
ምንጪ፡ Keira Burton
ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ሓሊፍካ
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ሓሊፍካ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ክታምካ ኣንቢርካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ምውህሃድካ ወዲእካ ኢኻ፣ ዲፕሎማ ድማ ክትቕበል ኢኻ።
ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናኻ
ውጽኢት ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ድሕሪ ምግባርካ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ክትቕበል ኢኻ። እቲ ውጽኢት ካብ
ዲፕሎማ ትረክብ
ንኹሎም 4 ክፋላት ናይ
ቅድሚ 1 ጥሪ 2021 ዲኻ ንኹሎም 4 ክፋላት ፈተና ሓሊፍካ? ስለዚ ከም ንቡር ዲፕሎማ ዘይኮነስ ምስክር ወረቓቕቲ ኢኻ ትረክብ። ናብ nt2@duo.nl ኢ-መይል ብምልኣኽ ድማ ዲፕሎማ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ወግዓዊ መርትዖ ምውራድ
ናይ ምውህሃድካ ወግዓዊ መርትዖ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ዲፕሎማኻ ከተርእይ ወይ መርትዖ ከተውርድ ማለት ዳውንሎድ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተናኻ ውጽኢት ድሕሪ 2 ሳምንታት ክግበር ይከኣል። ብድሕሪኡ ካብ 'Mijn diploma's' ናይ DUO መርትዖ ከተውርድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መርትዖ እዚ 'ቁንጫል ቅዳሕ' ይበሃል።
እቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምስቲ ወግዓዊ ቅዳሕ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማኻ ሓደ ዓይነት ክብሪ ኣለዎ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ምርካብ ብነጻ እዩ። ነቲ ቁንጫል ቅዳሕ ብዲጂታል ጥራይ ኢኻ እትጥቐመሉ። ዝተሓትመ ቁንጫል ቅዳሕ ብቚዕ ኣይኮነን።
ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምውህሃድ ኣድላይ እዩ
ኣብ ኔዘርላንድ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ርእሲ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅድመ-ኩነታት፣ ምውህሃድካ ዝወዳእካ እውን ክትከውን ኣለካ።