
ንህዝባዊ መጓዓዝያ ምኽፋል
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ኔዘርላንድ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ እትጎዓዘሉ እዋን ኩሉ ግዜ ብቚዕ ትኬት ከተርእይ ክትክእል ኣለካ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ
ዳርጋ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኔዘርላንድ ብናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ ክትጽዕነሉ እትኽእል ፍሉይ ካርድ እዩ። እቲ ኣብቲ ካርድ እትጽዕኖ ገንዘብ ድማ ሚዛን ሕሳብ ይበሃል።
ንጉዕዞኻ እትኸፍል ኣብቲ እትጥቀመሉ ዓይነት ህዝባዊ መጓዓዝያ ብካርድኻ ብምእታውን ብምውጻእን እዩ። ኣብተን ናይ ትካል መጎዓዝያ ናይ መኽፈሊ ማሽናት ድማ ሚዛን ሕሳብካ ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ሱፐርማርኬታት እውን።
2 ዓይነት ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ኣለዉ፡ ውልቃውን ስም-ኣልቦን። ኣብዚ ታሕቲ ነፍስወከፍ ካርድ እንታይ ማለት ምዃኑ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡
ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ
ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ እዞም ዝስዕቡ ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝሓዘ እዩ፡
ስምካ
ዕለት ልደትካ
ጉርዲ ስእሊ
ብሽክለታ ናይ OV-fiets ንምክራይ ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ የድልየካ። ወይ ድማ ውዕል ወይ ጎደሎ ዋጋ ንኽትጽዕነሉ። ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትገዝእ ኣለካ።
ውልቃዊ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ምግዛእ
ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ
ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ፣ ስም ወይ ስእሊ የብሉን። ኣብ መደበር ባቡር ወይ ኣብ ሱፐርማርኬት ካብ ዝርከብ መሸጢ ማሽን ድማ ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ ክትገዝእ ትኽእል።
ብልጫ ናይ ስም-ኣልቦ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቺፕ ካርድ፣ ዝተፈላለዩ ሰባት ነቲ ስም-ኣልቦ ካርድ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ሓደ እዋን ክግበር ኣይክእልን እዩ። ምስ ሓያሎ ሰባት ዲኻ ትጓዓዝ? ስለዚ ነፍስወከፍ ሰብ ብናይ ባዕሉ ካርድ ክኣቱው ኣለዎ።
ካልኦት ኣማራጺታት ክፍሊት
ብተወሳኺ በዚ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፡
ናይ ባንክ ካርድኻ ወይ ክረዲት ካርድኻ
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኔዘርላንድ ብናይ ባንክ ካርድኻ ወይ ብክረዲት ካርድኻ ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ብምትንካፍ ኣልቦ ክትከፍለሉ እትኽእል ሞባይልካ። እዚ ድማ OV-pay ይበሃል። ስለዚ ድማ እቲ መጠን ገንዘብ ብኣውቶማቲክ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ይቚረጽ።
ብ OV-pay ትጓዓዝ እንተድኣ ኮይንካ ከም ንቡር ኣብ 2ይ መዓርግ ኢኻ እትጓዓዝ። ከምኡ ኮይኑ እናሃለወ ግን ኣብ 1ይ መዓርግ ዲኻ ትጎዓዝ? ስለዚ መቕጻዕቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
ናይ ወረቐት ትኬት
መብዛሕትኡ ግዜ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኸውን ናይ ወረቐት ትኬት እውን ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ንባቡርን ሜትሮን እዚ ኣብ መደብራት ኣብ ዝርከብ ናይ ትኬት ማሽን ኢኻ እትገዝኦ። ንኣውቶቡስን ትራምን ዝኸውን ትኬት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ መጓዓዝያ ባዕሉ ክትገዝኦ ትኽእል ኢኻ።
