
ምንጪ፡ Pxhere
መድሕን ጥዕናኻ ንምኽፋል ዘኽእል ኣበል ጥዕና
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል
ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ወይ ብድጎማ ትምህርቲ ክትነብር ስለዘለካ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። እዚ ንመድሕን ጥዕናኻ መኽፈሊ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ እዩ።
ኣበል ጥዕና
ካብ
ብድሕሪኡ ኣበል ጥዕና ንምርካብ ከተመልክት ይከኣል እዩ። እዚ መድሕን ጥዕና ንምኽፋል ዝሕግዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣበል እዩ። ብዛዕባ እዚ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡
ኣታዊኻ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን
ኣበል ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወካ፣ ኣብ 2023 ኣታዊኻ ኣብ ዓመት ካብ €38,520 ክሓልፍ የብሉን። መጻምድቲ ኣላትካ ድያ? ስለዚ ሓባራዊ ኣታዊኹም ኣብ ዓመት ካብ € 48,224 ክሓልፍ የብሉን።
ርእሰ-ማልካ (ውህሉል ገንዘብካ) ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን
ኣበል ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወካ፣ ኣብ 2023 ካብ € 127,582 ንላዕሊ ርእሰ-ማል ክህልወካ የብሉን። ርእሰ-ማልካ መብዛሕትኡ ግዜ ውህሉል ገንዘብካ እዩ። መጻምድቲ ኣላትካ ድያ? ሓባራዊ ርእሰ-ማልኩም ካብ € 161,329 ክሓልፍ የብሉን።
ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ
ካብ 18 ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ ናይ ባዕልኻ መድሕን ጥዕና ኣለካ። ኣበል ጥዕና ንምርካብ ድማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀረባ እዋን 18 ዓመት ክትመልእ ዲኻ? ኣብ ግዚኡ ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ግበር፣ ብቐጥታ ድማ ኣበል ጥዕና ንምርካብ ኣመልክት። ካብታ ድሕሪ እታ 18 ዓመት ዝመላእካላ ወርሒ ዘላ ወርሒ ጀሚርካ ኸኣ ኣበል ጥዕና ክትረክብ ኢኻ።
ንኣበል ምምልካት
ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ
ኣብ ኣታዊኻ ዝህልዉ ለውጢታት ብቐጥታ ሓብር
ኣታዊኻ ምስ ዝውስኽ ወይ ዝቕንስ ብዛዕባ እዚ ብቐጥታ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ድሒርካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዋላ ናይዚ መሰል እናሃለወካ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።
ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ነዚ ብዝምልከት እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።