ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ሓደ ሰብ ናይ ግብሪ ቅጥዒ ይመልእ
ምንጪ፡ Nataliya Vaitkevich

ግብሪ ምኽፋል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/2/2024 6:26 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ወይ ጥቕሚታት ትረክብ እንተድኣ ኮይንካ ግብሪ ትኸፍል። ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ግብሪ ኣታዊ ከተፍልጥ ኣለካ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ግብሪ ምቕማር

ካብ ኣታዊኻ ግብሪ ክትከፍል ኣለካ። ምስ ኣስራሒ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ግብሪ ብኣውቶማቲክ ካብ ደሞዝካ እዩ ዝኽፈል። እዚ ደገፍ ጥቕሚታት ትረክብ ምስ እትኸውን እውን ብኣውቶማቲክ እዩ ዝኸውን። በዓል ዋኒን እንተድኣ ኮይንካ ባዕልኻ ክትቅምሮን ግብሪ ክትከፍልን ኣለካ።

ኣታዊኻ ንበዓል-መዚ ግብሪ ምፍላጥ

ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ በዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ኣታዊኻ ዝምልከቱ መረዳእታታት ብዲጂታላዊ ክትመልእ ክሓቱኻ እዮም። እዚ ድማ 'belastingaangifte' ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዓመታዊ ኣብ መንጎ 1 መጋቢትን 1 ሚያዝያን ክትገብሮ ኣለካ። በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣታዊኻ እኹል ግብሪ ዝኸፈልካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይቕምሮ። ሓደ ሓደ ግዜ ተወሳኺ ክትከፍል ኣለካ ወይ ድማ ተመላሲ ገንዘብካ ትቕበል።

በዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ 'belastingaangifte' ክትመልእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብዝምልከት ብመስመር ሓበሬታ ግብሪ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ፡ (0800) 05 43። ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ካብ ሰዓት 08፡00 ክሳብ 20፡00 ከምኡ እውን ዓርቢ ካብ ሰዓት 08፡00 ክሳብ 17፡00 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ገንዘብ ምምላስ

ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ኣታዊ እንተድኣ ከፊልካ፣ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ ገንዘብ ክምለሰልካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ 'belastingteruggave' ይበሃል።

'M-ፎርም'

ንገለ ክፋል ናይቲ ዓመት ኣብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ (AZC) ትነብር እንተድኣ ኮይንካ፣ ነቲ 'M-ፎርም' ዝበሃል ተጠቒምካ 'belastingteruggave' ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ 'M-form' ኣብ ዓመት ናይ ስደት ወይ ኢሚግረሽን እትመልኦ ቅጥዒ እዩ።

ከም ንቡር ኣሰራርሓ፣ ነቲ 'M-ፎርም' ክሳብ 1 ሓምለ ናይቲ ዝቕጽል ዓመት ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ኔዘርላንድ ከተረክቦ ኣለካ። ኣስተውዕል፡ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ተመላሲ ገንዘብ ከም ኣታዊ ዝርእዮ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምምሕዳር ከተማ ነዚ ካብቲ ናትካ ማሕበራዊ ደገፍ ጥቕሚ ክቖርጾ እዩ። ቅድሚ ነቲ ቅጥዒ ምምላእካ ንምምሕዳር ከተማ ተወከስ።

ግብሪ ካብ ደሞዝካ

ምስ ኣስራሒ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ገለ ክፋል ናይ ደሞዝካ ብኣውቶማቲክ ንመንግስቲ ትኸፍል። እዚ ድማ ናይ ኣታዊ ግብሪ ይበሃል። መጠን ናይቲ ክትከፍሎ ዘለካ ግብሪ ድማ ኣብ ብዝሒ ናይ ኣታዊኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣታዊኻ ብዝለዓለ መጠን ድማ ዝያዳ ግብሪ ክትከፍል ኣለካ።

እዚ መጠን ክትከፍሎ ዘለካ ግብሪ እዩ

  1. ኣብ ዓመተ 2024 ካብ € 0,- ክሳብ € 75.518,- ሓፈሻዊ ኣታዊ እንተድኣ ረኺብካ፣ ካብ ደሞዝካ 36,97 ሚእታዊት ግብሪ ክትከፍል ኣለካ።

  2. ኣብ ዓመተ 2024 ልዕሊ € 75.518,- ኣታዊ ዲኻ ትረክብ? ስለዚ ናይቲ ልዕሊ € 75.518,- ካብ ደሞዝካ 49.50 ሚእታዊት ግብሪ ትኸፍል።

ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ

ኣብ ኔዘርላንድ ተቖጺርካ ዲኻ እትሰርሕ? ስለዚ ካብ ግብሪ ደሞዝካ ቅነሳ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ሓፈሻዊ ቅነሳ ግብሪን ቅነሳ ግብሪ-ዕዮን ኣለዉ። ነዞም ቅነሳታት ብሓባር ድማ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ኢልና ንጽውዖም። ነዚ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንምርካብ ካብ ኣስራሒኻ ወይ ብመንገዲ መዓል-መዚ ግብሪ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣስራሒኻ ውሑድ ግብሪ ይኸፍል፣ በዚ ድማ ዝያዳ ​​ደሞዝ ትረክብ።

ናትካ ቅነሳ ግብሪ-ዕዮ ብመሰረት ኣታዊኻ እዩ ዝቕመር። እቲ ዝለዓለ ገደብ ቅነሳ ግብሪ-ዕዮ ኣብ ዓመት € 5,052 እዩ። € 37,697 ወይ ልዕሊኡ ኣታዊታት ምስ ዝህልወካ ድማ እቲ እትረኽቦ ቅነሳ ግብሪ-ዕዮ እናነከየ ይኸይድ። ስለዚ እቲ ዝምልከተካ መጠን ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ኣብ ብዝሒ ደሞዝካ ዝምርኮስ እዩ።

ኣስተውዕል፡ ኣብ ሓደ እዋን ንሓያሎ ኣስራሕቲ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ካብ 1 ኣስራሒ ጥራይ ኢኻ ቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል። ንቅነሳ ግብሪ-ደሞዝ ኣብ ጥቕሚ ከተውዕሎ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ንኣስራሒኻ ሓብር።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?