ሓደ ሰብ ሰዓት ክንደይ ምዃኑ ንምርኣይ ናብ ሰዓት ይጥምት።
ምንጪ፡ Karolina Grabowska

ውሳኔ ናይ IND ምጽባይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:57 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምውሳን 6 ኣዋርሕ ኣለዎ። እቲ 6 ኣዋርሕ ነቲ መመልከቲ ድሕሪ ምቕራብካ እዩ ምቚጻር ዝጅምር።

ውሳኔ ኣብ ኔዘርላንድ ምጽባይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
IND
ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። ነቲ ውሳኔ ኣብ ኔዘርላንድ ኮይንካ ክትጽበዮ ትኽእል ኢኻ። ኩነታት መመልከቲኻ ብኢንተርነት ብመንገዲ 'Mijn IND' ክትከታተሎ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DigiD
የድልየካ።

ሓደ ሓደ ግዜ IND ውሳኔ ንኽወስድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ የድልዮ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ካብ IND ውሳኔ ቅድሚ ምቕባልካ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ። እዚ ዘጋጥም ንኣብነት መመልከቲኻ ምሉእ ምስ ዘይከውን እዩ። ወይ IND ተወሳኺ መርመራ ከካይድ ዘለዎ ኣብ ዝኾነሉ እዋን።

ስለዚ ዝያዳ ግዜ ከም ዘድልዮም ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ክትቕበል ኢኻ። IND ነቲ ናይ ምንዋሕ ግዜ ምስቲ IND ውሳኔ ንምውሳድ ዘለዎ ናይ  6 ኣዋርሕ ደንቢ ብምውሳኽ ይድምሮ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?