ሓደ ሰብ ኣብ ጎኒ ላፕቶፕ ናይ ባንክ ካርድ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ድሕሪት ድማ ኳልኩሌተርን ቴሌፎንን ኣለዉ።
ምንጪ፡ Anna Shvets

ኣብ ኔዘርላንድ ንትምህርትኻ ምኽፋል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/11/2023 2:38 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ mbo፣ hbo ወይ wo ክትመሃር ዲኻ? ትምህርትኻ ንምኽፋል ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብሓገዝ ካብ ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO) ዝርከብ ድጎማ ትምህርቲ። ኣየኖት ኣማራጺታት ከምዘለዉ ኣብዚ ኣንብብ።

ንትምህርትኻ ባዕልኻ ምኽፋል

እኹል ውህሉል ገንዘብ ወይ ጎኒ ጎኒ ትምህርትኻ ብስራሕ ኣታዊ ንኽትረክብ እኹል ግዜ ምስ ዝህልወካ፣ ንትምህርትኻ ባዕልኻ ንኽትከፍሎ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ንመብዛሕትኦም ትምህርቲታት ብኸፊል-ግዜ እውን ክትገብሮም ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ምሉእ ሰሙን ናብ ቤት-ትምህርቲ ኣይትኸይድን፣ የግዳስ ንውሑዳት መዓልታት ወይ ምሸት ትመሃር ማለት እዩ። ብኸምዚ ድማ ጎኒ ጎኒ ትምህርትኻ ብቐሊሉ ክትሰርሕ ትኽእል።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ውሽጢ መደብ ትምህርትኻ ንስራሕን ትምህርትን ንምጽንባር እውን ይከኣል እዩ። ስለዚ ድማ ትምህርትኻ ኣናካየድካ ገንዘብ ትረክብ። ብዛዕባ እዞም ኣማራጺታት ዝያዳ ኣብ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ mbo ምስራሕን ምምሃርን

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
mbo
ስራሕን ትምህርትን ከትጽንብሮም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ 'beroepsgerichte begeleide leerweg' (bbl) [ሞያዊ ዝተማእዘነ መንገዲ ትምህርቲ]’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ bbl ትምህርቲ ኣብ እትከታተለሉ እዋን ኣብ ሰሙን 1 መዓልቲ ወይ ውሑዳት ግዜ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድ።

ኣብቶም ካልኦት መዓልታት ኣብ ሓደ ወግዓዊ ናይ ስልጠና ትካል ናይ ስራሕ ተመኩሮ ትገብር። ትምህርትኻ ብኣስራሒኻ እዩ ዝኽፈል። መብዛሕትኡ ግዜ ናይቲ እትሰርሖ ስራሕ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝ
ትረክብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ hbo ወይ wo ምስራሕን ምምሃርን

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
hbo
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
wo
ን እውን ንስራሕን ትምህርትን ከትጽንብሮም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ‘ድርብ ትምህርቲ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ‘ድርብ ትምህርቲ’ ኣብ እትከታተለሉ እዋን፣ እቲ ትምህርቲ ትከታተለሉ ቤት-ትምህርቲ ሓደ ሓደ ግዜ ምስቲ ትምህርትኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ንምርካብ ይሕግዘካ እዩ። እቲ ቤት-ትምህርቲ ተወሳኺ ምኽሪ እውን ክህበካ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዝሰራሕካዮ ሰዓታት ዝተሓተ ገደብ-ደሞዝን ነጥቢታት ትምህርትን ትረክብ።

ድጎማ ትምህርቲ ካብ DUO፡ ዕድሜኻ ትሕቲ 30 ዓመት ምስ ዝኸውን

ዕድሜኻ ትሕቲ 30 ዓመት ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ድጎማ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ገንዘባዊ ደገፍ ወጻኢታት ትምህርትኻ ንኽትከፍል ይሕግዘካ። ድጎማ ትምህርቲ ንምርካብ ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DUO
ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ድጎማ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ዲፕሎማኻ እንተድኣ ረኺብካ ክትመልሶ ዘየድልየካ ሓያሎ መጠን ገንዘብ ዝሓዘ እዩ። ነዚ ዝስዕብ ዝሓዘ እዩ፡

  • ንመንበሪ-ቤትካን መነባብሮኻን ብኸፊል እትኸፍለሉ መጠን ገንዘብ። እዚ መሰረታዊ ማህደረ-ትምህርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

  • ብህዝባዊ መጓዓዝያ ብነጻ ክትጓዓዝ ዘኽእል ካርድ። ንኣብነት ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ናብ ቤት-ትምህርትኻ ንምጒዓዝ። 

  • ሓደ ሓደ ግዜ ንመንበሪ-ቤትን መነባብሮን ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ተወሳኺ ማህደረ-ትምህርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ መጠን ገንዘብ እትረኽቦ ወለድኻ ውሑድ ኣታዊ ምስ ዝህልዎም ወይ ብኻልእ ምኽንያት ንትምህርትኻ ንምኽፋል ከበርክቱ ምስ ዘይክእሉ ጥራይ እዩ።

ተወሳኺ ገንዘብ የድልየካ ድዩ?  ስለዚ ንኣብነት ክፍሊት ቤት-ትምህርትኻ ንምኽፋል ካብ DUO ገንዘብ ክትልቃሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ገንዘብ ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ክትመልሶ ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ እውን ምስ ወለድ።

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ ድጎማ ትምህርቲ ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ልዕሊ 30 ዓመት ምስ እትኸውን ልቓሕ

ዕድሜኻ ልዕሊ 30 ዓመት፣ ግን ድማ ትሕቲ 56 ዓመት ድዩ? ከምኡ እውን ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DUO
'levenlanglerenkrediet' ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ብመንገዲ 'levenlanglerenkrediet'' ካብ መንግስቲ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ መጠን ገንዘብ እዚ እንተበዝሐ 5 ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ዓመት ንትምህርትኻ ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ እዩ። ነዚ ገንዘብ እዚ ትምህርቲ ትከታተል ክሳብ ዘለኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ትምህርትኻ ምስ ወዳእካ ግን ነቲ ገንዘብ ክትመልሶ ኣለካ። እዚ ድሕሪ ምውዳእካ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመታት ክግበር ኣለዎ።

ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ 'levenslanglerenkrediet' ኣብ ምምልካት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ልቓሕ-ትምህርቲ ወይ ማህደረ-ትምህርቲ ምምልካት

ንትምህርትኻ ንምኽፋል ገንዘባዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ልቓሕ-ትምህርቲ ወይ ማህደረ-ትምህርቲ ንምርካብ ከተመልክተሎም እትኽእል ሓያሎ ውድባት ኣለዉ። ኣብቲ ክትከታተሎ እትደልዮ ትምህርቲ ብዛዕባ ክህልዉ ዝኽእሉ ማህደረ-ትምህርቲ ሓበሬታ ንምርካብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ትምህርቲ ክትከታተለሉ እትደልዮ ቤት-ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንነፍስወከፍ ትምህርቲ ዝምልከት ናይ መወከሲ ሓበሬታታት ኣሎ። ነዚኦም ሓበሬታታት ተጠቂምካ ድማ ርክብ ክትገብርን፣ ብዛዕባ ዘለዉ ተኽእሎታት ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?