ስራሕ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ የኽእለካ። ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ብዛዕባ ስራሕ ምርካብን ባህሊ ስራሕ ኔዘርላንድን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

መርሓ ውጥን (3)

    ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ክትሰርሕ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ስራሕ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ ስራሕ ምድላይን ንስራሕ ምምልካትን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3
  4. 4

    ኣብ ኔዘርላንድ ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ትካል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ከምኡ ከም እትገብር ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3

    ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኦም ሰባት ዓመታዊ መመልከቲ ግብሪ ከቕርቡ ኣለዎም። ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካ ወይ ክምለሰልካ ከም ዘለዎ ንኽቕምሩ ምእንቲ ክኽእሉ፣ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ንበዓል-መዚ ግብሪ ትሕብር። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ እንታይ ሓበሬታ ከም ዘድልየካን ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3

ሓበሬታ

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተሰጒግካ ወይ ውዕልካ እንተድኣ ዘይተናዊሑ እንታይ መሰላት ኣለካ?

ካብ ስራሕ እንተድኣ ተባሪርካ ወይ ግዝያዊ ውዕልካ ከይተሓደሰ እንተድኣ ተዛዚሙ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተወሰኑ መሰላት ኣለዉኻ። እንታይ ክትረክብ መሰል ከምዘለካን፣ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ወይ ስራሕ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብዚ ዘመን እዚ ትካላትን ኣስራሕቲን ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝምልከት ሓበሬታ ብቐንዱ ብኢንተርነት እዮም ዝዝርግሑ። ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ትደልይ እንተድኣ ኣለኻ ኮይንካ፣ ኣብ ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ምድላይ ኣበይ ብዝበለጸ ክትጅምር ከም እትኽእል ድማ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ስራሕ ኣለዉ

ስምምዕ ወይ ውዕል ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ወይ ትካላት ዝግበር ወግዓዊ ስምምዕ እዩ። እቲ ውዕል፣ እቶም ሰባት ወይ ትካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎምን፣ መሰላት ነፍስወከፍ እንታይ ምዃኑን ዝጠቕስ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ስራሕ ይፍጽም ወይ ፍርያት የቕርብ፣ እቲ ካልእ ድማ ናይዚ ኣምሳያ ይኸፍሎ። ውዕል ስራሕ ወይ ስምምዕ ስራሕ እንታይ ምዃኑን፣ ኣየኖት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ከምዘለዉን ኣብዚ ዓንቀጽ ከነብርሆ ኢና።

ዓንቀጽ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

እንተድኣ ሓሚምካን ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእልን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እንተድኣ ሓሚምካ፣ ምሕማምካ ንኣስራሒኻ ትሕብር። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሕማምን ስራሕን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። መሰላት ኣለካ፣ ግን ድማ ግዴታታት እውን ኣለካ። ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ዓንቀጽ

ዝያዳ ወይ ሒደት እንተድኣ ኮይንካ ክትሰርሕ ብፋይናንስ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ዝያዳ ወይ ሒደት ዲኻ ክትሰርሕ? ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ደው ከተብል ዲኻ? ስለዚ ክዋደዱ ዝግባእ ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኩነታት ስራሕካ ምስ ዝቕየር እንታይ ከተዋድድ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ ዝፍቀደልካ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብቐጥታ ናብ ኣስራሒ ከተመልክት ወይ ድማ ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ክትደልይ ትኽእል ኢኻ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝሰማማዓካ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘካ። ብመንገዲ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ስራሕ ምድላይ ብዝምልከት ኣብዚ ዓንቀጽ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣስራሒኻ መዓስ እዩ ከባርረካ ዝፍቀደሉን መዓስ ድማ ከምኡ ክገብር ዘይፍቀደሉን?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓደ ኣስራሒ ካብ ስራሕ ጥራይ ከባርረካ ኣይፍቀደሉን እዩ። ነዚ ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ኣስራሒኻ ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ምኽንያት ክህልዎን ቅኑዕ ስጉምትታት ክኽተልን ኣለዎ። እዚ ጽሑፍ እዚ መዓስ ምብራር ከም ዝፍቀድን መሰላትካ እንታይ ምዃኑን ይገልጽ።

ዓንቀጽ

ስራሕ ምስ ዝህልወካን ምስ እትሓምምን ዘለካ መሰላት

ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ዝተፈላለዩ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፣ ንኣብነት ብሰንኪ ሓደጋ ወይ ሃልኪ። ስለዚ ሽዕኡ እንደገና ናብ ስራሕ ንኽትምለስ ምስ ሓኪም-ትካል ውጥን ትገብር።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር