ክልተ ሰባት ኣብ ጠረጴዛ ብዛዕባ ስራሕ ይዛተዩ
ዓንቀጽ

እዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብውሕስነት ምስራሕ ክትፈልጦ ዘለካ እዩ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:30 ቅ.ቀ.

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ኣስራሒ ብሕማቕ ይሕዘካ። ንኣብነት ዝኾነ ገንዘብ ምስ ዘይከፍለካ ወይ ብዙሕ ክትሰርሕ ምስ እትግደድ። እዚ ምዝመዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ዘይፍቀድ ኮይኑ እናሃለወ ትሰርሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን መሰላት ዕዮ ኣለዉኻ፣ ከምኡ እውን ምዝመዛ ከምዘጋጠመካ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ ናይ ዕዮ መሰላት ኣለካ

ኣብ ኔዘርላንድ ትሰርሕ ዲኻ፣ ከምኡ እውን

W-document
ኣለካ ድዩ? ስለዚ ልክዕ ከምቶም ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ መሰላት ኣለዉኻ። ዋላ ኣስራሒኻ ፍቓድ ዘየመልከተልካ ምስ ዝኸውን እውን ልክዕ ከምቶም ዝሰርሑ ኔዘርላንዳውያን ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ መሰላት ኣለዉኻ። እዞም መሰላት እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፡ 

  • ኣስራሒኻ ካብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ንታሕቲ ክኸፍለካ ኣይፍቀደሉን እዩ። 21 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝዕድሚኡ ሰብ ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚሩ ዝተሓተ-ገደብ ደሞዝ ኣብ ሰዓት € 13,27 እዩ።

  • ዕረፍትን ነጻ መዓልታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ዓመት እቲ ዝተሓተ ገደብ ብዝሒ ናይ ነጻ መዓልታት ድማ ተቐሚጡ ኣሎ።

  • ከም ዝሓመምካ ክትሕብር መሰል ኣለካ።

  • ኣስራሒኻ ንደሞዝካ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ኣብ እዋኑ ናብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ከመሓላልፈልካ ኣለዎ።

  • ኣስራሒኻ ውሑስን ጥዑይን ናይ ስራሕ ሃዋህው ከምዝህሉው ከረጋግጽ ኣለዎ።

  • ኣብ ሰሙን እንተበዝሐ 60 ሰዓታት ትሰርሕ፣ ነፍስወከፍ ሰሙን ግን ኣይኮነን።

  • ኣስራሒኻ ነቲ ብፍልጠትካን ተመኩሮኻን እትሰርሖ ስራሕ ኣብ ኔዘርላንድ ንቡር ዝኾነ ደሞዝ ክኸፍለካ ኣለዎ።

  • ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ እዋን ለይቲ ወይ ሓደገኛ ስራሕ ክትሰርሕ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ምዝመዛ ብኸምዚ ኢኻ እተለልዮ

ምዝመዛ ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣስራሒኻ ካብቲ ኣብ ውዕልካ ዝርከብ ንላዕሊ ንኽትሰርሕ፣ ወይ ብተኸታታሊ ንብዙሕ ሰዓታት ንኽትሰርሕ ዘገድደካ ማለት ክኸውን ይኽእል። ኣዝዩ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ገንዘብ ዘይትረክብ ማለት እውን ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ምዝመዛ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክትሰርሕ ምግዳድ፣ ወይ ብኣስራሒኻ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረልካ ምዃን ማለት እውን እዩ። ምልክታት ምዝመዛ እነሆ፡

  • ኣስራሒኻ ውዕል ክህበካ ኣይደልይን፣ ከምኡ እውን ብጥረ ገንዘብ ጥራይ ክኸፍለካ ይደልይ።

  • ዕረፍቲታት ወይ ነጻ መዓልታት ዘይብልካ ነዊሕ ንኽትሰርሕ ትግደድ።

  • ውሑድ ይኽፈለካ፣ ፈጺሙ ኣይክፈለካን ወይ ኣዝዩ ደንጒዩ ይኽፈለካ።

  • ብዘይ መከላኸሊ ሓደገኛ ወይ ንጥዕና ዝጎድእ ስራሕ ክትሰርሕ ትግደድ።

  • ኣስራሒኻ ኣብ መጀመርታ ሕያዋይ እዩ፣ ግን ደጊም ሃንደበት ዘይሕያዋይ ይኸውን።

  • ኣስራሒኻ ዘይትደልዮም ነገራት ንኽትገብር ጸቕጢ ይገብረልካ።

  • ኣስራሒኻ ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ስራሕ ወይ ብዛዕባ ክትሰርሕ እትኸዶ ቦታ ምስጢራዊ እዩ።

