ገንዘብ

ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትሰርሕ፣ ገንዘብ ክትረክብ ትጅምር። ስራሕ ክሳብ እትረክብ ድማ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣታዊኻ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

መርሓ ውጥን (1)

    ኣብ ኔዘርላንድ ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲ ግብሪ ምቕራብ

    3 steps

    ኣብ ኔዘርላንድ መብዛሕትኦም ሰባት ዓመታዊ መመልከቲ ግብሪ ከቕርቡ ኣለዎም። ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካ ወይ ክምለሰልካ ከም ዘለዎ ንኽቕምሩ ምእንቲ ክኽእሉ፣ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ንበዓል-መዚ ግብሪ ትሕብር። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ እንታይ ሓበሬታ ከም ዘድልየካን ኣብዚ መርሓ ውጥን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

  1. 1
  2. 2
  3. 3

ሓበሬታ

ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ይርከብ?

ስራሕ ዘለካን ነፍስወከፍ ወርሒ ትኽፈልን እንተድኣ ኮይንካ፣ ተቖጺርካ እትሰርሕ ሰራሕተኛ ኢኻ። ስለዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ካብ ኣስራሒኻ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደሞዝካ ብኸመይ ከም ዝቖመ ሓፈሻዊ ርድኢት ይህበካ። እዚ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝ፣ ክንደይ ደሞዝ ከም እትቕበል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክንደይን ናይ ምንታይን ግብሪ ከም እትኸፍል እውን ዘርእይ እዩ። ኣብ ጸብጻብ ቅብሊት ደሞዝካ እንታይ ካልእ ነገራት ከም ዝርከብን፣ እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ሕሳብ ባንክ ምኽፋት

ኣብ ኔዘርላንድ ሕሳብ ባንክ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ደሞዝካ ወይ ጥቕምታትካ ብእኡ ኢኻ ትቕበሎ፣ ዝኽፈሉ ሕሳባትካ ብእኡ ትኸፍል፣ ከምኡ እውን ብኢንተርነት ክትዕድገሉ ትኽእል። ኣብዚ ዓንቀጽ ብኸመይ ሕሳብ ባንክ ከም እትኸፍትን እንታይ ከተቕልበሉ ከምዘለካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኩነታት ስድራ-ቤትካ ምስ ዝቕየር ብፊናንሳዊ መዳይ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ኩነታት ስድራ-ቤትካ እንተድኣ ተቐይሩ፣ እዚ ኣብ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብሓባር ትነብር፣ ትምርዓው፣ ውላድ ትወልድ፣ ትፈላለይ፣ ወይ መጻምድቲ ብሞት ዝተፈለየትካ ምስ እትኸውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ስድራ-ቤትካ ዝተፈላለየ ለውጢታት ምስ ዘጋጥም እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ምምልካት

ስራሕ የብልካን ድዩ፣ ከምኡ እውን ንመነባብሮኻ ዝኸውን እኹል ኣታዊ ወይ ኣብ ባንኪ ገንዘብ የብልካን ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ገንዘባዊ ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ። እዚ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ወርሓዊ ክፍሊት እዩ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት

ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ሽቕለት ኣልቦ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ እዚ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ 'WW-uitkering' ይበሃል። ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ስራሕካን ሓድሽ ስራሕካን ንዝጠፍእ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝዓለመ ግዝያዊ ደገፍ እዩ።

ዓንቀጽ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ንጡረታኻ ምውህላል ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ መሰረታዊ ጡረታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ተወሳኺ ጡረታ እውን ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ፣ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ንደሓር ክትረኽቦ እትኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ምውህላል ጡረታ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር