ሓደ ሰብ መጋዓዓዚ ባኮታት ይዕሽግ።
ምንጪ፡ Shvets Production

ድሕሪ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምግዓዝ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 29/1/2024 1:32 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ይመጹኡ ኣለዉ ድዮም፣ ከምኡ እውን ብሓባር ክትነብሩሉ ዘይትኽእሉ ንእሽቶ ገዛ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ካልእ ገዛ ከዳልወልኩም እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ምምሕዳር ከተማ ዝሰማማዕ ገዛ የዳሉው

መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ካብ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻ ጥራይ ዝሰማማዕ ገዛ ኢኻ እትረክብ። ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ምጽዳቚ ድማ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻን ንስድራ-ቤትካን ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ሓድሽ ገዛ ይደልይ። ብሰንኪ ቅልውላው ኣባይቲ፣ ምምሕዳር ከተማ ንዓኻን ንስድራ-ቤትካን ዝሰማማዕ ገዛ ክሳብ ዝረክብ ድማ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምምሕዳር ከተማ ንመላእ ስድራ-ቤትካ ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ገዛ ብቐጥታ ይህበካ እዩ።  ዋላ ስድራ-ቤትካ ገና ናብ ኔዘርላንድ ዘይመጽኡ እውን እንተኾኑ። ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ድማ ሽዕኡ ብቕጽበት ምሳኻ ክነብሩ ይኽእሉ።

ገና ገዛ ክሳብ ዘይተረኽበ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ COA መዕቆቢ ክረኽቡ እዮም

ገዛኻ ንመላእ ስድራ-ቤትካ ኣዝዩ ንእሽቶ እንተኾይኑ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ መጀመርታ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ክቕመጡ እዮም። ምምሕዳር ከተማ ዝሰማማዕ ገዛ ክሳብ ዝረክብ ድማ ኣብኡ ይነብሩ።

ንስኻን ኣባላት ስድራ-ቤትካን ናብቲ ሓድሽ ገዛ ትግዕዙ

ምምሕዳር ከተማ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ገዛ ረኺቡ ድዩ? ስለዚ ብርክት ዝበሉ ነገራት ክትገብር ኣለካ። ንኣብነት፡

  • ናይ ክራይ ውዕል ምፍራም።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ክምዝገቡ ኣለዎም።

  • ኣባላት ስድራ-ቤትካ ምዝገባኦም ኣብ COA ከሰርዝዎ ኣለዎም።

ብመንገዲ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዓንቀጽ፣ ብዛዕባ ምንባር ናብ ዝምልከቱ ተኸታተልቲ ዓንቀጻት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ ከተዋድዶም ዘለካ ነገራት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ፡

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?