ዜናዕዳጋ
ሰለስተ ሕጉሳት ሰባት መጽሓፍቲ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ካብ ሓደ ህንጻ ይወጹ።
ምንጪ፡ Keira Burton
ኣገዳሲ
ሓበሬታ
ምውህሃድካ ብዓወት ትዛዝም
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 9/4/2024 3:46 ድ.ቀ.

ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ሓሊፍካ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ክታምካ ኣንቢርካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምውህሃድካ ወዲእካ ኢኻ፣ ዲፕሎማ ድማ ክትቕበል ኢኻ።

ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናኻ

ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ድሕሪ ምግባርካ ኣብ ውሽጢ 8 ሳምንታት ክትቕበል ኢኻ። እቲ ውጽኢት ካብ

ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ብደብዳቤ ክትቅበል ኢኻ።

'Mijn inburgering'
ውጽኢት ናይ ፈተናታትካ ኣብ 'Mijn inburgering' ናይ DUO እውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ብDigiD ክትኣቱው ኣለካ።

ዲፕሎማ ትረክብ

'መንገዲ-B1' ወይ 'ትምህርታዊ መንገዲ' ወዲእካ ዲኻ? ስለዚ ዲፕሎማ ክትቕበል ኢኻ። እቲ ዲፕሎማ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ናብ ገዛኻ ክለኣኸልካ እዩ። ኣብ እዋን ምውህሃድካ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ቋንቋ ከም ዝበጻሕካ ድማ ኣብቲ ዲፕሎማ ተጠቒሱ ይርከብ።

'መንገዲ ርእሰ-ምኽኣል' ወዲእካ ዲኻ? ስለዚ ዲፕሎማ ዘይኮነስ፣ ዝተፈለየ ዓይነት መርትዖ ኢኻ ትረክብ። ምስክር ወረቐት። እዚ መርትዖ ካብ ምምሕዳር ከተማ ክትቕበሎ ኢኻ። ኣብቲ መርትዖ ድማ ምውህሃድካ ከም ዝወዳእካን ኣየናይ ደረጃ ቋንቋ ከም ዘለካን ተጠቒሱ ይርከብ።

ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ወግዓዊ መርትዖ ምውራድ

ናይ ምውህሃድካ ወግዓዊ መርትዖ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ዲፕሎማኻ ከተርእይ ወይ መርትዖ ከተውርድ ማለት ዳውንሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ውጽኢት ድሕሪ 2 ሳምንታት ክግበር ይከኣል። ብድሕሪኡ ካብ 'Mijn diploma's' ናይ DUO መርትዖ ከተውርድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መርትዖ እዚ 'ቁንጫል ቅዳሕ' ይበሃል።

እቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምስቲ ወግዓዊ ቅዳሕ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ሓደ ዓይነት ክብሪ ኣለዎ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምርካብ ብነጻ እዩ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ብዲጂታል ጥራይ ኢኻ እትጥቐመሉ። ዝተሓትመ ቁንጫል ቅዳሕ ብቚዕ ኣይኮነን።

'Mijn diploma's'
ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ወግዓዊ መርትዖ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ DUO ኣውርድ። ነዚ ንምግባር ድማ ብDigiD ክትኣቱው ኣለካ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምውህሃድ ኣድላይ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ርእሲ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት፣ ምውህሃድካ ዝወዳእካ እውን ክትከውን ኣለካ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ኣብዚ ገጽ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። መዓስን ብኸመይን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእል እውን ኣንብብ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?