ሕጉሳት ቆልዑት ምስ ወለዶም ኣብ ዓራት።
ምንጪ፡ Ketut Subiyanto

ኣበላት ቆልዑት ምስ ዝህልዉኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 20/3/2024 5:28 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ትሑት ኣታዊ፣ ከምኡ እውን 1 ወይ ልዕሊኡ ቆልዑት ዘለካ ዲኻ? ስለዚ ፍሉያት ኣበላት ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ኣበል፣ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ።

ኣበል መዕበይ ቆልዑት ንኹሎም ወለዲ

ኩሎም ወለዲ ኣብ ኔዘርላንድ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ዝኣልዩ ምስ ዝኾኑ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ይረኽቡ። እዚ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ይበሃል። ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ ድማ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ትረክብ። ኣበል መዕበይ ቆልዑት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ፣ ሚያዝያ፣ ሓምለን ጥቅምትን እዩ ዝኽፈል።

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣ ካብታ ትስዕብ ቀዳመይቲ ርብዒ ዓመት ጀሚሩ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ንኣብነት ኣብ 15 ነሓሰ ዲኻ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ? ስለዚ ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚርካ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እዚ ድማ ኣብ 1ይ ሰሙን ናይ ወርሒ ጥሪ ይኽፈለካ።

መጠን ናይቲ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ኣብ ዕድመ ናይ ውላድካ ዝምርኮስ እዩ። ኣብ 2024 ኣብ ነፍስወከፍ 3 ኣዋርሕ ንሓደ ቆልዓ ካብ € 279,49 ክሳብ € 399,27 ክትረክብ ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ድርብ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ክትረክብ ትኽእል

ንውላድካ እትገብሮ ልዑል ወጻኢታት ኣለካ ድዩ? ምናልባት ድርብ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። ንኣብነት ውላድካ ብሰንኪ ትምህርቲ ኣብ ገዛ ዘይነብር እንተኾይኑ። ወይ ድማ ውላድካ ኣብ ገዛ ዝነብርን ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮን እንተኾይኑ።

ንኣበል መዕበይ ቆልዑት ምምልካት

ኣበል መዕበይ ቆልዑት ንምርካብ ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ባንኪ ማሕበራዊ መድሕን (SVB)
ከተመልክት ኣለካ። ኣብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ መዕቆቢ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ዲኻ ትነብር? ስለዚ ኣብ እተመልክተሉ እዋን COA ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ወለዲ

ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
በዓል-መዚ ግብሪ
ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ወለዲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣበል መዕበይ ቆልዑት ዝወሃብ ካልእ ኣበል እዩ። ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ድማ ኣለካ፡

  • ካብ 18 ዓመት ዝንእሱ 1 ወይ ልዕሊኡ ቆልዑት ኣለዉኻ።

  • ኣበል መዕበይ ቆልዑት ትቕበል ኢኻ።

  • ኣታዊኻ (ናይ መጻምድትኻ እውን) ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን። ክንደይ ክትረክብ ከም እትኽእል ድማ ኣብ ብዝሒ ዘለወኻ ቆልዑት ዝምርኮስ እዩ። 

  • ንስኻ (መጻምድትኻ እውን) ኣዝዩ ብዙሕ ውህሉል ገንዘብ ክህልወካ የብሉን።

መሰል ምስ ዝህልወካ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት ብኣውቶማቲክ ትረክብ

ድሮ ካልኦት ኣበላትን ኣበል መዕበይ ቆልዑትን ንምርካብ ብቑዕ እንተድኣ ኮይንካ፣ ነቲ ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት እውን መሰል ዘለካ ምስ እትኸውን ብኣውቶማቲክ ክትረኽቦ ኢኻ።

ምስ ቆልዓ ዝተሓሓዝ ባጀት ናይ ምርካብ መሰል ኣለኒ፣ ኮይኑ ግን ኣይቕበልን ኣለኹ ኢልካ ትሓስብ ዲኻ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ባዕልኻ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልካ፣ ደጊም ካብ COA ንደቅኻ ዝኸውን ገንዘባዊ ኣበል ኣይትረክብን ኢኻ።

ኣበል መውዓሊ ሕጻናት

ውላድካ ናብ መውዓሊ ሕጻናት ይኸይድ ድዩ? ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣበል ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ መውዓሊ ሕጻናት ንምኽፋል ንምሕጋዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣበል እዩ።

መጻምድቲ ኣላትካ ድያ? ስለዚ መጻምድትኻ ኣብ ኔዘርላንድ ወይ ኣብ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከብ ሃገር እትነብር ምስ እትኸውን ጥራይ ኢኻ ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣበል ናይ ምርካብ መሰል ዝህልወካ። ብተወሳኺ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

ንስኻ (መጻምድትኻ እውን) ትሰርሕ ኢኻ፣ ናይ ምውህሃድ ስልጠና፣ ትምህርቲ፣ ወይ ናብ ስራሕ ዝወስድ መስርሕ ትኽተል ኣለኻ። ምስ ኣስራሒ ተቖጺርካ ወይ ባዕልኻ ከም በዓል ዋኒን ትሰርሕ ምዃንካ ብዘየገድስ።  ትምህርቲ ትከታተል ዲኻ? ስለዚ እዚ ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ናብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

እቲ መውዓሊ ሕጻናት ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ሃገራዊ መዝገብ መውዓሊ ሕጻናት (LRK)
ዝተመዝገበ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ እውን እቲ መውዓሊ ሕጻናት ቁጽሪ LRK ክህልዎ ኣለዎ። ብዘይ እዚ ቁጽሪ ኣበል ንምርካብ ክተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።

መጻምድትኹም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝነብሩ ምስ ዝኾኑ፣ ምናልባት ካብ ምምሕርዳር ከተማ ገንዘብ ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ወጻኢ ዝነብር መጻምድቲ ምስ ዝህልወካ፣ ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣበል ኣይትረክብን ኢኻ። ምናልባት ግን ምምሕዳር ከተማ ክሕግዘካ ይኽእል ይኸውን እዩ። ውላድካ ናብ መውዓሊ ሕጻናት ምእንቲ ክኸይድ ገና ገንዘብ ከም እትረክብ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ ሽዕኡ ክትሰርሕ ወይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃር ትኽእል። ብዛዕባ እዚ ናብ ምምሕዳር ከተማኻ ተወከስ።

ንገለ ክፋል ናይ መውዓሊ ሕጻናት ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ

እዚ ናይ ባዕልኻ ኣበርክቶ እዩ። ነቲ ካልእ ክፋል ድማ ናይ መውዓሊ ሕጻናት ኣበል ተጠቒምካ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ምምሕዳር ከተማ እውን ንመውዓሊ ሕጻናት ዝኸውን ቁሩብ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ።

ንኣበል ምምልካት

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DigiD
የድልየካ። ኣብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ኣበል ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣታዊኻ ዝህልዉ ለውጢታት ብቐጥታ ሓብር

ኣታዊኻ ምስ ዝውስኽ ወይ ዝቕንስ ብዛዕባ እዚ ብቐጥታ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ድሒርካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዋላ ናይዚ መሰል እናሃለወካ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ነዚ ብዝምልከት እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?