንተገይርካ፣ መሳርሕትኻን ሓላፊኻን ንኸትኽብሮም ይጽበዩኻ እዮም።

ሓደ ስምምዕ ንኸተኽብር እንተዘይክኢልካ፣ ብዛዕባ እዚ ምስ መሳርሕትኻ ተዘራረብ። ንኣብነት ክትድንጉይ እንተድኣ ኮይንካ ብእዋኑ ኣፍልጦም። ወይ ድማ ዕማማትካ ንኽትውድእ ኣዝዩ ትሑዝ እንተኾንካ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓላፊ ክፈልጦ ይደልይ እዩ፣ ምእንቲ ብሓባር ብምዃን ፍታሕ ክትረኽቡ።

ቀጥታ

ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣዝዮም ብቐጥታ እዮም ዝዛረቡ። እዚ ከም ሕያዋይ ዘይምዃን ኮይኑ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ ዘይሕያዋይ ንምዃን ዝዓለመ ኣይኮነን። የግዳስ ብንጹር ንምርድዳእ ብምዕላም ጥራይ እዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ቀጥታዊ ሕቶ እንተድኣ ሓቲቱ ኣይትሰናበድ።

ሓደ መሳርሕቲ፣ "ክሳብ ሕጂ ስራሕካ ኣይወዳእካን ዲኻ?" ወይ "ደሓን ዲኻ?" ኢሉ እንተድኣ ሓቲቱ፣ እቲ መሳርሕቲ ቀጥታውን ቅኑዕን መልሲ እዩ ዝጽበይ፣ እዚ ድማ ምእንቲ ክሕግዘካ እዩ። ወይ ድማ መሳርሕትኻ ናይ ባዕሉ ስራሕ ብጽቡቕ ንኽሰርሕ ዘድልዮ ሓበሬታ ምእንቲ ክረክብ እዩ።

ሚዛን ስራሕ/ህይወት

ኔዘርላንዳውያን ናይ ስራሕን ናይ ገዛ ህይወትን በበይኑ እዮም ዝሕዝዎም። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ፣ ሰባት (መብዛሕትኡ ግዜ) ደጊም ንኢ-መይል ወይ ቴለፎን ኣይምልሱን እዮም። ብዘይካ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ጉዳይ ምስ ዝኽውን። ብዛዕባ እዚ ምስ ሓላፊኻ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።  

ኣብ ኔዘርላንድ መደበኛ ናይ ስራሕ ሰሙን እንተበዝሐ 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ዝሓዘ እዩ። ብዙሓት ሰባት ትሕቲ 5 መዓልታት ክሰርሑ ይመርጹ እዮም። ሽዕኡ ንገዛእ-ርእስኻ ወይ ንስድራ-ቤትካ ዝያዳ ግዜ ትረክብ። ምስ ኣስራሒኻ እትገብሮ ውዕል ኣብ ሰሙን ክንደይ ሰዓታት ከም እትሰርሕን፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣየኖት መዓልታት ከም እትሰርሕን ይገልጽ እዩ። ስለዚ ድማ ንውልቃዊ ህይወትካ ዝኸውን ክንደይ ግዜ ከም ዝተረፈካ ትፈልጥ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?