ቀይሕ ልቢ ዘለዋ ስቴቶስኮፕ

ሓበሬታን ክንክንን ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:45 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንጾታዊነት ዝምልከት ክንክንን ሓበሬታን ትደልይ ዲኻ? ንኣብነት ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት። ብዛዕባ ክንክንን ሓበሬታን ኣብ መዳይ ጾታዊነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ።

ጾታዊ ጥዕና ብዛዕባ ኣካልካን ስምዒትካን እዩ

ጾታዊ ጥዕና ማለት ኩሉ ሰብ ባህታ ዝመልኦን ውሑስን ጾታዊ ተመኩሮታት ዝህልዎን፣ ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ስምዒት ዝስምዖን ምዃን ማለት እዩ። ንጾታዊነት ብዝምልከት፣ ጾታዊ ጥዕና ምስ ኣካልካን ስምዒታትካን  ዝተሓሓዝ እዩ። ንብዙሓት ዛዕባታት ዝምልከት ድማ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ፡ 

  • ውሑስ ጾታዊ ርክብ

  • ምጥናስን፣ ንዓኺ ባህ ብዝብለኪ ኣገባብ ምጥናስን

  • ኣብ ዝምድና ብስምዒታዊ መዳይ ጽቡቕ ዝስምዓካ ምዃን

  • ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምርዳእን፣ ንጾታዊ ርክብ ፍቓድ ምሃብን

  • ጾታዊ ክንክንን ሓበሬታን ንስግረ-ጾታውያን ዝኾኑ ሰባት

ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዛዕባ መዳይ ጾታዊነት ዝያዳ ሕቶታት ዘልዕሉ ዛዕባታት ክንድህስስ ኢና። እዚኦም ድማ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዘይተደልየ ጥንሲን እዮም።

ውሑስ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ

ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከይትሓምም፣ ከይተጥንስ ወይ ንባዕልኺ ከይትጠንሲ ትደልይ/ዪ ዲኻ/ኺ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ኣለኩም። ውሑስ ጾታዊ ርክብ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልካ፣ ከምኡ እውን ዘይተደልየ ጥንሲ ንኸየጋጥመኪ ወይ ድማ ዘይተደልየ ንኸይተጥንስ ዝከላኸል ጾታዊ ርክብ እዩ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) ንኸይትሓምም ድማ ይከላኸል። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) ውሑስ ዘይኮነ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽም ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎም እትኽእል ተላባዕቲ ሕማማት እዮም።

ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ውሕስነት ንኽስምዓኩም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡

  • ዘይትደልይዎ ነገር ኣይትግበሩ፣ ከምኡ እውን እትደልይዎ ነገር ግበሩ። 

  • ንመጻምድትኻ/ኺ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትደልይ ምዃናን ዘይምዃናን ሕተት።

  • ጥንሲ ን/ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ብሓባር እንታይ ከም እትገብሩ ምስ መጻምድትኻ/ኺ ተመያየጡ። 

  • ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምቹእነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ/ኪ፣ ንመጻምድትኻ/ኺ ንገራ/ርዮ ከምኡ እውን ኣቋርጽ/ጺ። 

ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ካልእ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣብዚ ኣንብቡ፡

ምክልኻል ጥንሲ
ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ምክልኻል
ኣማራጺታት ድሕሪ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ
ኣማራጺታት ድሕሪ ዘይምቹእ ጾታዊ ተመኩሮ
ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ንLHBTQIA+ ሰባት

ዘይተደለየ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመኪ ከምዚ ክትገብሪ ትኽእሊ

ዘይተደልየ ጥንሲ ማለት ዘይደልኽዮ ጥንሲ ማለት እዩ። ክትጠንሲ ዘይትደልይሉ ሓያሎ ምኽንያታት ክህልወኪ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ካብ ዘይደልኽዮ ሰብ ስለ ዝጠነስኪ፣ እቲ ጥንሲ ብዘይ መደብ ስለ ዘጋጠመ ወይ ድማ ነቲ ቆልዓ ንኸተዕብይዮ ተኽእሎታት ስለ ዘይብልኪ። 

ዘይተደልየ ጥንሲ እንተጋጢሙኪ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ሓኪምኪ ብዛዕባ ዘለዉኺ ኣማራጺታት ክሕብረኪ ይኽእል እዩ፣ ከም በዓል ምዕቃብ ጥንሲ፣ ርዕመት ቆልዓን ምንጻል ጥንሲን ዝኣመሰሉ። ዘድልየኪ ክንክን ንኽትረኽቢ ድማ ንውከሳ ከመሓላልፈኪ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናብ ሓኪም-ማህጸን፣ ቤት-ጽሕፈት ርዕመት ቆልዑት ወይ ናብ ክሊኒክ ጥንሲ። እቲ ሓኪም ውሳኔ ንኽትወስዲ ከገድደኪ ኣይክእልን እዩ፣ ንዓኺ ንምሕጋዝን ሓበሬታ ንኽህበኪን እዩ ኣብኡ ዝርከብ። 

ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋዊን ውሑስን እዩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዳግማይ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ድሕሪ ሕክምና ጸገም ንኸጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ድማ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ክሳብ 24 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ማለት ክሳብ እቲ ዕሸል ካብ ኣካልኪ ወጻኢ ብህይወት ክነብር ዝኽእለሉ ግዜ ጥንስኺ ክትንጽልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ብተግባር ሓካይም ክሳብ 22 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ እዮም ዝሕግዙኺ። ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተድኣ ወሲንኪ፣ ብዘይ ክፍሊት ዝወሃብ ስምዒታዊ ሓገዝ ኣሎ። ነቲ ምንጻል ጥንሲ ንኸተመስርሕዮ ምእንቲ ብስምዒታዊ መዳይ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ/ላ ሰባት ድማ ኣለዉ/ዋ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?