ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




Iemand houdt een bankpas naast een laptop. Op de achtergrond liggen een rekenschrift en een telefoon.

ምንጪ፡ Anna Shvets

ንስኻ ወይ ውላድካ 18 ዓመት ምስ እትመልኡ ብገንዘባዊ መዳይ ነዚ ከተዋድዱ ኣለኩም

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 28/11/2023 12:38 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ንስኻ ወይ ውላድካ 18 ዓመት ምስ መላእኩም፣ ብገንዘባዊ መዳይ ከተዋድድዎም ዘለኩም ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኣብዚ ዓንቀጽ እንታይ ከተዋድዱን ብኸመይ ክትገብርዎን ከም ዘለኩም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምምልካት DigiD

18 ዓመት ምስ መላእካ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
DigiD
ንምርካብ ከተመልክት ኣለካ። DigiD ሓደ ዓይነት ዲጂታላዊ ፓስፖርት እዩ። ምስ መንግስቲ ብኢንተርነት ነገራት ኣብ እተዋድደሉ እዋን ድማ ነዚ ተጠቂምካ መን ምዃንካ ንመንግስቲ ከተርእዮ ትኽእል። ከም ኣብነት ንኣበላት ምምልካት ወይ ንላዕለዋይ ትምህርቲ ምምዝጋብ ክትሓስብ ትኽእል።

ምምልካት መድሕን ጥዕናን ኣበል ጥዕናን

18 ዓመት ምስ መላእካ ናይ ባዕልኻ ውዕል መድሕን ጥዕና ክትገብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ብኢንተርነት ክግበር ይከኣል እዩ። ምስ ኣየናይ ትካል መድሕን ጥዕና ውዕል መድሕን ክትገብር ከም እትደልይ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነፍስወከፍ ወርሒ ድማ ናይ መድሕን ጥዕናኻ ሓደ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ ክፍሊት መድሕን ጥዕና ይበሃል።

18 ዓመት ምስ መላእካ ኣበል ጥዕና ንምርካብ እውን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ወጻኢታት ክንክን ጥዕናኻ ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ንምኽፋል ካብ መንግስቲ እትረኽቦ መጠን ገንዘብ እዩ። ኣበል ጥዕና ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ ኣብ ኣታዊኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣበል ጥዕና ንምርካብ ከተመልክት እትኽእል ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ።

ካሕሳ ወጻኢታት ቤት-ትምህርቲ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ንምርካብ ምምልካት

ንወጻኢታት ቤት-ትምህርቲ ወይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምሽፋን ክሕግዘካ ምእንቲ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ክትቅበል ወይ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ዝኸውን እዩ፡

  • መጻሕፍቲ

  • ወጻኢታት ህዝባዊ መጓዓዝያ

  • ክፍሊት ምህሮ

ካሕሳ ወጻኢታት ቤት-ትምህርቲ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ንምርካብ ብመንገዲ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO)
ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።ንሳቶም ንዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምኻንካን ዘይምዃንካን ክምርምሩ እዮም። ድጎማ ትምህርቲ ብዝምልከት ናይ MBO፣ HBO፣ ወይ ናይ ዩኒቨርሲቲ ስልጠና እትከታተል ክትከውን ኣለካ። ንስኻ ወይ ውላድካ ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እናሃለኹም ካሕሳ ወጻኢታት ቤት-ትምህርቲ ንምርካብ ከተመልክቱ ድማ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ 18 ​​ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ ግብሪ ክትከፍልን መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብን ኣለካ

ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዲዩ፣ ስራሕ ድማ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ካብቲ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ግብሪ ክትከፍል ግዴታ ኣለካ። እዚ ድማ ግብሪ ኣታዊ ይበሃል። ተቖጺርካ እትሰርሕ ምስ እትኸውን እዚ ብኣስራሒኻ ብኣውቶማቲክ እዩ ዝፍጸም።

ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ፊስካላዊ ዓመት ባዕልኻ መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ እውን ኣለካ። ናይ 2023 መመልከቲ ግብሪ ከተቕርብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ነዚ ኣብ መንጎ 1 መጋቢት 2024ን 14 ሓምለ 2024ን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ ደብዳቤ ወይ ኢ-መይል ክትቕበል ኢኻ። መመልከቲ ግብሪ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ድማ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
በዓል-መዚ ግብሪ
ቅኑዕ መጠን ግብሪ ኣታዊ ዝኸፈልካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር። ካብ መጠን ንላዕሊ ግብሪ ኣታዊ እንተድኣ ከፊልካ ካብ በዓል-መዚ ግብሪ ገንዘብ ክምለሰልካ እዩ። ኣስራሒኻ ካብ ደሞዝካ ኣዝዩ ውሑድ ግብሪ ስለዝቖረጸ ተወሳኺ ክትከፍል ዘለካ እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ንገንዘብካ ብዝምልከት ባዕልኻ ሓላፍነት ትወስድ

18 ዓመት ምስ መላእካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ብዝምልከት ሓላፍነት ትወስድ። እዚ ማለት ድማ ​​ናይ ባንክ ሕሳብካ ሓላፍነት ትወስድ ማለት እዩ። ገና ናይ ገዛእ ርእስኻ ናይ ባንክ ሕሳብ የብልካን ዲኻ? ስለዚ ካብ መበል 18 ​​ዓመት ዕድሜኻ ጀሚርካ ባዕልኻ ናይ ባንክ ሕሳብ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ።

ኣበል መዕበይ ቆልዑትን ቀለብ ቆልዓን

18 ዓመት ምስ መላእካ ንስኻን ወለድኻን ደጊም ኣበል መዕበይ ቆልዓ ኣይትረኽቡን ኢኹም። ሓደ ካብ ወለድኻ ቀለብ ቆልዓ ይረክብ ድዩ? ካብ መበል 18 ​​ዓመት ዕድሜኻ ጀሚርካ ነዚ ገንዘብ ባዕልኻ ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ድማ ተመራጺ እዩ።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?