ሰበይቲ ብድሕሪ ላፕቶፓ ትሰርሕ

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንታይ እዩ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 30/8/2023 7:45 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኔዘርላንድ ንሓዋሩ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ፍቓድ ብወግዒ "ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብ መንጎ ግዝያውን ቀዋምን ፍቓድ ዘሎ ፍልልይ

ብመንገዲ ግዝያዊ ፍቓድ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንግዚኡ ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትጸንሕ ፍቓድ ይህበካ። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝወሃበካ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ሓዋሩ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ግዝያዊ ፍቓድ ኢኻ እትረክብ። ቀዋሚ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ን5 ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ኔዘርላንድ ምስተቐመጥካ ጥራይ እዩ።

ዝያዳ ርጉጽነት ብዛዕባ መጻኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ሂቡካ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ንሓዋሩ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ካብ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ንላዕሊ ብዛዕባ መጻኢኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዝያዳ ርጉጽነት ኣለካ።

IND ንመንበሪ ፍቓድካ ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ጥራይ እዩ ከቋርጾ ዝኽእል፡

  • ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻን ኩነትካን ቅኑዕ ሓበሬታ እንተድኣ ዘይሃብካን፣ IND ነዚ ምስ ዝፈልጦን።

  • ብኸቢድ ዘቕጽዕ ገበን እንተድኣ ፈጺምካን፣ ብዛዕብኡ እንተድኣ ተፈሪድካን።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?