• ጀምር
  • መንበሪ-ቤት
  • እቲ ዝቐረበልካ ገዛ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን ከምዚ ክትገብር ትኽእል
ሪጋ ማሕበራዊ ኣባይቲ።
ምንጪ፡ CorporatieNL

እቲ ዝቐረበልካ ገዛ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ምስ ዝኸውን ከምዚ ክትገብር ትኽእል

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 16/11/2023 9:14 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ምምሕዳር ከተማ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ገዛ ድዩ ኣቕሪቡልካ? ንኣብነት ንስድራ-ቤትካ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ምናልባት ካልእ ገዛ ክረኽበካ ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ብቚዕ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ።

ምምሕዳር ከተማ ዝሰማማዕ ገዛ ከቕርብ ኣለዎ

እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ኩነትካ ዝሰማማዕ ገዛ ክረክብ ኣለዎ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ዝኸውን ምስ ኩነትካ ዝሰማማዕ ገዛ እንተድኣ ረኺቡ፣ ነቲ ገዛ ክትነጽጎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ገዛ ዘይሰማማዓካ ምዃኑ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ንማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ዝሰማማዕ ገዛ ነዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ከማልእ ኣለዎ፡ 

እቲ ገዛ ንብዝሒ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ዝኣክል ስፍሓት ክህልዎ ኣለዎ

እቲ ገዛ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝኣክል ስፍሓት ክህልዎ ኣለዎ። ስፍሓት ገዛ ኣብ ብዝሒ እቶም ኣብቲ ገዛ ዝነብሩ ሰባት እዩ ዝምርኮስ።

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ ዲኻ፣ ግን ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ገና ናብ ኔዘርላንድ ኣይመጽኡን ድዮም? ስለዚ ምናልባት መጀመርታ ንዓኻ ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ገዛ ዝቐርበልካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ድማ ንመላእ እቲ ስድራ-ቤት ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ገዛ ይቐርበልኩም።

እቲ ገዛ ብቐሊሉ ክእተው ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ

ብእግርኻ ክትከይድ ትጽገም ዲኻ ወይ ብዓረብያ ስንኩላን ዲኻ ትንቀሳቐስ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ፣ እቲ ገዛ ናይዚ መሳለጥያ ዘለዎ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ። ንኣብነት መደያይቦ ዘይብሉ ገዛ ብምቕራብ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ዘቕረበልካ ገዛ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ኮይኑ ረኺብካዮ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ምስ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ተመያየጥ። እዚ ሰብ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።

እቲ ገዛ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ እንተኾይኑ ምስ COA ተዘራረብ

እቲ ገዛ ምስ ኩነትካ ኣይሰማማዕን ድዩ? ወይ እቲ ገዛ ንዓኻ ዘይበቕዕ ምዃኑ እትሓስበሉ ካልኦት ምኽንያታት ኣለዉኻ ድዮም? ብዛዕባ እዚ ንናትካ ናይ COA ተጸዋዒ-ሰብ ማለት ኮንታክትፐርሶን ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ COA ሓቅኻ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ። 2 ተኽእሎታት ድማ ኣለዉ፡

COA ምሳኻ ይሰማማዕ

COA እውን እቲ ገዛ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ኮይኑ ይረኽቦ። ንኩነትካን ተፈጻምነት ንዘለዎም ሕግታትን ኣዝዩ ውሑድ ግምት ተዋሂብዎም። ስለዚ እቲ ምምሕዳር ከተማ ካልእ ገዛ የቕርበልካ።

COA ምሳኻ ኣይሰማማዕን

COA ነቲ ገዛ ምስ ኩነትካ ዝሰማማዕ ኮይኑ ይረኽቦ። COA ነቲ ገዛ ንኽትቅበሎን ብድሕሪኡ ድማ ባዕልኻ ካልእ ገዛ ንኽትደልይን ይመኽረካ። ነቲ ገዛ ኣይትቕበሎን ዲኻ? ስለዚ COA ናብ ቤት-ፍርዲ ይኸይድ።

COA ናብ ቤት-ፍርዲ ይኸይድ ድዩ?

COA ናብ ቤት-ፍርዲ ምስ ዝኸይድን ኣብ ቤት-ፍርዲ ምስ ዝረትዕን፣ እዚ ዝስዕብ ክኸውን እዩ፡

ደጊም ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ኣይፍቀደልካን እዩ

ነዚ ኣይትገብርን ዲኻ? ስለዚ COA ካብቲ መዕቆቢ ብፖሊስ ከም እትእለይ ክገብረካ ይኽእል እዩ። ናይዚ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ። እዚ ድማ ከባቢ €2000 ወጻኢታት ይሓተካ።

ሕጂ ገዛ ንኽትረክብ ናይ ባዕልኻ ሓላፍነት እዩ

ደጊም ሕጂ COAን ምምሕዳር ከተማን ዝሰማማዓካ ገዛ ናይ ምርካብ ሓላፍነት የብሎምን። ብቕጽበት ባዕልኻ ገዛ ምድላይ ክትጅምር ኣለካ። ብሰንኪ ኣብ ኔዘርላንድ ዘሎ ቅልውላው ኣባይቲ፣ ገዛ ንምርካብ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ክሳብ ሽዕኡ ድማ ነቲ ናይ COA መዕቆቢ ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣንጻር እቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳኔ ላዕለዋይ ይግባይ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ

ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣንጻር ውሳኔ ዳኛ ላዕለዋይ ይግባይ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ COA እቲ ገዛ ምስ ኩነትካ ዝሰማማዕ ኮይኑ ረኺብዎ እናሃለወ ነቲ ገዛ ብዘይምቕባልካ ኣብ ዓቢይ ሓደጋ ኢኻ እትኣቱው።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?