ዜናዕዳጋ
ሰለስተ ሕጉሳት ሰባት መጽሓፍቲ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ካብ ሓደ ህንጻ ይወጹ።
ምንጪ፡ Keira Burton
ሓበሬታ
ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ሓሊፍካ
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 3/2/2024 6:26 ድ.ቀ.

ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ሓሊፍካ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ክታምካ ኣንቢርካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምውህሃድካ ወዲእካ ኢኻ፣ ዲፕሎማ ድማ ክትቕበል ኢኻ።

ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናኻ

ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ድሕሪ ምግባርካ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ክትቕበል ኢኻ። እቲ ውጽኢት ካብ  

ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ብደብዳቤ ክትቅበሎ ኢኻ።

'Mijn inburgering'
ውጽኢት ናይ ፈተናታትካ ኣብ 'Mijn inburgering' ናይ DUO እውን ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ብDigiD ክትኣቱው ኣለካ።

ዲፕሎማ ትረክብ

ንኹሎም 4 ክፋላት ናይ

ሃገራዊ ፈተና ቋንቋ ኔዘርላንድ ከም 2ይ ቋንቋ (NT2)
ሓሊፍካ ዲኻ? ከምኡ እውን ነቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ድሕሪ 1 ጥሪ 2021 ዲኻ ገይርካዮ? ስለዚ ዲፕሎማ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ብፖስታ ክትቅበል ኢኻ።

ቅድሚ 1 ጥሪ 2021 ዲኻ ንኹሎም 4 ክፋላት ፈተና ሓሊፍካ? ስለዚ ከም ንቡር ዲፕሎማ ዘይኮነስ ምስክር ወረቓቕቲ ኢኻ ትረክብ። ናብ nt2@duo.nl ኢ-መይል ብምልኣኽ ድማ ዲፕሎማ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ወግዓዊ መርትዖ ምውራድ

ናይ ምውህሃድካ ወግዓዊ መርትዖ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ዲፕሎማኻ ከተርእይ ወይ መርትዖ ከተውርድ ማለት ዳውንሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ውጽኢት ድሕሪ 2 ሳምንታት ክግበር ይከኣል። ብድሕሪኡ ካብ 'Mijn diploma's' ናይ DUO መርትዖ ከተውርድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መርትዖ እዚ 'ቁንጫል ቅዳሕ' ይበሃል።

እቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምስቲ ወግዓዊ ቅዳሕ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ሓደ ዓይነት ክብሪ ኣለዎ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምርካብ ብነጻ እዩ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ብዲጂታል ጥራይ ኢኻ እትጥቐመሉ። ዝተሓትመ ቁንጫል ቅዳሕ ብቚዕ ኣይኮነን።

'Mijn diploma's'
ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ወግዓዊ መርትዖ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ DUO ኣውርድ። ነዚ ንምግባር ድማ ብDigiD ክትኣቱው ኣለካ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምውህሃድ ኣድላይ እዩ

ኣብ ኔዘርላንድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ርእሲ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት፣ ምውህሃድካ ዝወዳእካ እውን ክትከውን ኣለካ።

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ
ኣብዚ ገጽ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። መዓስን ብኸመይን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእል እውን ኣንብብ።
ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?