  • ኣስራሒኻ የፍርሓካ ወይ የፈራርሓካ።

  • ኣስራሒኻ ክህበካ ዝግብኦ ገንዘብካ ይሕዞ። ንኣብነት ዕዳ ክትከፍል ስለዘለካ።

  • ኣስራሒኻ ንፓስፖርትኻ ይምንጥለካ።

  • ኣስራሒኻ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትዛረብ ይነግረካ።

ምዝመዛ ኣብ ኔዘርላንድ የጋጥም እዩ፣ ንዝኾነ ሰብ ድማ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ፣ ምዝመዛ ንኸጋጥመካ ዝዓበየ ዕድል ኣለካ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ቋንቋን ሕግታትን ገና ጽቡቕ ገይርካ ዘይትፈልጥ ክትከውን ስለ እትኽእል እዩ። ወይ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ምስራሕ ብኸመይ ከምዝካየድን፣ እንታይ ንቡር ምዃኑን ብሰንኪ ዘይምፍላጥካ። ስለዚ ብግቡእ ኣስተብህል። ልክዕ ከምቶም ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት መሰላት እዩ ዘለካ።

ምዝመዛ ምስ ዘጋጥመካ ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብ ኔዘርላንድ ንሰባት ዝምዝምዙ ኣስራሕቲ ብሕጊ ይቕጽዑ እዮም። ምዝመዛ ምስ ዘጋጥመካ ናብ ፖሊስ ክትጠርዕ መሰል ኣለካ። ዋላ ፍቚድ ዘይኮነ እናሃለወ፣ ወይ ድማ ብዘይ ውዕል ወይ ኣብ ወረቐት ዝሰፈሩ ስምምዓት ዘይብልካ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካ እውን። ሽዕኡ ፖሊስ ብዝያዳ ክሕግዙኻ እዮም። ኣስራሒኻ ገለ ብገበን ዘሕትት ነገር እንተድኣ ፈጺሙ ድማ ንስኻ ኣይትቕጻዕን ኢኻ። ምዝመዛ ስምካ ከይገለጽካ እውን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ናብ ፖሊስ ኣብ እትኸደሉ እዋን እውን ምሳኻ ሰብ ክትማላእ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል። ህጹጽ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ ብቁጽሪ ተሌፎን (0900) 88 44 ናብ ፖሊስ ኔዘርላንድ ደውል። ምዝመዛ ናብ ፖሊስ ሓቢርካ ዲኻ? ስለዚ ጠበቓ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ጠበቓ መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ እዩ።

ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ? ዘይትደልዮም ነገራት ንኽትገብር ትግደድ ኣለኻ ዲኻ? ኣብ

VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ካብ ዝርከብ ኣማኻሪኻ ደገፍ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ድሕነትካ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣማኻሪኻ ንሓበሬታኻ ብዝተኻእለ መጠን ብምስጢር ክሕዞ እዩ፣ ከምኡ እውን እንተድኣ ዘይትደልይ ኮይንካ ንኻልኦት ኣየካፍሎን እዩ።

FairWork
ምዝመዛ ኣጋጢሙካ ድዩ? ናብ ሓደ ናይ FairWork ኣባል ብቋንቋኻ ክትድውል ትኽእል ኢኻ። FairWork ኣብ ኔዘርላንድ ንዝምዝመዙ ሰባት ዝድግፍ ገለልተኛ ማለት ነጻ ውድብ እዩ።

ንምዝመዛ ባዕልኻ ብኸምዚ ክትነቕሓሉ ትኽእል
  • ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ኣስራሒኻ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክትራኸብ እንከለኻ ምሳኻ ሓደ ሰብ ተማላእ። ወይ ሓደ እትኣምኖ ሰብ ኣበይ ከምዘለኻ ከም ዝፈልጥ ግበር። ኣብ ህዝባዊ ቦታ ድማ ተራኸቡ።

  • ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉኻ ናይ ስራሕ መሰላት ኣየኖት ምዃኖም ፍለጥ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ምናልባት ዝተፈልዩ መሰላት ዝለመድካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ግን ናይ ኔዘርላንድ ሕግታት እዮም ተፈጻምነት ዘለዎም።

  • ብዛዕባ ደሞዝካ፣ ናይ ስራሕ ሰዓታትካን መዓስ ከም እትኽፈልን ብዝምልከት ምስ ኣስራሒኻ ንጹር ስምምዓት ግበር። እዚ ክልተኹም ኣብ እትፍርምዎ ውዕል ኣብ ወረቐት ከም ዝጸሓፍ ኣረጋግጽ።

  • እንታይ ስምምዓት ከም ዝገበርካ ጸሓፎም፣ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ድማ ባዕልኻ ተኸታተል። ንኹሎም ሰነዳትካ ኣብ ውሑስ ኣቐምጦም።

  • ፓስፖርትኻ ወይ ናይ መንነት ሰነድካ ንነዊሕ እዋን ፈጺምካ ኣይተረክብ። ቅዳሕ ናይ መንነት ሰነድካ ንኽትህቦ ግን ኣስራሒኻ ክሓተካ ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንውዕልካ ኣድላዪ እዩ።

  • ናይ ስራሕ ቃለ-መሕትት ኣብ እትገብረሉ ወይ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፣ ውሕስነት ዘይብሉ ወይ ዘይምችእ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ ውጻእ ወይ ሓገዝ ሕተት።


ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?