ካብ ወረቐት ባጤራ ዝተዓጽፈ ገዛ
ምንጪ፡ Pixabay

ክራይ ገዛኻ ንምኽፋል ዘኽእል ኣበል ክራይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/11/2023 2:37 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።

ኣበል ክራይ-ገዛ

ኣበል ክራይ-ገዛ፣ ክራይ ገዛ ንምኽፋል ዝሕግዝ ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣበል እዩ። ኣበል ክራይ-ገዛ ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልወካ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ፡

ኣታዊኻ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን

ኣዝዩ ብዙሕ ኣታዊ ክህልወካ የብሉን። በይንኻ ወይ ብሓባር ትነብር ምስ እትኸውን፣ እቲ መጠን ገንዘብ ዝተፈላለየ እዩ። ኣበል ክራይ-ገዛ ናይ ምርካብ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ክትቅምሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣታዊ ዘለዎም ኣብ ገዛ ዝነብሩ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ነዚ ኣበል ንምርካብ ኣብ ዝምልከተሉ እዋን፣ ኣታዊኦም ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ክሕሰብ እዩ።

ክራይ ገዛኻ ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን

መጠን ክራይ ገዛኻ ክንደይ ክኸውን ከምዘለዎ ነፍስወከፍ ዓመት ቁሩብ ይቕየር እዩ። እቲ ገደብ ክራይ ክንደይ ምዃኑ ድማ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ኩሎም ናይ ገዛኻ ነበርቲ ትሕቲ 23 ዓመት ድዮም? ስለዚ እቲ ዝለዓለ ገደብ ክራይ ትሑት እዩ፣ ብዘይካ ምሳኻ ዝነብር ቆልዓ ዘለካ ምስ እትኸውን።

ርእሱ ዝኸኣለ መንበሪ ቤት ክህልወካ ኣለዎ

ርእሱ ዝኸኣለ መንበሪ ቤት፣ እንተወሓደ ክዕጾ ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ቅድሚት ማዕጾ፣ ክሽነን ሽቓቕን ኣለዎ።

ግን ድማ ንኹሎም ርእሶም ዝኸኣሉ መንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን ኣበል ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኣብነት ንጃልባ ገዛ ወይ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንገሊኦም ርእሶም ዘይክእሉ መንበሪ ኣባይቲ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ግን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ርእሰ-ማልካ (ውህሉል ገንዘብካ) ኣዝዩ ልዑል ክኸውን የብሉን

ውህሉል ገንዘብ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ልዑል ርእሰ-ማል ክህልወካ እውን የብሉን።

ንኣበል ምምልካት

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ በዓል-መዚ ግብሪ ኣብ 'Mijn toeslagen' ኣበላት ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DigiD
የድልየካ። ኣብ
ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ኣበል ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣታዊኻ ዝህልዉ ለውጢታት ብቐጥታ ሓብር

ኣታዊኻ ምስ ዝውስኽ ወይ ዝቕንስ ብዛዕባ እዚ ብቐጥታ ናብ በዓል-መዚ ግብሪ ክትሕብር ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ድሒርካ ገንዘብ ክትመልስ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ዋላ ናይዚ መሰል እናሃለወካ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ኣበል ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ነዚ ብዝምልከት እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?