ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Iemand zet een handtekening onder een document.

ምንጪ፡ Cytonn Photography

ኣብ ኔዘርላንድ ጉዳይካ ንምስላጥ ውልቃዊ ቁጽሪ (BSN) ብኸምዚ ኢኻ እትረክብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/12/2023 7:08 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ከም ሕሳብ ባንክ ዝኣመሰሉ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።

ነዚ ናትካ BSN ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ

ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ ጉዳያት ንምስላጥ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (Burgerservicenummer - BSN)
የድልየካ። ንኣብነት ናይ ኔዘርላንድ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋት፣ ኣበላት ንምሕታት ወይ ኣብ ኔዘርላንድ ንምስራሕ እዚ ቁጽሪ የድልየካ።

ቁጽሪ BSN ንምርካብ ብኸምዚ ኢኻ እትሓትት

ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገርይርካ ዲኻ? ስለዚ BSN ንምርካብ ባዕልኻ ኣመልክት። ነዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ኢኻ ትገብሮ፡

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ተመዝገብ።

ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ብነጻ ተመዝገብ። እዚ ድማ መሰረታዊ መዝገብ ሰባት (BRP) ይበሃል። ነዚ ንምግባር ናብ ፍሉይ ሰደቓ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ክትከይድ ኣለካ። እዚ “ጎደና BRP” ይበሃል። ነዚ ኣብ 5 ቦታታት ናይ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ነዚኦም ቦታታት ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፡

  • Hoofddorp

  • Ter Apel

  • Budel

  • Zevenaar

  • Den Bosch

ካብ መንግስቲ BSN ዘለዎ ደብዳቤ ኣውቶማቲክ ክትቕበል ኢኻ።

እዚ ቁጽሪ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ምዝገባኻ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ኢኻ ትቕበሎ።

ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ BRP ንምምዝጋብ ካብቲ ልሙድ ዝነውሐ ናይ ምጽባይ ግዜ ከምዘሎ ኣብ ግምት የእትዎ። ድሮ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ዘለዉ ሰባት ኣብ BRP ንምምዝጋብ ቀዳምነት ይወሃቦም እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ቀዳምነት ክትወሃበካ ይኽእል እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ቀዳምነት ብምርካብ ብህጹጽ መስርሕ ክትምዝገብ ይከኣል እዩ። እዚ ህጹጽ መስርሕ ነዞም ዝስዕቡ እዩ፡

  • ድሮ ስራሕ ዝረኸቡ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት

  • መንበሪ-ቤት ዝተዋህቦም ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት

  • ብሕክምናዊ ምኽንያት BSN ዘድልዮም ሰባት

  • መንነቶም ብIND ዝፍለጥ

    ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
    ናይ ስራሕ ፍቓድ (TWV)
    ዘለዎም ሰባት።

ብመንገዲ ጎደና-BRP ኣብ BRP ህጹጽ ምዝገባ ንኽግበረልካ ብቑዕ ንምዃን ናብ ናይ ሓደ ቦታ ሰደቓ-ሓበሬታ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ BRP ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ

ካብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ሓደ ንዓኻ ዝምልከተካ ምስ ዝኸውን ኣብ BRP ክትምዝገብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡

  • ኣብ ትሕቲ መስርሕ-ዱብሊን ኢኻ እትምደብ

  • ካብ ሓንቲ ብኔዘርላንድ ከም ውሕስቲ ሃገር እትረኣይ ሃገር ኢኻ መጺእካ

  • ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ እትርከብ ካልእ ሃገር ድሮ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ

  • መንነትካ ገና ብIND ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?