ስቴቶስኮፕን ወረቐት ባጤራን።
ምንጪ፡ Pxhere
ዓንቀጽ

መድሕን ጥዕናኻ ንምኽፋል ዘኽእል ኣበል ጥዕና

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 25/9/2024 11:31 ቅ.ቀ.

ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ወይ ብድጎማ ትምህርቲ ክትነብር ስለዘለካ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። እዚ ንመድሕን ጥዕናኻ መኽፈሊ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ እዩ።

ኣበል ጥዕና

ካብ

ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ናብ ምምሕዳር ከተማ ድሕሪ ምግዓዝካ፣ ናይ ኔዘርላንድ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትኣቱው ግዴታ ኣለካ።

ብድሕሪኡ ኣበል ጥዕና ንምርካብ ከተመልክት ይከኣል እዩ። እዚ መድሕን ጥዕና ንምኽፋል ዝሕግዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣበል እዩ። ብዛዕባ እዚ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

ኣታዊኻ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን

ኣበል ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወካ፣ ኣብ 2024 ኣታዊኻ ኣብ ዓመት ካብ € 37,496 ክሓልፍ የብሉን። መጻምድቲ ኣላትካ ድያ? ስለዚ ሓባራዊ ኣታዊኹም ኣብ ዓመት ካብ € 47,368 ክሓልፍ የብሉን።

ርእሰ-ማልካ (ውህሉል ገንዘብካ) ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን

ኣበል ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወካ፣ ኣብ 2023 ካብ € 140,213 ንላዕሊ ርእሰ-ማል ክህልወካ የብሉን። ርእሰ-ማልካ መብዛሕትኡ ግዜ ውህሉል ገንዘብካ እዩ። መጻምድቲ ኣላትካ ድያ? ሓባራዊ ርእሰ-ማልኩም ካብ € 177,301 ክሓልፍ የብሉን።

ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ

ካብ 18 ​​ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ ናይ ባዕልኻ መድሕን ጥዕና ኣለካ። ኣበል ጥዕና ንምርካብ ድማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀረባ እዋን 18 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ኣብ ግዚኡ ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ግበር፣ ብቐጥታ ድማ ኣበል ጥዕና ንምርካብ ኣመልክት። ካብታ ድሕሪ እታ 18 ዓመት ዝመላእካላ ወርሒ ዘላ ወርሒ ጀሚርካ ኸኣ ኣበል ጥዕና ክትረክብ ኢኻ።

ኣበል ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ

DigiD
የድልየካ። ኣብ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ኣበል ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣታዊኻ ዝህልዉ ለውጢታት ብቐጥታ ሓብር

ኣታዊኻ ምስ ዝውስኽ ወይ ዝቕንስ ብዛዕባ እዚ ብቐጥታ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ድሒርካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዋላ ናይዚ መሰል እናሃለወካ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ነዚ ብዝምልከት እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

'Mijn toeslagen'
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኩነትካን ኣታዊኻን ዝህሉው ለውጢ ብዝምልከት እውን ኣብቲ መርበብ-ሓበሬታ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ።

ነዚ ዓንቀጽ ከመይ ረኺብካዮ?