ተማሃሪት ኢዳ ተልዕል፣ ንመምህር ድማ ሕቶ ኣለዋ።
ምንጪ፡ Katerina Holmes

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 4:11 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድ ምስ እትኸውን፣ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ውላድካ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክትረኽቡ ከም እትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንቡርን ፍሉይን መባእታዊን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መባእታዊን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቲ፣ ኣብ መንጎ ንቡርን ፍሉይን ትምህርቲ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ንቡር ትምህርቲ ብማእከላይ ገምጋም 24 ቆልዑት ኣብ ክፍሊ ብሓባር ኮፍ ይብሉ። እቲ ትምህርቲ ድማ ምስ ዕድመን ደረጃን ናይቶም ተማሃሮ ዝተመጣጠነ እዩ። መምህራን ንፍልልያት ኣብ ግምት ከእትዉ ይፍትኑ እዮም፣ ኮይኑ ግን ኩሉ ግዜ ንነፍስወከፍ ሰብ ፍሉይ ኣቓልቦ ክህቡ ኣይክእሉን እዮም።

ፍሉይ ትምህርቲ፣ ፍሉይ ድሌታት ንዘለዎም ተማሃሮ ዝዓለመ እዩ። እዞም ተማሃሮ ንኣብነት ናይ ምምሃር፣ ባህርይ፣ ስምዒታት ጸገም ወይ ኣካላዊ ድሩትነት ኣለዎም። ንኣብነት ውላድካ ጽቡቕ ክርእይ ዘይክእል ምስ ዝኸውን፣ ወይ ኣውቲዝም ምስ ዝህልዎ። ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ፣ ተማሃሮ ኣብ ንኣሽቱ ክፍልታት ይምሃሩ። ከምኡ እውን ዝተመዓራረየ ትምህርትን ተወሳኺ ሓገዝን ይረኽቡ።

ህዝባዊን ግላዊን ኣብያተ-ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲታት

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ ህዝባዊን ግላዊን ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ፍልልይ ይግበር እዩ። ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንነፍስወከፍ ተማሃራይ ክፉታት እየን። እቲ ትምህርቲ ድማ ኣብ ሃይማኖት ወይ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብ ፍሉይ ሜላ ኣመሃህራ ተመርኲሰን ዝምህራ ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ እየን።

ግላዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ሓደ ሃይማኖት ወይ እምነት ተመርኲሰን እየን ዝምህራ። ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ክርስትናን እስልምናን ኣለዋ። ግን ድማ ከም ነጻ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝኣመሰላ ካብ ዝተወሰነ ፍልስፍና ተበጊሰን ዝምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ኣለዋ። ግላዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮኣ ጠለባት ክትገብር ትኽእል እያ፣ ንኣብነት እቲ ተማሃራይ ኣባል ናይ ሓደ ሃይማኖት ክኸውን ኣለዎ። ኮይኑ ግን ልክዕ ከምቲ ናይ ህዝባዊ ቤት-ትምህርቲ፣ ኣብ ግላዊ ቤት-ትምህርቲ እውን ኣድልዎ ክግበረልካ ኣይፍቀድን እዩ። ንኣብነት ሓንቲ ሃይማኖታዊት ቤት-ትምህርቲ ኣንጻር ግብረ-ሰዶማውነት ክትከውን ኣይፍቀደላን እዩ። 

ኣብ ከባቢኻ ኣየኖት ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ክትፈልጥ እንተድኣ ደሊኻ፣ ብዛዕባ እዚ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ሕተት።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?