ንጽል ናይ ባቡር ትኬት ብዝምልከት ናይ ሓደ ጉዕዞ ዲኻ ትደልይ ወይስ ናይ ምምላስ ጉዕዞ (ምኻድን ምምላስን) ክትመርጽ ኣለካ። ኣብ ኣየናይ መደበር ባቡር ከም እትወርድ ትመልእ። ካብቲ መደበር ባቡር ሓሊፍካ ክትጓዓዝ ድማ ኣይፍቀደልካን እዩ። ንጽል ናይ ባቡር ትኬት ንምግዛእ መወሰኽታ ክፍሊት ትኸፍል ኢኻ። ነታ ትኬት ኣብታ መዓልቲ ንባዕላ 1 ግዜ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ብንጽል ናይ ባቡር ትኬት እውን ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትኣቱን ክትወጽእን ኣለካ። ልክዕ ከምቲ ብናይ ህዝባዊ መጎዓዝያ ቺፕ ካርድ ዝግበር።
ናይ መዓልቲ ትኬታት
ብባቡር ን1 መዓልቲ ብዘይ ገደብ ንምጒዓዝ ዘኽእሉ ናይ መዓልቲ ካርዲታት
NS፣ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ብምኽፋል ን1 መዓልቲ ብዘይ ገደብ ኣብ ምሉእ ኔዘርላንድ ክትጓዓዝ ዘኽእለካ ካርድታት ኣለዎ። እዚኦም ድማ 'NS Dagkaart' ከምኡ እውን 'Railrunner' ይበሃሉ።
'NS Dagkaart' ዕድሜኦም 12 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝኾኑ ሰባት ዝዓለመ ኮይኑ፣ ክሳብ ንጽባሒቱ ሰዓት 04፡00 ን1 መዓልቲ ብዘይ ገደብ ንኽትጎዓዘሉ የኽእል። ኣብቲ ካርድ ዝርከብ ወግዓዊ ስሙ '1 dag trein vrij' እዩ። ምስ ብዙሓት ሰባት ዲኻ ክትጓዓዝ? ስለዚ ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ባዕሉ ካርድ ክህልዎ ኣለዎ።
'Railrunner' ብፍላይ ካብ 4 ክሳብ 11 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኸውን ኮይኑ፣ ን1 መዓልቲ ብዘይ ገደብ ንኽትጎዓዘሉ ድማ የኽእል። ምስ ብዙሓት ሰባት ዲኻ ክትጓዓዝ? ስለዚ ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ባዕሉ ካርድ ክህልዎ ኣለዎ።
'NS Dagkaart'ን 'Railrunner'ን ኣብ ባቡር ጥራይ እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ ቅቡላት ኣይኮኑን።
ምእታውን ምውጻእን
ብኣውቶቡስ፣ ባቡር፣ ትራም ወይ ሜትሮ ትጓዓዝ እንተድኣ ኮይንካ፣ ቅድሚ ምእታውካ ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር ክትገብር ኣለካ። ኣብ መእተዊ ኣብ ዝርከብ ማሽን ብቚዕ ካርድኻ ኣመዝጊብካ ክትኣቱው ኣለካ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኣብ ዓንዲ ወይ ኣብ ኣፍደገ ኢኻ እትገብሮ። ከተመዝግቦ እንከለኻ ድማ ድምጺ ክትሰምዕ ኢኻ፣ ብድሕሪኡ ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መሳርሒ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።
ጉዕዞኻ ምስተወድአ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትመጽእ ኣለካ። ንካርድኻ እንደገና ኣብ ቅድሚ እቲ መሳርሒ ትሕዞ። ምውጻእካ ከተመዝግብ እንከለኻ ድምጺ ክትሰምዕ ኢኻ፣ ብድሕሪኡ ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ መሳርሒ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።
ናብ ካልእ ትካል መጎዓዝያ ምስግጋር
ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ካልእ ባቡር፣ ኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ ክትሰጋገር ኣለካ። ናብ ካልእ መጎዓዝያ ትሰጋገር እንተድኣ ኮይንካ ድማ መጀመርታ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ክትወጽእ ኣለካ።
ብድሕሪኡ ኣብቲ ክትጥቀመሉ እትደልዮ መጎዓዝያ ትኬትካ ብማሽን ኣመዝጊብካ ምእታው ኣይትረስዕ። ኣመዝጊብካ እንተድኣ ዘይኣቲኻ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ብቚዕ ትኬት ትጓዓዝ ኣለኻ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ ክልኩል እዩ።